ር.ሊ.ጳ.፥ ‘ዘይውንግል ሊጡርጊያ ሓቀይና ኣይኮነን!’
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዓለም ናይ ዝርከባ ካቶሊካውያን ሰበኻታት ናይ ስርዓተ ኣምልኾ - ሊጡርጊያ ሓለፍቲ ኣብ ዘሳተፈ ዓውደ ትምህርቲ ተጋባእያን ዕለት 20 ጥሪ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ስለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ “ናይ ስርዓተ ኣምልኾ ሓለፍቲ፥ ኣንጻር “ታህዋኽን ሸለልትነትን ብጉያ ጉያ ንዝዳለውን ቅዳሴ” ክቃለሱ ምዒዶም፡ ብፍላይ ካብቲ ምስ ክርስቶስ ዝግበር ርክብ ስርዓት ከየቕድሙ ድማ ከም ዘጠንቀቑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ነቶም ኣብቲ ጳጳሳዊ ቅዱስ ኣንሰልሞ ተቕዋም ኣብ ዘዳለዎ ናይ መላእ ሃገረ ስብከት ናይ ስርዓት ሊጡርጊያ ሓላፍቲ ዘሳተፈ ዓውደ ትምህርቲ ንዝተሳተፉ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን፥ ቅዳሴ ብመሰረቱ ምስ ክርስቶስ ምርኻብ ምዃኑ ኣስሚሮም፡ ንስርዓተ ሊጡርጊያ ኣኽብሮት ድማ ክህሉ የተባብዑ።
ናይ ሊጡርጊያ ማእከል ክርስቶስ እምበር ስርዓት ኣይኮነን
“ንህዝቢ ናብ ክርስቶስ ክርስቶስ ድማ ናብ ህዝቢ” ንምምራሕ ፍረ ዘለዎ ተሳተፎ ህዝበ እግዚኣብሔር ቀዳምነት ክወሃቦ ይግባእ ቢሎም፥ ሓደ ሓደ ግዜ ስርዓት ምቕዳም፥ “ስርዓት ቅድሚ እቲ ስርዓት ዝገልጾ ኣካል ናይ ምቕዳም ሓደጋ ከምዘሎ እውን ኣጠንቂቖም፡ እዚ ኣቀራርባ እዚ “ንልብን ህላወን ህዝቢ ኣምላኽ ስለ ዘይትንክፍ፡ ብዘይ ሓይሊ ብዘይ መኣዛ ትርጉም ዘይብሉ ግና ናብ ጽቡቕ ስርዓት ጥራሕ ዝመርሕ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ፡ ንልቢ ዝትንክፍን ዘንቀጥቅጥን ክርስቶስ እዩ፡ ንመንፈስ ዝስሕብ ምስኡ ምርኻብ እዩ” ቢሎም ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ሉቃስ ወንጌል ምዕ. 22, 15 “ቅድሚ ስቓየይ ምሳኻትኵም ገንሸል ፋሲካ ክበልዕ ብዙሕ ሃረር ኢለ ነይረ፡” ዝብል ቃለ ወንጌል መሰረት ገይሮም፥ ዛዕባ ሊጡርጊያዊ ኣቃውማ ህዝበ እግዚኣብሔር ብዘለዎም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ፍሉይ ስልጣን መሰረት ዝጸሓፍዎ ናይ ድንጋገ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ጠቒሶም፥ ወንጌል ዘይሰብኽ ወይ ዘይውንግል ስርዓተ ኣምልኾ ሓቀይና ኣኮነን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ናይ ኣኽብሮት ስምዒት ምምላስ
ንስርዓተ ኣምልኾ ክወሃቦ ዝግብኦ ኣኽብሮት ብኣጽንዖት ኣዘኻኺሮም፥ ህዝበ እግዚኣብሔር ኣብ ዝዓርግ ሊጡርጊያ ህይወቱ መታን ክዓቢ እቶም ቅዳሴ ዝመርሑን ዝሰርዑን ተዓጻጻፍነት ዘለዎም ክኾኑ ይግባእ፡ ስለዚህ ዓሚቝ ምድላው የድልዮ። ኣብ ገለ ገለ ሰበኻታት ሸለልትነት ዝመለኦ ድኹም ምድላዋትን ከምኡ እውን ስርዓት ቅዳሴ ንህዝቢ ዘይዛረብ ዘይሕግዝን ዘይውንግልን (ወንጌል ዘይሰብኽ) ሊጡርጊያ ትርኢ፡” ቅድሚ ቅዳሴ ኮነ ድሕሪ ፍጻመ ‘ጽሞና’ ወሳኒ እዩ። ጫውጫውታ ክህሉ የብሉን። ቅድሚ ቅዳሴን ድሕሪ ፍጻሜን ሃዋሁ ጫውጫውታ ይርአ። እዚ ክውገድ ኣለዎ። ንቃልን ቅዱስ ቁርባንን ዘዳልወና ጽሞና ዳግም ክንረኽቦን ዋጋ ክንህቦን ይግባእ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ተራ ሓላፍቲ ስርዓተ ቅዳሴ
ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብዛዕባ ግደ መምሃራን ወይ ሓለፍቲ ስርዓተ ቅዳሴ ማለት “መምህር ስነ ስርዓት ሊጡርጊያ” ኣማእኪሎም፡ እዚ ቤት ጽሕፈት እዚ ዲያኮኒያ ማለት ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት እዩ። ምስ ጳጳሳት ኣብ ኣገልግሎት ንህዝበ እግዚኣብሔር ዘተሓባብር እዩ!” ጸገማት ዝፍጠሩ እቲ ስርዓተ ቅዳሴ ዝመርሕ ናይ ሊጡርጊያ ምምህር ናይቲ ስነ ስርዓት ኣምልኾ ማእከል ክኸውን እንከሎ እዩ። እቲ ስርዓተ ቅዳሴ ዝመርሕ ሰራዒ ደኣ እምበር ናይቲ ስነ ስርዓት ወይ ሊጡርጊያ ጐይታ ኣይኮነን። ስለዚህ እቲ ናይቲ ስርዓተ ኣምልኾ ሰራዒ ገዛእ ርእሱ ኣብ ምሕባእ ንጐይታ ዘቃልሕ እዩ ክኸውን ዘለዎ። . . .
ናይ ሊጡርጊያ ስራዒ ተራ ኣገዳሲ እዩ፡ ከምኡ እውን ናይቲ ነቲ ኪደት ስነ ስርዓት ሊጡርጊያ ዝመርሕ ተራ . . . ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ቅዱስነቶም ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ትሕቲ ቅዱስ ጉባኤ ዝብል ዋና ኣርእስቲ ብዛዕባ ስርዓተ ኣምልኾ ወይ ሊጡርጊያ ዝሃቦ ድንጋጌ ጠቒሶም፥ “ንቅድስና ስርዓተ ኣምልኾ ቀዳምነት ምሃብ” የድሊ እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።