ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ እግዚኣብሔር ብህላወኡ የገርመና!

ኵላትና ዕብየት ናይ ምድላይ ዝንባለ ኣሎና። ብሓቂ ከመይ ጌርና ከም እንረኽቦ ምፍላጥ ግና ህያብ እዩ። ኣብቲ ኣምላኽ ዘፍቅሮ ንእሽቶ ነገር ዕብየት ከመይ ጌርካ ከም እትረክብ ምፍላጥ የድሊ!

ዕለት 6 ጥሪ ላቲናዊት ቤተ ክርስቲያን ኣስተርእዮቱ ዘእግዚእነ ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት ፍርቂ መዓልቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ በሸሓት ዝቑጸሩ ካብ ውሽጥ ወጻእን ዝመጹ ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ጉባኤ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ብዛዕባ እቲ እግዚኣብሔር ንሰብኣ ሰገል - ጠቢባን ንወዱ ኢየሱስ ኣብ ምድላይ ክጸንዑ ዝሃቦም ህያባት ማእከል ዝገበረ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም፥ እቶም ንህጻን ኢየሱስ ዝደልዩ ዝነበሩ ሰለስተ ጠቢባን ህያባቶም ወርቅን ዕጣንን ከርበን ንኸቕርብሉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ በንጻሩ ንሳቶም እውን ካብቲ ህያባቶም ዘቕረብሉ ሕጻን ሰለስተ ህያባት ከም ዝተቐበሉ ኣስተብሂሎም፥

ካብ ዞባ ምሾትና ምውጻእ

ጐይታ ንሰብኣ ሰገል ዝሃቦም ቀዳመይቲ ህያብ “ጸዋዕታ” እዩ። ነቲ ዘለዎም ናይ ስነ ከዋኽብቲ ምርምር ጥበቦም ንዝተወልደ ወልደ ኣምላኽ ንምርካብ ዝመርሕ መገዲ ክኸውን እግዚኣብሔር ናብ ወልደ እግዚኣብሔር ገጾም ንኽብገሱ ይጽውዖም - ይዕድሞም፥ “ለባማትን ምሁራትን” ሰባት ብምዃኖም ብዘይ ፈልጥዎ ነገር ተመሲጦም ካብኡ ንላዕሊ ወይ ክንየው ዝፈልጥዎ ነገር ንኸብሉ ይድረኹ፥

ንሕና ካብ ምሾትና ወጺእና ምስ ካልኦት ብሓባር ናብኡ ብምጉዓዝ ኣብ ክውንነት ብምጥሓል ንጐይታ ክንደልዮ ኢና ተጸዊዕና። እግዚኣብሔር ኣብዚን ሕጂን ዓለምና መዓልታዊ እዩ ዝጽውዕ!

ሸቶ ጉዕዞ ህይወት ምልላይ

እቲ ካልኣይ እቶም ሰብኣ ሰገል ካብ እግዚኣብሔር ዝተወሃቦም ህያብ ናይ ምስትውዓል መንፈስ ኢዩ ነይሩ። ንጉስ ይደልዩ ስለ ዝነበሩ መጀመርታ ምስ ንጉስ ሄሮድስ እዮም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተራኸቡ፡ ኰይኑ ግና ነቲ ንሱ ብጽምኢ ስልጣን ተዋሒጡ ነቲ መሲሕ ንኸይደልዩ ይምዕዶም፡ ንሳቶም ግን ነቲ ንሱ ዘቕረበሎም ፈተና ኣርሒቖም፡ ሸቶ ጉዕዞኦም ብምስትውዓል ዝወስድዎ ውሳነ መገድታት ኣምላኽ ክንመርጽ ከም ዝግባእ ይምህሩና።

ምቕባል ኣግራሞት ህላወ ኣምላኽ

ቀጺሉ ኣምላኽ ነቶም ሰለስተ ሰብኣ ሰገል ኣብ መወዳእታ ናይቲ ነዊሕ ጉዞኦም መስተንክር የርእዮም። ዋላ እኳ “ሓያልን መስተንክርን መሲሕ” ይደልዩ እንተነበሩ፡ ነቲ ዝደልይዎ ዝነበረ ንጉስ - መሲሕ ኣብ ሑቕፎ ኣዲኡ ይረኽብዎ። እቶም ሰብኣ ሰገል ከምቲ ዝገመትናዮ ኣይኮነን ስለዚ ተጋጊና ቢሎም ኣክንዲ ዝሓስቡ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዘለልይዎ ንኣግራሞት ኣምላኽ ሓንጐፋይ ቢሎም ከም ዝቕበልዎ ይፈልጡ እዮም።

ኵላትና ዕብየት ናይ ምድላይ ዝንባለ ኣሎና። ብሓቂ ከመይ ጌርና ከም እንረኽቦ ምፍላጥ ግና ህያብ እዩ። ኣብቲ ኣምላኽ ዘፍቅሮ ንእሽቶ ነገር ዕብየት ከመይ ጌርካ ከም እትረክብ ምፍላጥ የድሊ!

በቲ ካብ ኣምላኽ ብዝረኸብናዮ ውህበት ምድናቕ

“ሎሚ ነቲ ካብ ኣምላኽ ዝተቐበልናዮም ህያባት ምዝካር ጽቡቕ ምኾነ፡ ኣብ ህይወትና ካብ ኣምላኽ ዝተወሃበና ጸዋዕታ ምልስ ቢልና ክንሓስብ ወይ ምናልባት ድሕሪ ምሉእ ቃልሲ ድምጹ ከነስተውዕል ድሕሪ ምስትውዓል ከኣ ዝረኽብናዮ ዓወት እውን ከይተረፈ ምዝካር፡ ሕጂ እውን እንተኾነ ዘይርሳዕ ምግራም ሂቡና እዩ። ብቐጻሊ ዘደንቐና ጐይታ እዩ” እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

07 Jan 2023, 15:45