ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ነቐፌታ ንኽንዓቢ ይሕግዘና፡ ግን ኣብ ገጸይ ክብሉኒ እየ ዝደሊ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ነቐፌታ ንኽንዓቢ ይሕግዘና፡ ግን ኣብ ገጸይ ክብሉኒ እየ ዝደሊ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ነቐፌታ ንኽንዓቢ ይሕግዘና፡ ግን ኣብ ገጸይ ክብሉኒ እየ ዝደሊ

ቅዱሰንቶም ይብሉ ብሓቂ ተመክሮ በነዲክቶስ መበል 16 ንመጻኢ ተኸተልቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ዓቢይ ናጽነት ይህብ”

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ኣሶሺየትድ ፕረስ - ኣገልግሎት ዜና ዕለት 24 ጥሪ 2023 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላይ በነዲክቶስ መበል 16፥ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽን ዛዕባ ስምምዕ ቻይናን ቅድስቲ መንበርን ናይ ጀርመን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዳዊ ኪደትን ክሳዕ ብወሲብ ዓመጽ ዝተኸሱ ዛዕባ ኣባ ሩፕኒክ ዝኸይድን ሰፊሕ ቃለ መሕትት ከም ዘካየዱን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብቲ ዕለት 24 ጥሪ 2023 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ህንጻ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ሰፊሕን ዓሚቝን ብፍላይ ህልው ኩነታት ቤተ ክርስቲያንን ቅድስቲ መንበር ዝዳህሰሰ ምንባር ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ብዙሕ እዋን ጥርጣረ ምስ ዘጋጥመኒ ንኽመክር ናብ በነዲክቶስ መበል 16 እየ ዝኸይድ ዝነበርኩ

ንበነዲክቶስ መበል 16 “ለዋህ ሰብ” እንክብሉ ገሊጾም፡ ምስ ዓረፉ “ኣቦ እየ ዝሰኣንኩ - ንዓይ ዓቢ ውሕስነት እዮም ነይሮም። ጥርጣረ ኣብ ዘጋጥመኒ እዋን ናብቲ ዝነብርሉ ዝነበረ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናብ ዘሎ ገዳመ እመ ኣምላኽ እየ ዝኽየድን ዝሓትቶምን ዝነበርኵ” . . .  ኣብ ሓደ እዋን ብፍቓድኵም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣን ናይ ምልቃቕ ተኽእሎታት ኣብ ዝምልከት ቅድሚ ሕጂ ተሓቲትኩም ኣብ ዝሃብክውሞ መልሲ ብፍቓደይ ስልጣነይ እንተሓዲገ ናይ ሮማ ልሂቅ ጳጳስ ብዝብል መጸውዕ ክግለጽን ኣብ ናይ ሰነብኻ ሮም ቤተ ውሉደ ክህነት ክቕመጥ ድማ ምመረጽኩ ዝብል መልሲ ሂብኩም ነርኩም . . .  ኣብቲ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣሶሺየተድ ፕረስ - ኣገልግሎት ዜና ከም ዘዘካኸሮምን፡ ቅዱሰንቶም ይብሉ ብሓቂ ተመክሮ በነዲክቶስ መበል 16 ንመጻኢ ተኸተልቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ዓቢይ ናጽነት ይህብ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ። . . .

ነቐፌታ ንኽትዓቢይ ይሕግዝ

ቅድስነቶም ኣብቲ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ዕለት 13 መጋቢት ከም እተሓርዩን ነዚ ዝሓለፈ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ዓሰርተ ዓመታት ዘቑጽር ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣኖም እንከስተንትኑ፥ ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሓን ካብ ላቲን ኣመሪካ ዝመጸ ጳጳስ ምሕራዩ ሓንጎፋይ ቢለን እየን ዝተቐበለኦ ደሓር ከም ኵሉ ሰብ ጉድለታተይ ክርእዩ ምስ ጀመሩ ደስ ዘይበሎም ይህልዉ። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሞንጎ ካርዲናላት ብዝተዘርግሑ ብናይ ቅጽል ስም ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ ወይ ሰነዳት መሰረት ኣብ ልዕሊኦም ዝቐርብ ነቀፌታ ከም ዘሎ ኣብ ዝቐርበሎም ሕቶ ክምልከት እንከሎ፥ ዝፍኖ ነቐፌታ ብርግጽ ውሽጣዊ ሰላምካ ክህውኽ ይኽእል እዩ፡ ምኽንያቱ ኵላትና ናይ ኣእምሮ ሰላም ስለ እንደሊ፡ ስለዚህ እንተዘይትንቀፍ ዝሓሸ ምኾነ። ነቀፌታታት ግን “ዘቖጥዕን ቁሩብ ዘሕርቕ” እውን እንተኾነ፥ ነቐፌታ “ኣካል ናይ ምዝራብን ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት እዩ፡” ነቐፌታ ይዕብየካ እዩ። ኣብ ፊትካ ክብሉኻ እቲ ዝበለጸን ዝመርጾን እውን እዩ። እቲ ዝኸፍኤ ነቐፌታ እቲ ታሕቲ ታሕቲ ዝቐርብ ኣብ ፊትካ ዝይትበሃሎ እዩ።” . . . መጺኦም ፊት ንፊት ዝተዘራረቡኒ ኣለዉ ሓሳቦም ይገልጹ ሓሳበይ ድማ አቕርብ . . . እንተዘይኮይኑ ከምቲ ኣነ ዝብሎ ናይ ርሕቐት ምልካዊ ስርዓት እዩ ዝፈጥር። ልክዕ ከም ሓደ ሃጸይ ኣብ ዘለሉ ማንም ክነቕፎ ዘይከኣል፡ ከምዚ ክኸውን የብሉን “ስለ ዘዕብየናን ነገራት ጽቡቕ ንኽኸዱ ድማ ስለ ዝሕግዝ ነቐፌታ ኣድላዪ እዩ።”

ሓጢኣትን ገበንን ምፍላይ

ስዒቡ ብዛዕባ ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ “ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ገበን ኣይኮነን . . . ኣካል ናይቲ ኵነትታት ደቂ ሰብ እዩ። . . . ኵላትና ደቂ እግዚኣብሔር ኢና፡ እግዚኣብሔር ድማ ከምቲ ዘለናዮን ምስቲ ነፍሲ ወከፍና ምእንቲ ክብርና እንቃለሰሉ ሓይልን እዩ ዝደልየና፣” . . . ሓደ ሰብ ‘ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት’ ሓጢኣት እዩ ክብል ይኽእል፡ ግን ከኣ ሓጢኣትን ገበንን ምፍላይ የድሊ። . . . ኣብ ልዕሊ ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ስሕበት ዘለዎም ሰባትን ኣድልዎ ዝገብሩ ጳጳሳት ካብዚ ግብረ ኣድልዎ እዚ ወጺኦም ዝተፈልየ መገዲ ክመርጹ ጻውዒት አቕርብ። ስሕበት ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎም ሰባት ክግለሉ ዘይኮነስ ክእንገዱ እዩ ዘለዎም . . እዚ እውን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ትርምህርቲ መዝገበ ሃይማኖት ዝብሎ እዩ . . . ። ዝኾነ ሰብ ኣድልዎ ክግበረሉ የብሉን፥ “እቲ ዝኸፍአ ቀታሊ፡ እቲ ዝኸፍአ ሓጢኣተይና እውን እንተኾነ ኣድልዎ ክግብረሉ የብሉን። ነፍሲ ወከፍ ሰብይን ሰበይትን ኣብ ሕይወቱ ተስፋኡ ናብኡ ዘመልሰሉን ክብሪ ኣምላኽ ዝረኣየሉን መስኮት ክህልዎ ይግባእ።”

ብዛዕባ ኣባ ሩፕኒክ፥ ተገሪመን ተጎዲአን እውን!

. . . ብዛዕባ እቲ ብኣባላት ውሉደ ክህነትን ካልኦት ምስ ቤተ ክርስቲያን ዝተኣሳሰሩ ሰባት ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽ ዝምልከትን ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተነግረ ብዛዕባ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ሩፕኒክ ዝምልከት ፈጺሞምዎ ዝበሃል ዘሎ ጾታዊ ዓመጽን ስነ ኣእምሮኣዊ ዓመጽን ግህሰት ሕልናን  . . . በዚ መሰረት ዝተኸሱ ፍሉጥ ስነ ጥበባዊ ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ . . . እቲ ግህሰት ቅድሚ ሰላሳ ዓመት ዝፈጸምዎ ምዃኑ ይንገር . . . “ንዓይ ብሓቂ እዩ  ዘገረመኒ፡ ብዛዕባ እዞም ዓቢይ ስነ ጥበበይና ሰብ ምስ ተነገረኒ ስግንጢርን ቁስልን እዩ ኮይኑኒ።” ኣብ ምጽራይን ምምልካትን እዚ ጉዳይዚ ተራ ከም ዘየብሎም ገሊጾም . . . ነዚ ጉዳይ እዚ ዝከታተል መዋቕር ኣሎ። ስለዚህ ናብ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ከም ዝበጽሔን . . . ብቐዳማይ ገበናት ብዘጻርይ ቤት ፍርዲ ክረአየ ከም ዘገበሩን ድሕሪ እዚ እውን ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እዩ ዝቐርብ . . ስለዚህ እቲ መስርሕ ከምዚ ኢሉ እዩ ዝኸይድ . . . ኣብ ሩሑቕ እዋን ዝተፈጸመ ገበን እውን እተኾነ ኣብ ሎዕሊ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ተኣፋፍያንን ኣብ ዝምለክት ጉዳይ እቲ ገበን ኣብ ርሑቕ ዓመታት ዝተፈጸመ እውን እንተኾነ ክሕከኽ ዘይብሉ ገበን እዩ። . . .

ምስ ቻይና ዝግበር ቀጻሊ ዘተ

. . . ብዛዕባ ቅድስቲ መንበር እተካይዶ ዘተ ምስ ቻይና ዝምልከት . . . ኣብ ጉዳይ ዝምድና ምስ ቻይና ብቐጥታ እንክዛረቡ . . . “ብትዕግስቲ ክንከይድ ኣሎና” . . . ብወገን መንግስቲ ቻይና ሓንሳብ ቁሩብ ዕጽው ምዃን ይርአ . . . ሓንሳብ ድማ ዘይምዕጻው ኵነታት ይረኣ . . . እቲ ዘገድስ ዘተ ዘይምቁራጽ እዩ።”

ብዛዕባ ክህነት ንደቂ ኣንስትዮ . . . ፥ ብዛዕባ ምምርዓው ካህናት ከምኡ እውን ሲኖዳዊ ኪደት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጀርመን ንዝምልከት ሕቶ እንክምልሱ፥ እቲ ሲኖዳዊ መስርሕ “ሃልዮኣዊ” ምስ ዝኸውን ጎዳኢ እዩ። እቲ  ናይ ጀርመን ሲኖዶስ ህዝበ እግዚኣብሔር ዘየሳትፍ በቶም ቁንጮ ብዝኾነ ኣካላት ዝምራሕ ምዃኑ ድማ ኣስተብሂሎም፡ ሃልዮኣዊ ማለት ርእየት ዓለም ናብ መስርሕ ቤተ ክርስቲያን ክኣቱ እንከሎ ንመንፈስ ቅዱስ ዕጽው ይገብር። . . .

ብዛዕባ  ቻይናዊ ብጹዕ ካርዲናል ጆሰፍ ዜን እውን ርእይቶኦም እንክህቡ፥ ንካርዲናል ዜን ኣብ ቀረባ እዋን ዕለት 6 ጥሪ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ከም ዘዘራረብዎም ኣውን ገሊጾም፡ ብጹዕነቶም ኣብ ኣባይቲ ማሕቡስ ሓዋርያዊ ጉስነት የካይዱ ኣለዉ . . . ስለዚ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ቤት ማሕቡስ እዮም ዘገልግሉ። ምስቶም ዴሳውያን ኣባላት ሓይሊ ጸጥታ ይኹን ምስቶም እሱራት ብጻይን ቀረባን ኮይኖም ድማ የገልግሉ ምህላዎም ኣስተብሂሎም፡ ኵሉ ሰብ ብሓጎስ እዩ ዝቕበሎም፡ ርህሩህን ደንጋጽን ‘ተባዕን’ እዮም። “ለውሃት ነፍሲ ዘለዎም” እንክብሉ ይገልጽዎም . . . ።

ብዛዕባ ጥዕናኦምን ጸጋ ተዋዛይነትን

ዕድመኦም ኣብ ግምት ብምእታው  ብዛዕባ ጥዕናኦም ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ ብጥዕናኦም ጽቡቕ ከምዘለዉን (ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ መበል 86 ዓመት ዕድመኦም ኣብዒሎም እዮም) . . . እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገበርዎ ናይ መዓናጡ መጥባሕቲ ሕክምና . . . ካብቲ ዝነበሮም ሕማም ንኽላቐቑ ከም ዝሓገዘን ገሊጾም፡ እንተኾነ ግን ተመሊሱ ከይኸውን ድማ ሕክምና እከታተል ኣለኹ . . . ብተወሳኺ ብስነኪ ምውዳቕ ዘጓነፈ ንእሽቶ ስብራት ብርኪ . . . ብዘይ መጥባሕቲ ከም ዝሓወዩን፡ “ድሮ ብእግረይ እኸይድ ኣሎዅ፡” እቲ ኵሉ ዘጋጥመሞ ዘሎ ጉዳይ ጥዕና ምስ ዕድመ ዝኸይድ ንቡር እዩ። . . . ጽባሕ እውን ካብዚ ዓለም ብሞት ክፍለ እኽእል . . .  ቢሎም ተዋዛይ ምዃኖም ምዘስመረ ሕቶ እውን እንክምልሱ . . . እግዚኣብሔር ስምዒት ምውዛይ ክህበኒ ጥዕና ክህበኒ እልምኖ ቢሎም . . . ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

26 January 2023, 15:58