ሓደ ር.ሊ.ጳ. ቅድሚኦም ናይ ዝነበሩ ር.ሊ.ጳ. ስነ ስርዓት ቀብሪ ክፍጽሙ ንፈለማ ግዜ ኣብ 1802
ሓደ ር.ሊ.ጳ. ናይቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ር.ሊ.ጳ. ስነ ስርዓት ቀብሪ ክሰረዑ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ኣብ 1802 ዓ.ም. ንፈለማ ግዜ ምዃኑ ክዝከር እንከሎ፡ ኣብ እዋናዊ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን እቲ ዕለት 5 ጥሪ 2023 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝፈጸምዎ ስነ ስርዓት ቀብሪ በነዲክቶስ መበል 16 ንኻልኣይ ግዜ ይኸውን።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ ሻብዓይ ኣብ 1802 ዓ.ም. ናይቶም ቅድመኦም ዝነበሩ ፒዮስ ሻድሻይ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ከም ዝፈጸሙን እዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝፈጸምዎ ናይቶ ብፍቓዶም ጴጥሮሳዊ ሓዋርያዊ ስልጣን ንኽመርሑ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ሓይሊ ይጎድለኒ እንክብሉ ናይ ዝለቐቑ ዕለት 31 ታሕሳስ 2022 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ናይ ዝተፈልዩ በነዲክቶስ መበል 16 ስነ ስርዓት ቀብሪ ክመርሑ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ንኻልኣይ ግዜ ምዃኑ ይንገር።
ሓደ ኣብ ስልጣን ዘሎ ር.ሊ.ጳ. ናይቶም ቅድመኦም ዝነበሩ ር.ሊ.ጳ. ሬሳ ክባርኹ እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ክልተ ሺሕ ዓመት ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ንኻልኣይ ግዜ ዝድገም ዘሎ እዩ። ለካቲት 1802 ዓ.ም. ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ፈረንሳ ናይ ዝዓረፉ ናይ ናፖሊዮን እሱር ናይ ዝነበሩ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ ሻድሻይ ስነ ስርዓት ቀብሪ በቶም ኣብ ቨነዚያ ዝተኣከበ ማሕበር ካርዲናላት ብዝተመርጹ ተኸታሊኦም ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ ሻብዓይ ከም እተፈጸመ ናይ ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ ክሕበር እንከሎ፡ እቲ ፍልዩ ዘብሎ ግና እቶም ቀዳማይ ኣብ ስደት እሱር ናፖሊዮን ኮይኖም ምስ ዓረፉ ሬሳኦም ናብ ኢጣሊያ ንኽመጽእ ኣብ ዝወሰዶ ነዊሕ ጉዕዞ ተኸታሊኦም ምምራጽ ግድን ምንባሩ እዩ። በነዲክቶስ መበል 16 ግና ብፍቓዶም ህልው ኩነታት ዓለም ኣብ ግምት ብምእታው ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ እዋን እዚ ክመርሕ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ሓይሊ የብለይን እንክብሉ ካብ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ስልጣኖም ዝለቐቑ እዮም።
ዕለት 14 መጋቢት 1800 ዓ.ም. ዝተመርጹ ፒዮስ ሻብዓይ ናይቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ድሕሪ ዕረፍቶም ካብ ስደት ፈረንሳ ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞ ናብ ሮማ ናይ ዝተመልሱ ፒዮስ ሻድሻይ ሬሳ ከም ዝባረኹን ዕለት 17 ለካቲት 1802 ዓ.ም. ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካ ስነ ስርዓት ቀብሮም ከም ዝመርሑን ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይቶም ቅድሚኦም ናይ ዝነበሩ በነዲክቶስ መበል 16 ዝፈጸምዎ ስነ ስርዓት ቀብሪ ንካልኣይ ግዜ ዝድገም ዘሎ ታሪኽ ምዃኑ ይንገር።