ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ እምነት ብሓባር ንመላለስ፡ ተኣፋፍነት ናይ ለውሃት ዓቕሚ ክህልወና ይገብር

መንፈሳዊ ስንዮታ - ሓደ ካብቲ ፍቓድ ኣምላኽ ንኸነለልይ ዘኽእሉ ባእታታት እዩ፡ ስለዚ ርእሰ ፍልጠት ምዕማቕ ኣገዳሲ ብምዃኑ መንፍሳዊ ስንዮታ የድልየና። . . .

ዕለት 4 ጥሪ 2023 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ቅድሚ ምቕራቦም ንነፍሰ ሄር በነዲክቶስ መበል 16: “ወትሩ ንኻልኦት ምስ ጐይታ ንኽራኸቡ ዝጸዓሩ ‘ዓቢ መምህር’ ትምህርተ ክርስቶስ” እንክብሉ ዘኪሮም፡ ኣብ ምስትውዓል - መመያ ኣማእኪሎም ዘቕርብዎ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ  በቲ ናይ ሎሚ ኣስተምህሮ ይዛዝሙ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቶም ዕለት 31 ታሕሳስ 2022 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ንዝተፈልዩ ነፍሰ ሄር ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ከም ዝዘከሩን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ንነፍሰ ሄር ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ክብሮም ንምግላጽ ናብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ይውሕዙ ከም ዘለዉን ልዕሊ 135 ሺሕ ምእመናን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ተረኺቦም ንነፍሰ ሄር በነዲክቶስ መበል 16 ክብሮም ከም ዝገለጹ፥

ምስቶም ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንበነዲክቶስ መበል 16 ክብሮም ምስ ዝገልጹ ዘለዉ መንፈሳውያን ነጋዶ ንሓብር። እቲ ጽዑቕን ልኡምን ኣተሓሳስባኦም ንርእሶም ዝምልከት ዘይኮነስ ቤተ ክርስቲያናዊ እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ኩሉ ግዜ ኣብቲ ምስ ኢየሱስ ዘሎና ርክብ ከሰንየና ስለ ዝደሊ፡ ኣብ ዝተሰቕለን ዝተንስኤን ህያውን ጐይታና ናይ ምእማን ሓጐስን ናይ ምንባር ተስፋን ዳግማይ ንኽንረኽቦ ይሕግዙና!

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

መንፈሳዊ ምስናይ

ቅዱስነቶም ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ መመያ፥ “ኣብ ሕይወትና ፍቓድ ጐይታ ከነለልይ ዝሕግዘና እዩ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣምሪሖም፥ ነቲ ኣብ መመያ ዝብል ኣርእስቲ ዘበገስዎ ትምህርተ ክርስቶስ በቲ ሎሚ ዝቕረብዎ ኣስተምህሮ ይዛዝሙ።

መንፈሳዊ ስንዮታ - ሓደ ካብቲ ፍቓድ ኣምላኽ ንኸነለልይ ዘኽእሉ ባእታታት እዩ፡ ስለዚ ርእሰ ፍልጠት ምዕማቕ ኣገዳሲ ብምዃኑ መንፍሳዊ ስንዮታ የድልየና። . . . ኣባና ዘሎ ጸጋ እግዚኣብሔር ኩሉ ግዜ ኣብ ባህሪና ከም ዝሰርሕ ገሊጾም፡ ስለዚ ንኸይንፍረድ ፈሪሕና ነቲ ኣዚዩ ተኣፋፍን ተሃዋሲ መዳያት መንነትና ኣብ ምክፋል ክንፈርሕ የብልናን። . . . ገለ መገዲ ናይ ገዛእ ርእስና ተኣፋፍነት ኣብ ክውንነት ‘ሓቀይና ሃብትና’ ኪኸውን ይእኽል እዩ። ምኽንያት ንኣምላኽ ምስ እነቕርቦ ንለውሃትን ምሕረትን ፍቕርን ዓቕሚ ክህልወና ይገብር።

ጸጋ ኣምላኽ ወትሩ ዝዓዪ እዩ

ኣብ ልብና ዘሎ ምንቅስቓስ መንፈስ ምስ ካልእ ሰብ እንካፈልን በዚ ኸኣ ንናይ ገዛእ ርእስና ድኻም ንገጥም፡ ናብቲ ድኻምነትና ናቱ ገይሪ ሰብኣውነትና ዝበጀወ ጎይታ ክንቀርብ ይሕግዘና። መመያ ብዙሕ ግዜ ሓቀይና ኣንፈት ህይወትና ከነለልይን እቲ ኣብ ልብና ብጽሞና ዝዓዪ ጸጋ እግዚኣብሔር ብዝያዳ ከነለልይ የኽእለና። ኣብ ወንጌል፡ ኢየሱስ ምስቶም ልቦም ዝኸፍትሉን ምሕረቱን ይቕረታኡን ከስተማቕሩን ምስ ዝደልዩ ሰባት ይራኸብ ምንባሩ ነንብብ። . . .

እዚ መንፈሳዊ መስርሕ እዚ ብዛዕባ ገዛእ ርእስናን ነገራትናን እንርእየሉ እተፈላለይ መገድታት “ወትሩ ኣብ ልዕሌና ዝነበረ ምልክታ ሰናይ” ከምኡ እውን ኣብቲ እንዕዘቦ ኣሉታዊ መዳያት ናይ ምትኳር ዝንባለ ንኽንሰግሮ ክሕግዘና ከም ዝኽእል ብሰፊሕ ከም ዘብርሁ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

. . . ኣባላት ኣካል ክርስቶስን ተኻፈልቲ ህይወት መንፈስን” ስለ ዝኾንና መንፍሳዊ ስንዮታ “ናብ ፍጽምና ዝወስድ ጉዕዞ”እ ውን ከንጸባርቕ ከም ዝኽእል ገሊጾም፥ ስለዚ ኣካል ናይ ሓደ ተጓዓዛይ ማሕበረሰብ ምዃንና ብብሕታዊ ክንከዶ የብልናን . . . ስለዚ ስነ ጥበብ ምስትውዓል “ነታ ናብ ኢየሱስ ክርስቶስ እትመርሓና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ክንጥምት የኽእለና፡ ንሳ ድማ ከይንፈርሕ እንታይ ደኣ ኣብኡን ኣብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ቃሉን ክንውከል ትላበወና” እንብክብሉ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

04 Jan 2023, 15:28