ር.ሊ.ጳ.፥ ሃዋርያዊ ቅንኣት ንክርስቲያን ህይወት እስትንፋስ እዩ!
ዕለት 11 ጥሪ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ሓዋርያዊ ቅንኣት” ብዝብል ኣርእስቲ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዝለገሱን፥ ናይ ክርስቶስ ቤተ ክርስቲያን ናብ ነፍሲ ወከፍ ምድርን ህዝብን ብርሃነ ክርስቶስ ከተብርህ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተላእከት ምስ ሓዋርያዊ ቅንኣት ዝተወልደት ምዃና የዘኻኽሩ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ “ሓዋርያዊ ቅንኣት ንክርስትያናዊ ሕይወት እስትንፋስ” ከምኡ እውን ማዕቅን መንፈሳዊ ጥዕና ቤተ ክርስልቲያን ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም “ሓዋርያዊ ቅንኣት” ብዝብል ኣርእስቲ ዘቕርብዎ ሓድሽ ተኸታታሊ ኣስምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዕለት 11 ጥሪ ብዝለገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣበጊሶም ናይ ሓዋርያዊ ቅንኣት መሰረታዊ ማዕቅን ልኡክነት ወይ ተልእኾ ምዃኑ እንከብርሁ፡ ሓዋርያ ማቴዎስ እቲ ዝፈለጦን ዝተቐበሎን ኢየሱስ ነዕሩኽቱ ከም ዘላለዮ ገሊጾም ምስ እዚ ኣተሓሒዞም እውን በነዲክቶስ መበል 16 ዘኪሮም፡ መንፈሳዊ ቅንኣት “ንኽርስቶስ ንኻልኦት እተቕርቦ ብግብረ መስድዒ ዘይኮነስ ብምምራኽ እዩ፥ ስለዚህ ካልኦት ኣብነትካ ርእዮም ክማረኹ ኣለዎም” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ውዕዉዕ ስምዒት ንስብከተ ወንጌል
ሓዋርያዊ ቅንኣት ዛዕባ ውዕዉዕ ስምዒት ስብከተ ወንጌል እዩ። እዚ ኸኣ ንቤተ ክርስቲያን ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። “ማሕበረሰብ ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ብሓቂ ሓዋርያውን ልኡካንን ኮይኖም እዩም ዝውለዱ” ንኢየሱስ ምስዓብ ዘሕድረልካ ልኡክነት እዩ። ናብ ክትብል ዝድርኸካን ዝቐርጸካን ድማ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ብርሃን ኣምላኽ ኣብ ኣጽናፋት ምድሪ ምእንቲ ከተብጽሕ ኣብ ነፍሲ ወከፍና “ተላባዒ ምስክርነት” ኢየሱስ የነቓቕሕ።
የዕንቲ ኣብ ኣድማስ ከተኩራ
ሓድሓደ ግዜ ብስራተ ወንጌል ንምክፋል ዝድርኽ ሓዋርያዊ ቅንኣት ክጐድል ከም ዝኽእል ገሊጾም፡ ነቲ “ኣድማስ ኣዋጅ” ምስ እነጥፍእ ድማ ክርስይቲያናዊ ህይወትና ይሳቐ። ኣብ ገዛእ ርእሱ ተዓጽዩ ይነቅጽ። ልኡክነት ህያው ምግባር ንክርስቲያናዊ ህይወትና እስትንፋስ ይህብ፡ የሐይልን ክርስቲያናዊ ህይወትና የጽርዮን።
ምስክርነት ማቴዎስ
ቅዱሳት መጻሕፍትን ህያው ትውፊት ቤተ ክርስቲያንን ብምርኣይ “ፍቕሪ ወንጌል ዳግማይ ክንረክብ ይግባእ፣” ኢየሱስ ንማቴዎስ ብዓይኒ ምሕረት ጠሚቱ ከም ዝጸወዖን ማቴዎስ ነቲ ኣብቲ እዋን ንምድረ ፍልስጥኤም ዝወረረ ሃጸይነት ሮማ ዝኽፈል ዝነበረ ግብሪ ኣካባይ እዩ ነይሩ። . . . ከም ተሓባባሪ ሓጸይ ሮማ ወይ ከዳዕ ህዝቡ ተገይሩ ምተቖጽረ እውን ነይሩ እንተኾነ ግና ኢየሱስ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ብእግዚኣብሔር ፍቑር ምዃኑ የረጋግጸልና፥
ኢየሱስ ነዚ ንዑቕ ኣካቢ ቀረጽ ከም “ዝረኣዮ” ወንጌል ይነግረና፡ ንማቴዎስ ብዓይኒ ምሕረት ጠሚቱ ወደ መዝሙር ክኸውን ይጽውዖ። ድሕሪኡ ማቴዎስ ተንሲኡ ሰዓቦ። ዝተለወጠ ሰብ ኮነ። ነቲ መኽሰብ ዝረኽበሉ ዝነበረ ብጸቕጢ ግብሪ ካብ ምእካብ ተግባር ተላቒቝ ንኸገልግል ሓዋርያዊ ህይወት ይሓቑፍ።
ጸዋዕታ - ተግባር
ምጥማት ኢየሱስ ንማቴዎስ ካብቲ ዝነበሮ ግብሪ መአከቢ ስፍራ ተንሲኡ ክስዕቦ ይመርሖ። ማቴዎስ ነዚ ጸዋዕታ እዚ ካብቲ ዝነበረሉ ተንሲኡ ብእወታውን ውዕዉዕ ስምዒትን ምላሽ ይህበሉ . . . እዚ ድማ ንኢየሱስ ማለት ነቲ ዝጽወዕን ዝፍለጦን ዝተቐበሎን ንኻልኦት የቕርቦን ይምስክሮን፡ ምስ ካልኦት የላልዮን።
ማቴዎስ ንኢየሱስ ምእንቲ ክንምስክር ፍጹማን ክሳብ ንኸውን ክንጽበይ ከም ዘይብልና የርእየና፡ ንኢየሱስ ኣብቲ ዘለናሉን እንርከበሉን ከነቕርቦን ከነላልዮን ይግባእ። . . . ልዕሊ ኵሉ “መዓልታዊ ንጽባቔ ናይቲ ዝጠመተናን ልዕል ዘበለናን ፍቕሪ ብምምስካር” ወንጌል ምክፋል።
ከምቲ በነዲክቶስ 16 ዝመሃሩና፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምስዳዕ ሃይማኖት ኣይትዋፈርን እያ፡ የገዳስ ብምምራኽ እያ እትዓብይ፥ ማለት ንኣኣ ርኢኻ ምምራኽ የድሊ። . . . እቲ ዝማርኽን ሕጉስን ምስክርነት ናይቲ ብፍቕሪ ኢየሱስ ናይ ምጥማትን ምጽዋዕን ሸቶ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልብና ዘለዓዕሎ ግብረ ተልኾ ክስምዓና ዝገብር እዩ . . .
እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።