ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ቅዳሴ ስነ ስርዓት ቀብሪ በነዲክቶስ መበል 16 ‘ሓጐስኩም ምሉእ ይዅን!’
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 5 ጥሪ 2023 ዓ.ም. ናይቶም ቅድመኦም ዝነበሩ ዕለት 31 ታሕሳስ 2022 ዓ.ም. ናይ ዝዓረፉ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ዘፈላለያ ሃገራት መግንስታት ዓበይቲ ኣካላትን ልኡካነ መግንስታት ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕትን ካብ ብዙሓት ሃገራት ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ቅዳሴ ስነ ስርዓት ቀብሪ ከም ዝሰርዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ኦ ኣቦይ! ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ አማዕቍባ ኣሎዅ (ሉቃ. 23,46)”
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ዝተነበ ቃለ ወንጌል ኣሞርኩይዞም፥ “ኢየሱስ ብዘየቋርጽ ምሉእ ምትእምማን ንነፍሱ ኣብ ኢድ ኣቦ የማዕቍባ” ቢሎም፥ ናይ እግዚኣብሔር ኣእዳው “ይቕሬታን ርህራሄን ፈውስን ምሕረትን ቅብኣን በረኸትን” እያተን፡ ንኻልኦት ኣብ ምፍቃርን ምግልጋልን ናይ ምወዳእታ መስዋዕቲ ሕይወት ብምቕራብ ገዛእ ርእሱ ኣብ ኢድ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣሕሊፉ ሃበ” እንክብሉ ከም ዘዘኻኸሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ምስጋና ዝመልኦ ተወፋይነት
ጐይታ ንነፍስና ኣብ ኢድ ኣቦ ንኸነማዕቍባ ዘቕረበልና ዕድመ ንነፍሲ ወከፍ ጓሳ “ብኣመስጋኒ ውፉይነት ኣብ ኣገልግሎት ንጐይታን ህዝብን” ምእንቲ ክጣመር ዘነቓቕሕን ዝቐርጽን ናይ ሕይወት መደብ ምዃኑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ገሊጾም፡ “ምሉእ ብምሉእ ጸጋ ዝመልኦ ህያብ ካብ ምምስጋን ዝተወልደ ኣገልግሎት እዩ።” እዚ ድማ ነቲ ዓቢ “ቅርበት ኣምላኽ” ዘርኢ እዩ። ንሱ ንርእሱ ኣብ “ድኹማት ኣእዳው ደቀ መዛሙርቱ” ኣሕሊፉ ይህብ። እዚ ድማ “ንህዝቡ ብፍቕራዊ ኣገልግሎትን መስዋዕትን ክኸናኸኑ የኽእሎም” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ጸሎት ዝተመልኦ ውፉይነት
ር.ሊ.ጳ. ንባህርያት ናይ ሓደ ንጐይታ ክስዕብ ዝጽዕር ጓሳ ክገልጹ እንከለዉ፥ “ጸሎት ዝመልኦ ውፉይነት” ዝብል ሓደ ምዃኑ ሓቢሮም፥ እዚ ጸሎት ዝመልኦ ውፉይነት ድማ “ኣብ ማእከል እቲ ነፍሲ ወከፍ ጓሳ ክገጥሞ ዘለዎ ብድሆታትን ተቓውሞን ብጽሞና ዝነብሮ እዩ፥
ሓደ ጓሳ ልክዕ ከምቲ መምህር ብፍላይ ኣብቲ ሰናይ ክዕወት ኣብ ዝቃለስን ክብሪ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ሓደጋ ኣብ ዘእትወሉ ኩነት ንህዝቡ ኣብ ምቕባእን ናይ ህዝቡ ጾር ዝስከም እዩ!
ድሕሪኡ ድማ ጐይታ “ንኽርድኦን ንኽቕበሎን ተስፋ ንኽገብር ከምኡ እውን ኣብ ሓደጋ ንኽኣትው ድልው ዝዀነ ናይ ትሕትና መፍነስ” ይህቦ፡ እዚ መንፈስ እዚ ኸኣ ካህን ብድሆታት እንተሃለወ እውን ኣብ ጐይታ ንዘንብሮ ምትእምማን የጽንዕ” ከም ዝበሉን፥
ካብ ጸሎትን ክቡር ኣምልኾን ዝውለድ ትውክልቲ ንኽህልዎ ትጽቢት ዝግበረሉ ከስተውዕል ንልቡን ንውሳነታቱን ከኣ ምስ ናይ ኣምላኽ ግዜ ብዚሰማማዕ መገዲ ከቐርጾ የኽእሎ!
መጸናንዒ
ሓደ ጓሳ ብሕይወቱን ኣገልግሎቱን ጽባቐን ሓጐስን ወንጌል ንምክፋል ኣብ ዝጽዕረሉ እዋን “ብመጸናንዒ መንፈስ ዝድገፍ ወፉይነት ኵሉ ግዜ ኣብ ተልእኾኡ ቀቅድሚኡ እዩ ዝኸይድ።
ናይ ሕይወት ምስክርነት
ንጐይታ ከም ቤተክርስቲያናዊ ወይ ኤቅልስያዊ ማሕበረሰብ ክንስዕቦ ኣብ እንጽዕረሉ ዘለና እዋን ንሕና እውን፥ “ስጉምቱ ክንስዕቦን ንሓውና - በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ኢድ ኣቦና ከነማዕቍቦ ንደሊ . . . እተን መሓርቲ ኣእዳው ጐይታ ምስቲ ንሶም ንምሉእ ህይወቶም ዝመስከርዎም ዘስፍሕዎን ዘይቲ ወንጌል ዝተኾልዐ ብርሃን ዝሓዛ ኣእዳው ድማ ይራኸባ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
መንፈሳዊ ስንዮታ
ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዓቢ ንሓደ ብጻዩ ኣብ ኣገልግሉት ንምድጋፍ መንፈሳዊ ስንዮታኡ ንኸቕርበሉ ከም እተማሕጸኖ ቅዱስነቶም ብምዝኽካር፥ እቲ ጓሳ እውን ኣብቲ ንኽጓስዮ ብሕድሪ ዝተወሃብዎ መእመናን ጸሎትን ሓልዮትን ገዛእ ርእሱ ከማዕቍብ ኣለዎ። ናይ ዝጓስዮ ህዝቦ ጸሎትን ሓልዮትን የድልዮ እዩ።
በነዲክቶስ መበል 16 ንኽንዝክር ኣብዚ ዝተኣከብና ኵላትና ንሓድሕድና ብጸሎትን ብሓልዮትን ክንደጋገፍን ክንዘኻኸርን ከም ዝግብኣና የተሓሳስበና . . . እዚ ኸኣ ልክዕ ከምቲ ንሶም - በነዲክቶስ መበል 16 ከም ጓሳ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብጥበብን ብለውሃትን ተወፋይነትን ንዓና ከም ዝገበርዎ - በዚ መንፈስ እዚ ኵላትና ብሓባር ድማ “ነፍሶም ኣብኻ ነዕቍባ” ክንብል ንፈቱ፥
በነዲክቶስ መበል 16 እሙን ዓርኪ መርዓዊ ሕጂን ንዘለኣለምን ድምጹ ኣናሰማዕኩም ሓጉስኩም ምሉእ ይዅን!
እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።