ር.ሊ.ጳ.፥ እግዚኣብሔር በነዲክቶስ መበል 16 ስለ ዝጸገወና ነመስግኖ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 1 ጥሪ ሓድሽ ዓመት ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስተ ማርያም እመ ኣምላኽ ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለተ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር” “ስለ እቶም ዕለት 31 ታሕሳስ 2022 ዓ.ም. ዝዓረፉ በነዲክቶስ መበል 16 በማላድነት ቅድስቲ መርያም ንጸሊ” እንክብሉ ከም ዝዓደሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሓድሽ ዓመት ዕለት 1 ጥሪ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዕት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተኣከቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ፥ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን እመ ኣምላኽ እተብዕለሉ ዕለት ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ስለ እቶም ዕለት 31 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ቀዳም ዝዓረፉ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 በማላድነት እዛ እመ ኣምላኽ ቢልና እነኽብራ ኣደ ንጸልይ፥”
ኵላትና ብሓደ ልብን መንፈስን እግዚኣብሔር ስለ እቶም ዝሃበና እሙን ኣገልጋሊ ወንጌልን ቤተ ክርስቲያንን ነመስግኖ!
ካብ ማርያም ንመሃር
ኣብዛ ዕለት እዚኣ ኩላትና ናብታ እነብዕላ እኖ ኣምላኽ ክንጥምትን ከነስተንን ካብ ተመክሮኣ ከመይ ጌርና ክንመሃር ከም እንኽእል ኣብ ሓድሽ ዓመት ኣብ ገዛእ ርእስና ህይወት ከመይ ጌርና ክንስጉም ከም ዘለና በማላድነታ ክንሓትት ኣተባቢዖም፡ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ማርያም ብዘይ ቃላት ብጽሞና ነቲ ምስጢር ሓጐስ ከም እተቐበለት ነስተብህል፡ እቲ ንማርያም ዝምጥን ቋንቋ “ኣደኣዊ ቋንቋ እዩ፡” ንሳ ንህጻን ክርስቶስ ብለውሃትን ሓልዮትን ብምክንኻን እቲ ሕጻን ኣብ ናይ ኩሉ ኣቃልቦ ማእከል ክኸውን ብምግባር ዕብየታ ብትሕትናን ሱቕታን ኣቢላ ተርኢ።
ኣዴታት ድሕሪ ትሽዓተ ኣዋርሕ ነቲ ህያብ ምስጢራዊ መስተንክር ኣብ ማህጸነን ዝነበረ ምስ ተወልደ ናይ ኣቃልቦኤን ማእከል ገይረን ይምግብኦን ኣብ ሕቑፈን ይሕዝኦን ብለውሃት የደቅስኦን ይከናኸንኦን፥ እዚ እቲ ቋንቋ ኣመ ኣምላኽ እዩ፥ ቋንቋ ኣዴታት እውን ንሱ እዩ፥ ቋንቋ ሓልዮትን ምክንኻንን!
ኣብነት ማርያም ሓድሽ ዓመት ሰናይ ክኸውንን ተስፋ ሱር ክሰድድን እንተደሊና ንርእስና ጥራይ ዝብል ዓይነት ምግልጋል ከነወግድ፥ “ቋንቋ ፍቕሪ ማለት ‘ምሕብሓብ’ ክንመሃር ከም ዘሎና የዘኻኽረና። እዚ ኸኣ ንቋንቋታት ንኣይነትን ኢጎንትን ዝቃወም ምዃኑ ቅዱስነቶም ገሊጾም፡
ንሓድሕድና ክንተሓላለይ ተወፋይነት ክንገብር ኣሎና፥ እዚ ማለት ድማ ግዜና ገዛእ ርእስናን ፍጥረትን ጎረቤትናን ከምኡ እውን ንዝተጸገሙ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንከናኸን ርህራሄን ሓልዮትን ክንገብር ይጽውዓና፥
ንቅድስቲ ማርያም ምስ ሕጻን ወዳ ካብ ምጥማት ንኻልኦት ምሕብሓብ ንመሃር ንገዛእ ርእስና ንውሽጣዊ ጥዕናናን መንፈሳዊ ህይወትናን ክንሓልይ ንመሃር!
ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም
ዕለት 1 ጥሪ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ምዃኑ ቅዱስነቶም ብምዝኽኻር፥ “መጻኢ ንምህናጽ ዝተወሃበና ሓላፍነት ንቕሓት “ዳግማይ ምርካብ” ኣድላዪ ምዃኑ ኣስሚሮም፡ ብፍላይ ኣብ ቅድሚ መዓት ኲናት ኣብ ህይወትናን ሕብረተሰብናን ዝረኣዩ ቅልውላው ንምግጣም “መንፈስ ሓላፍነት ርህራሄን” ከምኡ እውን ምትሕግጋዝ የድልየና እንክብሉ ከም ዝገለጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ኣብዚ ብዘይምትእምማንን ዘይምግዳስን ዝተበከለ ዘመን እዚ ርሁርሃትን ዝከናኸኑን ክንከውንን ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ዝያዳ ክእለት ሓልዮት ርህራሄን ምእንቲ ክህልወናን ንኻልኦት ቀረባ መታን ክንከውን ማርያም ቅድስቲ ኣደ ኣምላኽ ትደግፈና፥
ርሑስ ሓድሽ ዓመት
ቢሎም ቅዱሰንቶም ንዅሎም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ መንፈሳውያን ነጋዶ ብፍላይ ንርእሰ ብሔር ኢጣልያ ሰርጆ ማታረላን ህዝቢ ጣሊያንን ጠቒሶም ደጊሞም ርሑስ ሓድሽ ዓመት ተመንዮም፡
ኣብ ዩክረይንን ካልኦት ዞባታትን ዘሎ ኲናት
ኣብ ዩክረይንን ኣብ ዝተፈላለየ ዞባታት ዓለም ሞትን ጥፍኣትን ዝዘርእ ዘሎ ኲናት ደው ንምባል ዝግበር ዘሎ ኩሉ ጻዕርታት ድጋፎም ኣሐዲሶም፥
ኣብቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተኸፍተልና መገዲ ሰላም ዝኾነ ኣምላኽ እምነት ስለ ዘሎና ተስፋ ኣይንቖርጽን ኢና!
እቲ ኣብ ዓለም ዝተራእየ ለበዳ “በይኑን ንባዕሉን ክድሕን ዝክእል ሰብ ከም ዘየለን ብሓባር ኣብ ናይ ሰላምን ልምዓትን መገድታት ክንጓዓዝ ከም እንኽእል” ኣርእዩና እዩ፥
ኣብ መላእ ዓለምን ካብ መላእ ሕዝቢ ዓለምን ኣይፋል ንውግእ ኣይፋል ንዳግመ ዕጥቅን ዝብል ገዓር ይስማዕን ጸጋታት ናብ ልምዓትን ጥዕናን መግብን ትምህርትን ናይ ስራሕ ዕድል ንምፍጣር ንዘብቅዕ መደብ ክውዕል ዝብል ሕቶ ይቐርብ ኣሎ!
ቢሎም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ኵሎም ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ነቶም ኣብ ኢጣሊያ ኣልታሙራ ኣብ ዝተኻየደ ምእንቲ ሰላም ናይ እግሪ ጉዕዞ ንዝተሳተፉ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ንዩክረይን ዝቐርብ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ኩሉ ኣመስጊኖም፡ ኣብዛ ዕለት እዚኣ ኣገዳስነት ሰላም ንዘነቓቕሑን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ኣባላት ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክፋል ዓለም ንሰላም ዘለዎም ተወፋይነት ዝምስገን እዩ ቢሎም ምስጋናኦም ከም ዘቕረቡ ኣፍሊጡ።