ር.ሊ.ጳ.፥ ፍትሒ ኣምላኽ ዘድሕን ምሕረት እዩ!
ዕለት 8 ጥሪ 2023 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቤተ ክርስቲያን በዓለ ጥምቀት ዘእግዚእነ ኣብ እተብዕለሉ ዕለት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ እቲ “ሓቀይና ፍትሒ ኣምላኽ ዘድሕን ምሕረት ምዃኑ ኢየሱስ ንሓጥኣትን መለኮታዊ ፍትሒ ከምጽእ ዝመጸ ምዃኑ ነዚ ብቓልን ተግባርን የረጋግጸልና። ንሕና እውን ከም ደቀ መዛሙርቲ ኢየሲስ መጠን፡ ጾር ነንሓድሕድና ክንካፈልን ክንተሓላለይን ተጸዊዕና ኢና” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኢየሱስ ገዛእ ርእሱ ብዮሓንስ ክጥመቕ ከም ዝፈቐደን ንዮሓንስ ከጠምቖ ሕጂስ ከምኡ ይኹን ከም ዝበሎን እዚ እውን ንዅሉ ጽድቂ ክንፍጽም ምዃኑ የመላኽቶ፥
ፍትሒ ኣምላኽ
ቅዱስነቶም ብዛዕባ ፍትሒ ዘሎና ኣተሓሳስባ መብዛሕትኡ ግዜ ንሓደ እንተበደለ ንምእራም ዝፍጸም ምስ መቕጻዕቲ ዝተኣሳሰረ ጥራይ ምዃኑ ዘመላኽት እዩ፡ ፍትሒ ኣምላኽ ግን ክንየው እዚ ዝኸይድ እዩ፥ ኣብ ምድሓንን ዳግም ምውላድን ዘተኩር እዩ፡ ንዝበደለን ገበነይናን ዘድሕንን ዳግም ክውለድ ዝገብርን እዩ።
ፍትሒ እግዚኣብሔር ካብ ፍቕሪ ካብቲ ልቢ እግዚኣብሔር ዝኾነ መዓሙቕ ርህራሄን ምሕረትን ዝመጽእ እዩ፡ እቲ ብኽፍኣት ተገፊዕና ኣብ ትሕቲ ክበድ ሓጢኣትን ተኣፋፍነትን ምስ እንወድቕ ካብቲ ዝወደቕናሉ ክንትንስእ ዝድርኽ እዩ፡
ንሓጥኣን ምድሓን
ፍትሒ እግዚኣብሔር ይብሉ ቅዱስነቶም፥ “ጻድቃን ዝገብር እዩ፡ ብመቕጻዕቲ ኣቢሉ ዝእርም ዘይኮነስ ካብ ክፍኣት ሓራ ዘውጽእ እዩ። ዝፍውስን ዳግማይ ዘተንስእን እዩ።” በዚ መገዲ እዚ ጐይታ ፍትሒ ኣምላኽ “እቲ ዘድሕን ምሕረትን ንሰብኣዊ ኩነታትና ዝካፈልን ፍቕሪ” እዩ። . . .
በነዲክቶስ መበል 16 ‘ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዋላ እቶም ድሕሪ ደጊም ንሰማይ ክርእይዋ ዘይክእሉ ኣዚዮም ኣብ ዓቢይ ውድቀት ዝርከቡ ምስቲ ዘልዕል ኢድ ኣምላኽ ምእንቲ ክራኸቡ ኣምላኽ ባዕሉ ናብቲ ዝርከብሉ ዓዘቕቲ ይኸይድ፡ ናብቲ እንርከበሉ ኩነት ብምእታው ከድሕነና ደለየ’ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ እዝክር። ካብቲ ዝወደቕናሉ ጸልማት ኣተንሲኡ ብርሃን ክንርኢ ይገብረና!
ሰብኣዊ ፍትሒ
ንሕና እውን ኣብ ስድራ ቤትናን ማሕበረሰብናን ቤተ ክርትያንናን ብተመሳሳሊ መገዲ ፍትሒ ክንፍጽም እተጸዋዕና ምዃንና ቅዱሰንቶም ኣጒሊሖም፡ ብጭካነን ፍርድን ኵነኔን ንሰባት ጽቡቕን ክፋእን ብዝብል ኣገላልጻ ምፍላይ ዘይኮነስ፡ ንሓድሕድና ምእንቲ ክንደጋገፍ ኣብ ምሕረት ከነተኩር ይግብኣና . . .
ከምቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ንግበር፡ ጾር ነንሓድሕድና ንሰከም፡ ንሓድሕድና ንተሓላለይን ንተሓጋገዝን . . . ንኢየሱስ ህይወት ዝሃበት ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣማላድነት ዳግማይ ህይወት ምእንቲ ክንረክብ ንጸልይ።
ቢሎም ቅድም ኣቢሎም ኣብ ቤተ ጸሎት ሲስቲና ን13 ሕጻናት ምስጢረ ጥምቀት ከም ዝሰርዑ ዘኪሮም። ንኹሎም እቶም ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበሉ ሕጻናት እናሓሰቡ ኵሉ ሰብ እታ ዝተጠመቐላ መዓልቲ ክዝክር ኣተባቢዖም፡ መዓልቲ ጥምቀትኵም ልክዕ ከም ዕለተ ልደትኵም ዘክርዋ ሓደራ እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።