ድለ

2022.01.27 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኵሉ ሓቀይና ሓዳር ህያብ እዩ! 2022.01.27 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኵሉ ሓቀይና ሓዳር ህያብ እዩ!  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኵሉ ሓቀይና ሓዳር ህያብ እዩ!

ቅዱስነቶም ከም ዝገለጽዎ፥ ብመሰረት ክርስቲያናዊ ግልጸት፥ ሓዳር ካብ ስነ ስርዓት ወይ ማሕበራዊ ፍጻመ ንላዕሊ ምዃኑ ተራ ወግዓውነት ወይ ረቒቕ ርእየት ዓለም ዘይኮነስ ኣብ ክንዱኡ፡ “ናይ ገዛእ ርእሱ ትኽክለይና ዘይለዋወጥ ክውንነት እዩ።”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመኽፈቲ ዓመት ፍራዳዊ ዕዮ ዛዕባ ምስጢረ ተክሊል ጉዳያት ዝከታተል ናይ ኵርያ  ሮማና ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣባላት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ወንጌል ስድራ ቤት” ምእዋጅ ካብቲ ኣገዳሲ ዕማማት ቤተ ክርስቲያን ምዃን የብርሁ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ዓለምን “ትርጒምን ዋጋን ናይቲ ስድራ ቤት ዝተመስረተትሉ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ናይ ሓባር ጥምረት፡ ዳግማይ ንምርካብ ብርቱዕ ኣድላይነት ከም ዘሎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 27 ጥሪ ንናይ ኵርያ ሮማና ዛዕባ ምስጢረ ተክሊል ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ናይ 2023 ዓ.ም. ዕዮ ብወግዒ ንምብጋስ ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን ኣዘኻኺሮም፥ ቤተ ክርስቲያን ንሓድሽ ቃል ብስራት ንኸተበስር ዝተላእከት ምዃና ገሊጾም፡ እዚ ድማ “ነቲ ንፍቕሪ ሓዳርን ስድራ ቤትን ዝኾነ ዓብይ ምስጢር ምብራህን ምጽናዕን” ዘጠቓልል እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሓዳር ህያብ እዩ

ቅዱስነቶም ከም ዝገለጽዎ፥ ብመሰረት ክርስቲያናዊ ግልጸት፥ ሓዳር ካብ ስነ ስርዓት ወይ ማሕበራዊ ፍጻመ ንላዕሊ ምዃኑ ተራ ወግዓውነት ወይ ረቒቕ ርእየት ዓለም ዘይኮነስ ኣብ ክንዱኡ፡ “ናይ ገዛእ ርእሱ ትኽክለይና ዘይለዋወጥ ክውንነት እዩ።” ነቲ ክውንነት ኣብ ግምት ብምእታው ከምኡ እውን ሓዳር ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ምስ ኩሉ ድሩትነቶምን ውድቀቶምን ዝፍጸም ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ስለዚ ሓዳር ከመይ ገይሩ መሳጥን እሙንን ነባሪን ክኸውን ይኽእል ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም፥ “ኵሉ ሓቀይና ሓዳር ዋላ ውን ብምስጢረ ተክሊል ዝተፈጸመ ይኹን ንመጻምድቲ ካብ ኣምላኽ ዝተዋህበ ህያብ ኣብ ምዃኑ እዩ” እንክብሉ መልሲ ይህብሉ፥

ሓዳር ኵሉ ግዜ ህያብ እዩ! ናይ ሓዳር ተኣማንነት ኣብ መሎኮታዊ ተኣማንነት እዩ ዝምርኮስ። ናይ ሓዳር ፍረ ኣብ መለኮታዊ ፍረ እዩ ዝምርኮስ!

በዚ ምኽንያት እዚ ሓዳር፥ “ናብ ስምዒታዊ ጽፍሒ ወይ ናብ ርእሰ ፍትወት ጥራይ ክወርድ” ኣይክእልን እዩ። ማለት ሓደ ሰብ ሓዳር ክሳብ ኣዚዩ ስምዒታውን ግምታውን ፍቕሪ ክሳብ ዝህሉ ዝጸንሕ ምዝማድ እዩ ዝብል ሓንካስ ሓሳብ ክነጽጎ ኣለዎ። ኣብ ክንድኡስ፥ “ፍቕሪ ሓዳር ካብ ሓዳር ባዕሉ ዘይፍለ እዩ። ኣብኡ ተኣፋፍን ድሩትን ፍቕሪ ደቂ ሰባት፡ ምስ መለኮታዊ ፍቕሪ ዝራኸበሉን ኩሉ ግዜ እሙንን ምሕረት ዝመልኦን እዩ። ንሓድ ሕድና ንፋቐር” ዝብል ትእዛዝ ኢየሱስ ክንፍጽም ንክእል ኢና - ስለዚ እዚ ትእዛዝ እዚ ንሓዳር ዝምልከት እውን እዩ - ምኽንያቱ “ንመጻምድቲ ብጸጋኡ ዝድግፍ ንሱ (ኢየሱስ) ባዕሉ እዩ።”

ሓዳር ‘ጽቡቕ’ እዩ

ቅዱስነቶም ሓዳር ከም ህያብ እግዚኣብሔር ምዃኑ ኣረዲኦምን ሰናይ ምዃኑ እውን ምስ ገለጹ፥ ብሓቂ ድማ “ንዅሉ ሰብ ፍልዩ ክቡር ዋጋ ዘለዎ ሰናይ እዩ። ንመጻምድትን ውሉድን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንካልኦት ኣባይቲ ስድራን ቤተ ክርስትያንን ንብምልእታ ዓለምን እዩ። ኣብ ክርስቲያናዊ ድሕነት ቁጠባ (እቲ ፍጹም ድሕነት ብሰብኣዊ ኵነት ክግለጽ እንከሎን ኣባና ብዘሎ ኣረዳድእን እውን ማለት እዩ) ሓዳር ቅድሚ ኵሉን ልዕሊ ኵሉን ናብ ቅድስና ዝወስድ ልዑል መገዲ፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ዝንበር ቅድስና” እዩ። እዚ ድማ “ኣገዳሲ መዳይ ወንጌል ስድራ ቤት እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ቅልውላው ዝርከብ ሓዳር - ቃል ኪዳን ዝምልከት ሕቶ ምልስ ቢሎም ብምዝካር፥ ቤተ ክርስቲያን ነቶም ጸገማት ዘጋጠሞም መጻምድቲ ብፍቕርን ደገፍን ከተሰንዮም ከም ዘለዋ ኣተሓሳሲቦም፡ እቲ ቤተ ክርስቲያን እትህቦ ምላሽ ነቲ ብዛዕባ ሓዳር ዘሎ “ዘይሕከኽ ህያብ” ዝብል ግንዛበ መሰረት ምሕጋዝ ብዝብል ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክስነ ኣለዎ። ንኣበርክቶ ማሕበራዊ ስነ ፍልጠት ዕሽሽ ከይበለ እዚ “ኣብ ሓዳር ዝበርህ ብርሃን ኣብ ውሽጢ ሓዳር ኣገዳስ ክፍሊ ጉዕዝ ዕርቂ እዩ። መውስቦ ወትሩ ተኣፋፍነት ዘጠቓልል ምዃኑ ፍሉጥ እዩ፡ እንተኾነ ‘ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ’ እቲ ኣብ ሓዳር ዘጋጥም ጸገማት ናብ ምብትታን ክመርሕ የብሉን” እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

28 January 2023, 16:38