ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ‘ማርያም ተስፋ ትህበና’

ቅዱስነቶም፥ “ሎሚ ጐይታ ኣብ መንጐና መጺኡ ቅድስቲ እመ እግዚኣብሔር ድማ ኣብ ቅድሚ የዕንትና ኣንበረቶ፡ እምበኣር ነዛ ዓመት እዚኣ ብሓቂ ሓድሽ ዓመት ክንገብራ ንደሊ እንተድኣ ኮይንና ናብቲ ኩሉ ነገር ሓድሽ ዝገብር ምስጢር ዳግማይ ክንራኸብ ነቲ ዝተውልደ ድንቂ ነገር ንምርኣይ ክንጓዓዝ ይግባእ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 1 ጥሪ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስተ ማርያም እመ ኣምላኽ ኣብ እተብዕለሉ ዕለተ ሰንበት፡ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ ከምቶም ጓሶት “ናይ ምጉዓዝ ኒሕ ናይ ምርኣይ መስተንክር” ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምእመን ህልው ክኸውን ይዕድሙ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኣደነት ማርያም መሰረታዊ ናይ እምነት ውህበት - ዘደንውቕ ሓቂ እውን እዩ - እግዚኣብሔር ኣደ ክህልዎ ፈቐደ፡ በዚ ከኣ ንዘለኣለም ምስ ሰብኣውነትና ተኣሳሰረ፡ ክሳብ ሰብኣውነትና ሰብኣውነቱ ዝገብር ቀረባና ኮነ” ቢሎም፥ ቅዱስነቶም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ እዚ ሓቂ እዚ መብዛሕቲኡ ግዜ ኣብ ልብን ኣእምሮን ቅዱስ ህዝቢ እግዚኣብሔር ከም ዝኣተወን ህዝበ እግዚኣብሔር በማላድነት ማርያም  ብዘቕርቦ ጸሎትን ምህለላን ኣቢሉ ዘረጋግጾ ሓቂ እዩ። ንሳ እውን ንልመናና ትሰምዖ ንወዳ ኣብ ሕቑፋ ሒዛ ትባርኸና፡ ናይቲ እተሰግወ እግዚኣብሔር ለውሃት ፍቕሪ ድማ ተምጽኣልና።”

ብኻልእ ኣገላልጻ ድማ ማርያም ተስፋ ትህበና!

ቤተ ክርስቲያን ሓድሽ ዓመት ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስተ ማርያም እመ ኣምላኽ ብምብዓል ትጅምሮ፡ ማርያም መፍትሕ ተስፋ፡ መዝሙረ ተስፋን ኣደ ኣምላኽ እያ ከም ዝበሉን ኣብታ ዕለት እቲኣ እውን ነቶም ዕለት 31 ታሕሳስ 2022 ዓ.ም. ዝዓረፉ በነዲክቶስ መበል 16 ናብ እግዚኣብሔር ከተሰንዮም “ሓደራ ንብላ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ጸሎት ኣብ እዋን መከራ

ቅዱስነቶም ኩሎም ምእመናን ስለ እቶም ኣብ ጭንቅን መከራን ውግእን ግጭትን ዝሳቐዩ ዘለዉ ክጽልዩ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥

ምእንቲ ኩሎም እቶም ሰላም ዝሰኣኑ ስም ኣታ መስፍን ሰላም ናብ ዓለም ዘእተወት ማርያም ንጸውዕ

ብፍላይ ከኣ እቲ ናብ ኣምላኽ ናብቲ ድኻን ምስ ድኻታትን ክኸውን ዝፈትው ኣምላኽ እንገብሮ ጉዕዞ በቶም ቀዳሞት ንእግዚኣብሔር ዘለለዩ ጓሶት ቤተልሄም ክምራሕ ንፍቀድ እንክብሉ ከም ዝዓደሙ የመላኽት።

እቶም ጓሶት ብታህዋኽ ናብቲ ጐይታ ዘለሉ ስፍራ ከዱ

ናይ ዕለቱ ምንባበ ወንጌል - ሉቃስ ምዕ. 2, 16 – 21 እቶም ጓሶት ዝገበርዎ ክልተ ነገራት የጉልሕ፥ እዚ ኸኣ ‘ከዱን ርኣዩን’ ዝብል እዩ። እቶም ጓሶት ድሕር ከይበሉ ነቲ ዝተወልደ ክርስቶስ ክርእዩ ብታህዋክ ከምዝኸዱ ዘስተብሃሉ ቅዱስነቶም፥ “ንኣምላኽን ሰላሙን ክንቅበል እንተ ኮይንና ነገራት ባዕሎም ክመሓየሹ እናተጸበና ብዕግበት ደው ክንብል ኣይንኽእልን ኢና።” ኣብ ክንድኡስ ምእመናን ብናይ ኣገልግሎት ትሕትናን ትብዓትን ተሰንዮም ንኻልኦት ብሓልዮ ክሕግዙ ዝጓዓዙ ኪኾኑ ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፥

እቶም ጓሶት ነቲ ሕጻን ክርስቶስ ረኣይዎ

እቶም ጓሶት ኣብ ቤተልሔም ምስ በጽሑ ኣብቲ ዝርእይዎ ዝነበረ ሓቂ ኣተኮሩ፡ እቲ እገዳሲ ነገር ረኣዩን - እቲ ኣገዳሲ ነገር ምርኣይ፡ ነቲ ኣብ ሑቕፊ ኣዲኡ ዝነበረ ሕጻን ምርኣይ - ኣብኡ ዕረፍቲ ምግባርን እዩ። ስለዚህ ነታ መጀመርታ ዕለተ ሓድሽ ዓመት “ኣብ ቅድሚ እቲ ኣገዳሲ ዝኾነ ነገር ማለት ንኣምላኽን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንርምኣይ የዕንትና ንምኽፋት ነወፍያ” ቢሎም፥

ንጓሶት ምምሳል

ቅዱስነቶም፥ “ሎሚ ጐይታ ኣብ መንጐና መጺኡ ቅድስቲ እመ እግዚኣብሔር ድማ ኣብ ቅድሚ የዕንትና ኣንበረቶ፡ እምበኣር ነዛ ዓመት እዚኣ ብሓቂ ሓድሽ ዓመት ክንገብራ ንደሊ እንተድኣ ኮይንና ናብቲ ኩሉ ነገር ሓድሽ ዝገብር ምስጢር ዳግማይ ክንራኸብ ነቲ ዝተውልደ ድንቂ ነገር ንምርኣይ ክንጓዓዝ ይግባእ፡ ነቶም ጓሶት ንምሰል” እንክብሉ ዝለግስዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

02 Jan 2023, 15:36