ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ‘መለኮታዊ ውጥን’ ንኢየሱስ ብተግባር ንኽንርእይ ይሕግዘና ር.ሊ.ጳ.፥ ‘መለኮታዊ ውጥን’ ንኢየሱስ ብተግባር ንኽንርእይ ይሕግዘና 

ር.ሊ.ጳ.፥ ‘መለኮታዊ ውጥን’ ንኢየሱስ ብተግባር ንኽንርእይ ይሕግዘና

ታሪኽ ኢየሱስ ምንባብ ካብ ኣካሊት ህይወትና ዘርሕቐና ኣይኮነን . . . ኣብ ታሪኽና ናብ ታሪኹ ምእታው! ነቲ ኣብ ታሪኽና ዝኣትው ታሪኽ ኢየሱስ ምንባብ . . .

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መቕድም ሓዳስ መጽሓፍ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ኣንቶኒዮ ስፓዳሮ፥ ብመሰረት ሕይወት ኢየሱስ ጉዕዞ ናብ ኢየሩሳሌም ወጅሁ ክንረክብ ኣብ እንጽዕረሉ እዋን ታሪኽ እግዚኣብሔር ክንስዕብ ከም ዘሎና ይምዕዱ፥ ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና እቲ ቅዱስ ኣቦና ዝደረስዎ መቕድም ጸሚርና ከምዚ ዝስዕብ ነቕርበልኩም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኣብዚ ህብረ ቅልውላው ኣብ እንገጥመሉ ዓለም ናይ ጸሓፍቲ ገጠምትን ስነ ጥበባውያን ልዑል ብልሓት ሓደሽ ቋንቋን ሓያል ዛንታታትን ምስልታትን መልእኽቲ ወንጌል ንዓለም ብዓውታ ናይ ምቅላሕ ብቕዓት ዘለዎም ክንከውንን ንኢየሱስ ክንርእይ የኽእለና” ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ “መለኮታዊ ውዲት፥ ብግልባጡ ኢየሱስ እዩ” ብዝብል ኣርእስቲ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ኣንቶኒዮ ስፓዳሮ ኣብ ዝደረስዋ መጽሓፍ ኣብ ዝደረስዎ መቕድም ክኸውን እንከሎ፥ ኣብ ዝተፈላለየ ድርሰታትን ምርኢታትን ዛዕባ ህይወት ኢየሱስ እንርእዮ መለኮታዊ ውዲት ንኢየሱስ ኣብ ምድላይ ዝሕግዘናን ዘሰንየናን ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣብሪሆም፡ ንኢየሱስ ብጭቡጥ ክንርእዮ እምበር ስምዕታዊ መቐረት ገይርና ከንቅበሎ ከም ዘይብልና የጠንቅቑ፡ . . . ኣብዚ ዘመንና ንኢየሱስ ከምቲ ብሓቂ ዝኾኖ ምርኣይ የድሊ፥ ምስ ጸብጻባት ወንጌል ብምንጽጻር ነቲ ኣብ ወንጌል ዝንገር ኢየሱስ . . . ብኣና ሰይስናዕን ዘይልወጥን ከም ኣብ ወንጌል ዘሎ ክውንነቱ ኣብዛ ዓለምን ዕለታዊ ህይወትን ምርኻቡ” የድሊ። ታሪኽ ኢየሱስ ምንባብ ካብ ኣካሊት ህይወትና ዘርሕቐና ኣይኮነን . . . ኣብ ታሪኽና ናብ ታሪኹ ምእታው! ነቲ ኣብ ታሪኽና ዝኣትው ታሪኽ ኢየሱስ ምንባብ . . . መልእኽቲ ኢየሱስ ንምእዋጅ ግዜ ዝሓለፎ ቋንቋ ጥራይ ምጥቓም ናብ ልምዲ ከውድቐና ስለ ዝኽእል ካብዚ ንኽንርሕቕ ንኢየሱስ ኣብ ህልው ኩነታትናን ኩነታት ዓለምን ምርኻብ የድሊ። . . . ኣባና ምድናቕን ምግራምን ዘነቓቕሕ ከንቀጥቅጠና እውን እዩ ዝግባእ . . . ብዙሕ ግዜ መልእኽቲ ወንጌል ከተንብቦን ክትእውጆን እትጥቀመሉ ቋንቋ ኣባኻ ምግራምን ምድናቕን ክሳብ ዘየበራበረ ልምድን ምድግጋምን ኮይኑ እዩ ዝቕጽል . . . ካብዚ ንምልቓቕ ድማ ምስ ሓቀይና ወጅሂ ኢየሱስ ምርኻብ የድሊ . . . ኣብ  ታሪኽ እዋናዊ ዓለምን ሰብኣውን ምስ እነለልዮ ምድናቕናን ምግራምናን ካልኦት ይሰምዕዎ ስለዚ ካብቲ ናትካ ምድናቕን ምግራም ናብ ናይ ገዛእ ርእሶም ምድናቕን ምግራምን የብሉ . . . እዚ ምስ ሓቀይና ወጅሂ ኢየሱስ ምርኻብ ማለት እዩ . . . ።

14 Jan 2023, 16:33