ድለ

2022.12.19 Dirigenti e Delegati della Confederazione Generale Italiana del Lavoro 2022.12.19 Dirigenti e Delegati della Confederazione Generale Italiana del Lavoro 

ማሕበራት ሠራሕታኛታት እንተዘተለው ነጻነት ሰራሕተኛታት የለን! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስስ ሰኑይ ዕለት 19 ታሕሣሥ 2022 ዓም ንናይ ሃገረ ጣልያን ሓፈሻዊ ኮንፈደረይሽን ሽቅለት ወከልቲ ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ‘ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ማሕበራት ሠራሕተኛታት ቀንዲ ውራዮም ንናይ ዓለምና ከይዲ ሽቅለት ብቀጻሊ ክሕልው ምዃኑ ተገንዚቦም ከክንዲ ነንሕድሕዱ ዝናቈት መኻን ተቋውሞታት ምፍጣር ምሕዝነት ብምድንፋዕ ነጻነት ሠራሕተኛታት ምውሓስ እዩ’ እንክብሉ ብዘይ ቅርዑይ ውህደትን ተወፋይነትን ማሕበራት ሠራሕተኛታት ነጻነት ሠራሕተኛታት ክኸብርን ክሕሎን ከምዘይከኣል ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!  

ቅዱስነቶም ትማሊ ሶኑይ ነቱይ ብ ኣሕጽሮተ ቃል ቋንቋ ጣልያን ቺጂኢኤል ሓፈሻዊ ኮንፈደረይሽን ሸቃሎ ሃገረ ጣልያን ዝብል ጠቅላሊ ማሕበር ሠራሕተኛት ወከልቲ ተቀቢሎም ከምዘዘራረቡን ድሕሪ ናይ ሰላምታን እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረን ምስጋናን ኣብ መንጎ ማሕበራት ሠራሕተኛታትን ሸቃሎን ዘሎ ርክብ እቲ ሓደ ናይቲ ሓደ መሠረትን ምንጭን ከምዝኾነ ንምግላጽ ‘ብዘይ ሸልሎ ማሕበር ሠራሕተኛታት የለን፣ ብዘይ ማሕበር ሠራሕተኛታት ከኣ ነጻ ሰራሕተኛታት የለዉን” እንክብሉ ብግዲ ክደጋገፉን ክወሃድዱን ከምዘለዎም ሕጽር ብዝበለ መንገዲ ኣብሪሆም።

ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ሎሚ ከም ሎሚ ዘሎ ሓደጋ ሥልጣኔ ብዝብል ስም ዚኣቱ ሥይጣኔ ምዃኑ ምናዳ ኸኣ እቲ ንኣገልግሎት ደቂሰባት ክውዕልን ንሸቃሎ መስተርሆት ክፈጥርን ዝተማህዘ ተክኖሎጂካዊ ምዕባሌ ክንዲ ንቆጻጸሮ እናተቈጻጸረና ይመጽእ ስለዘሎ እቲ ደቂሰባት ከም መሠረታውያን መሰላት ዝወረቅዎም ኣምራት ተጣሒሶም ምናዳ ኸኣ ንመሰል ሠራሕተኛታት ብዝምልከት ፍትሒ ዕዮ ወትሩ ክነውሕስ ከም ቀንዲ ዕላማ ነጻነት ሸቃሎ ሃንቀው ዝበልናዮ ኣብ መንጎ ከይቁጸ ዘፍርህ ምዃኑ እውን ኣዘኻኺሮም፤ ከመይ ይብሉ ቅዱስነቶም፤ ‘ከመይ ንሕብረተሰብ ሕብረተሰብ ዝግበር ወይውን ዘቊውምን ዝሃንጽን ሥራሕ እዩ’ ኢሎም።

ዕዮ ሕብረተሰብ ይሃንጽ!

ቅዱስነቶም ብምቅጻል ክብረት ስራሕ ወይ ዕዮ ኣብ ማሕበረሰብና ክሳብ ክንደይ ኣድላይን መሠረታውን ምዃኑ ንምግልጽ “ስራሕ ወይ ዕዮ ሕብረተሰብ ይሃንጽ” ምስ በሉ፣ ብቀንዱ እቲ ሕብረተሰብ መልክዑ ካባኡ ከም ዝወስድን “ቀዳማይ መልክዕ ዜግነት” ምዃኑን ኣስሚሮምሉ። እዚ ክውን ዝኾነሉ ከኣ በቲ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባትን ቁጠባውን ፖለቲካውን ፕሮጀክትታቶምን ብዘሎ ዝምድናታት እዩ፤ እዚ ከም ቂሔጽልሚ ‘ዲሞክራሲ’ ተኣሊሙን ጸቢቁን ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ህያው እናኾነ ይመጽእ ኢሎም።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣብ ነንሕድሕዱ ዝተጠናነገን ዝደጋገፍን ማእለማ ማሕበራውን ዲሞክራስያውን ሕይወት ደቂሰባት ማሕበራት ሰራሕተኛታት ሰባት ትርጉም ሥራሕ ንክግንዘቡ ኣበርቲዔን ክሠርሓን ከስተምህራን ከምዘድሊ ዝገለጹ ቅዱስነቶም፡ ብቀንዱ ከኣ ኣብ መንጎ ሰራሕተኛታትስ ይኹን ኣብ መንጎ እተን ማሕበራት ሠራሕተኛታት  ሕውነት ክሃንጹ ምስዚ ከኣ ካብ መኽሰብ ንላዕሊ ደቂሰባት ሰባት ብዝበለጸ ኣገደስቲ ምዃኖም ወትሩ ክግንዘብዎ ሓደራ። እዚ ከኣ ሎሚ ኣብ ዓለምና ንመኽሰብ ክበሃል ኣብ ዓውዲ ዕዮ ዘይተኣደነ ምዝንባዓት ከምዝረኤ ንኩሉ ብሩህ እዩ ኢሎም።

ኣብ ዓውዱ ዕዮ ዓለምና ዝረአ ምዝባዕ!

ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ዓውዲ ዕዮ ዓለምና ዝረኤ ምዝናባዓት ኩሉ ኩሉ እኳ ክጠቅስዎ እንተዘይከኣሉ እቲ ኰሓልቲ ተመሲሎም ዓይኒ ዘንቊሩ ሓላፍነት ዘይስምዖምን ንሓላፍነት ዘይበቅዑን ነቲ ክብረት ወዲሰብ ዝኾነ ሥራሕ ከም መጋርሪ ተጠቂሞም ዝተፈላለየ ዓመጻትን ምዝመዛታትን ዘካየዱ ምናዳ ኸኣ ኣብ መስኪንን ድኹምን ተኣፋፍን ድኻን ክፍሊ ሕብረሰብ ከም ጾታዊ ኣድልዎ ዝኣመሰሉ ምዝንባላት፡ ነቶም ናይ ጽባሕ ተስፋ ዝኾኑ መንእሰያት ውሕስነትን ርግጽነትን ስራሕ ምንፋግ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዘይተሓስበ ግዜ ዝተፈላለየ ምኽንያታት እናፈጠርካ “ባህሊ ምቁራጽ ስራሕ”  ወዘተ ኪሓስቡሉ ዘለዎ ጉዳያት ምዃኑ ገሊጾም። ብተወሳኺ ዳርጋ ልሙድ እናኾነ ዝመጽ እን ብብዝሒ ዝረኤን ዘሎ ኣብ ሥራሕ ዘጋጥም ሓደጋን ሞትን ኣመልኪቶም እውን ብዛዕባ ድሕነት ሰራሕተኛታት ዝገደደ ከኣ ዓይኑ ዘፍጠጠ ምዝመዛ ሰራሕተኛታት ስደተኛታትን ኣብዘን ሠልጢና ዝብላ ሃገራት እንክርኤ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ብምግላጽ ከምዙይ ክብሉ ዘለዎም ስክፍታ ገለጹ።

“ሎሚ እውን እንተኾነ ኣብ ቦታታት ስራሕ ሞትን፡ ኣካላዊ ስንክልናን ሰፍ ዘይብል መጉዳእትን ኣዝዩ ብብዝሒ ኣሎ።”

ቅዱስነቶም ናብ ቀንዲ ዕዮ ገዛ ማሕበራት ሠራሕተኛታት ምልስ እዘን ማሕበራት እዚኤብ ብቀዳምነት ነቶም “ድምጺ ዘይብሎም ድምጺ” ክኾና ይጽውዓ ምህላወን ተረዲኦም፣ "ነቶም ድምጺ ዘይብሎም ድምጺ ንምሃብ ድምጺ ክትገብሩ ደሃይኩም ከምዝስማዕ ክትገብሩ ኣለኩም" ብምባል ኣስሚሮምሉ። ነቲ ዚዓበየ ናይ ዘመንና ምዝመዛ ማለት ዝጨነቆም ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዘይተረጋገጸን ዘይእኹልን ባሮት ዝገብርን ውዕላት ክኣትዉ ንዝግደዱሉ ኩነታት ምናዳ ንመንእሰያት ብምሕጋዝ፤ ከምኡ’ውን “ንጡፍ ፖሊሲታት ዕዮ ብምውዳድ ዘተባብዕን ክብሪ ሰባት ዝሕሉን ተበግሶ ኩሉ ዝምስገን እዩ በልዎም። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ እቲ ብዙሓት መንእሰያት ዓበይቲ እውን ከይተረፈ ዝበለጸ ዕድላት ንምድላይ ስርሖም ገዲፎም ናብ ካልእ ናይ ምኻድ ዝንባለኦም ብምግንዛብ እዚ ከም ምልክት “ምፍታሕ” ዘይኮነስ ከም “ንስራሕ ሰብኣዊ ንምግባር” ዝጽውዕ ጻውዒት ክረአ ከምዘለዎ ኣዘኻኺሮም።  ማሕበራት ሠራሕተኛታት ኣብዚ መዳይ እዚ ንጡፋት ክኾና ከምዝኽእላ ብምግላጽ፡ ኣብ ጽፈት ስራሕ ብምትኳርን ሰባት ምስ ክእለቶም ዝያዳ ዝሰማማዕ ኩነታት ንኽረኽቡ ምሕጋዝን ይኽእላ እየን፤ በዚ ከኣ ዋርድያት ወይውን ሓለውትን ተኸታተልትን ዓውዲ ዕዮ ዓለምና ኢኹም ኢሎምዎም።

ሓለውቲትን ዓውዲ ዕዮ ዓለምና!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ቃሎም ኩሎም ኣባላት ማሕበራት ሰራሕተኛታት “ሓለውትን ተኸታተልትን ዓውዲ ዕዮ ዓለምም’ ክኾኑ፣ ምሕዝነት ክሃንጹን ኣብ ቦታ ስራሕ ሰላም ከስፋሕፍሑን ክምዚ ክብሉ ሓደራ ቢሎምዎም።

“ንኹሉ ሰብ፡ ከምኡ’ውን ንመጻኢ ወለዶታት ምልክት ተስፋ ክኸውን ስለዝኻል፣ ዋላ ኣብቲ መብዛሕቱ ግዜ ብግጭት ዝልለ ቦታ ስራሕ እውን ከይተረፈ፡ ንሰላም መሃሩን ኰስኲሱን።”

ስለቲ ንድኻታትን ንስደተኛታትን ድኹማትን ስንኩላንን ሽቅለት ኣልቦን ዝኾኑ ክፍልታት ማሕበረሰብና እዘን ማሕበራት እዚኤን ዝገብሮኦ ኣበርክቶ ከምዘይዘንግ ዑ ንምዝኽኻር ብዝመስል ኣገባብ ቅዱስነቶም ስለዚ ኣበርክቶኦም ዖኣቢ ምስጋና ብምቅራብ ን ኣባላት ማሕበራቶም ጥራይ ዘይኮነ ከኣ ነቶም ኣባላት ነቢሮም ዝገደፉስ ይኹኑ ነቶም ክጽንበሩ ዘይደልዩ ምናዳ ኣብተን ማሕበራት ምትእምማን ዘጥፍኡ እውን ክ ዕድሙ ብሕልፊ ከኣ ንመንእሰይ ባይታ ከጠጥሑን ክሓድጉን ሓላፍነት ከሰክሙን ሓደራ ብማላት ኣብ ሓለዋን ኣማልድነት ቅዱስ ዮሴፍ ብምም ዕቋብ ብሓዋርያዊ ቡራኬ ኣሰናበትዎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
20 Dec 2022, 16:21