ድለ

ር.ሊ.ጳ. ምስ መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ጉባኤ ስድስቱ ካርዲናላት ተራኺቦም ር.ሊ.ጳ. ምስ መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ጉባኤ ስድስቱ ካርዲናላት ተራኺቦም 

ር.ሊ.ጳ. ምስ መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ጉባኤ ስድስቱ ካርዲናላት ተራኺቦም

እቲ ካብ ዕለት 5 – 6 ታሕሳስ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ናይ ር.ሊ.ጳ. ስድስቱ መማክርት ጉባኤ ካርዲናላት ዝቕጽል ዓውደ ኣኼባ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2023 ዓ.ም. ንኽካየድ ቆጸራ ሒዙ ከም እተዛዘመ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 5 – 6 ታሕሳስ 2022 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝተኻየደ ናይ መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ጉባኤ ስድስቱ ካርዲናላት ዓውደ ኣኼባ ከም እተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናብቲ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ሲኖዶስ ብጹዓን ጳጳስት 2023 – 2024 ዓ.ም. ዝመርሕ ቀጻሊ መስርሕ ሲኖዳውነትን ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ውጽኢት ናይቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ምስሪ ከተማ ሻርም ኤል ሸክ ዝተኻየደ ዛዕባ ምክልኻል ከባቢ ኣየር ዝመኸረ መበል 27 ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ኣኼባን ዝብሉ ኣርእስታት ማእከል ዝገበረ ናይ ር.ሊ.ጳ. መማክርት ስድስቱ ካርዲናላ ዓውደ ኣኼባ ካብ ዕለት 5 – 6 ታሕሳስ ኣብ ሃገር ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ከም እተኻየደን ኣብቲ ጉባኤ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም እተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡

ኣብቲ ኣኼባ ኣባላት ናይ ር.ሊ.ጳ. መማክርት ጉባኤ ስድስቱ ካርዲናላት፥ ብጹዕ ካርዲናል ፐትሮ ፓሮሊን፡ ብጹዕ ካርዲናል ጁሰፐ በርተሎ፡ ብጹዕ ካርዲናል ኦስካር ሮድሪገዝ ማራድፍያጋ፡ ብጹዕ ካርዲናል ሰን ፓትሪክ ኦምለይ፡ ብጹዕ ካርዲናል ራይንሃርድ ማርክስ፡ ብጹዕ ካርዲናል ኦስዋልድ ግራሲያስ፡ ብጹዕ ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ በሱን ናይቲ ጉባኤ መማክርት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ማርኮ መሊኒ ከም እተሳተፉ ኣፍሊጡ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን፥ መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስድስቱ ካርዲናላት ዕለት 5 ታሕሳስ ንዝኽሪ ዕለት 27 ሕዳር ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ተወላዲ ጋና ነፍሰ ሄር ብጹዕ ካርዲናል ሪቻርድ ጉይያ ባዎብር  ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉን ኣመላኺቱ፡ እቲ ካብ ዕለት 5 – 6 ታሕሳስ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ናይ ር.ሊ.ጳ. ስድስቱ መማክርት ጉባኤ ካርዲናላት ዝቕጽል ዓውደ ኣኼባ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2023 ዓ.ም. ንኽካየድ ቆጸራ ሒዙ ከም እተዛዘመ ኣፍሊጡ።

08 Dec 2022, 16:13