ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ስንኵላን ከይንጸሉ ዝብል ሓሳብ ጭርሖ ኮይኑ ክተርፍ የብሉን! ር.ሊ.ጳ.፥ ስንኵላን ከይንጸሉ ዝብል ሓሳብ ጭርሖ ኮይኑ ክተርፍ የብሉን! 

ር.ሊ.ጳ.፥ ስንኵላን ከይንጸሉ ዝብል ሓሳብ ጭርሖ ኮይኑ ክተርፍ የብሉን!

ሓቛፍን ቤታውን ዝብላ ክልተ ቓላት መሰረት ገይሮም፥ ነዘን ክልተ ቃላት ዘጠቓልል መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣዘኻኺሮም፥ እዚ ኸኣ ጐይታ ንዅሉ ከም ዝሓቁፍን ከም ዘፍቅርን ከም ዜድሕንን ንዅሉ ድማ ናብ መኣዲ ህይወት ከም ዚዕድም ክነበርስር ኣንከሎና እሙናት ኣገልገልቲ ንኸውን”

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 3 ታሕሳስ ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣካለ ስንኩላን ካብ ኢጣሊያ ዝተዋጽኡ ብዝተፈላለያ ናይ ቤተ ክርስትያንን በርገሳውያን ማሕበራት ግብረ ሰናይ ዝእለዩን ዝሕገዙን ኣካሉ ስንኩላንን ኣባይቲ ስድራኦምን ብሓጐስ ተቐቢሎም፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕብረተሰብ “ናይ ኵሉ ኣባል ሰብኣዊ ክብሪ ክኽበርን ዝንጸል ከይህሉ ብምትብባዕ ትምቢታዊ ተልእኾኣ ከም እትፍጽም አረጋግጽ” ዝብል ሕሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቀዳም ዕለት 3 ታሕሳስብ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጒባኤ ጽርሓ ካብ ኢጣሊያ ዝተዋጽኡ ኣካለ ስንኩላንን ኣባይቲ ስድራኦምን ነቶም ናይ ኣካለ ስንኵላን “ጠለባት ምላሽ ክወሃቦ ዝዓዩ ናይ ቤተ ክርስቲያንን በርገሳውያን ማሕበራት ግብረ ሰናይ፥ “ተቐቢሎም፥ ንናይ ኣካለ ስንኵላን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣባይቲ ስድራኦምን ጠለባት መልሲ ምሃብ ግብኡ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ቀጻሊ ሓላፍነት ቤተ ክርስቲያን

ቅዱስነቶም ነቲ ብናይ ቤተ ክርስቲያን ኮነ ብበርገሳውያን ማሕበራት ግብረ ሰናይ ብቐጻሊ ንኣካለ ስንኵላን ንምድጋፍ ዝግበር ተወፋይነት ኣመስጊኖም፡ እዚ እውን ንኣካለ ስንኩላን ቆላሕታ ኪግበረሎም ዘተባብዕን ናይ ኵሉ ሓላፍነት እውን ምዃኑ ዘመላኽት እዩ ቢሎም፥ ተወፋይነት ማሕበረሰባት ቤተ ክርስቲያን ኢጣሊያ “ንኽብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣፍልጦ ምሃብ ቀጻሊ ሓላፍነት ናይ ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ” ዝምስክር ከም ዝኾነ ኣመላኺቶም፡ “እምላኽ ነቶም ዝራኸቦም ሰባት ልዕሊ ኵሉ ነቶም እተገሉ ርሕራሐን ምሕረትን” ከም ዘርእዮም ገሊጾም፡ “ስለዚ ኸኣ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ነቲ ዘይምግዳስ ናብቲ ጉረቤተይን ቀረባይን ቀይሩ ኣብ ዝፍጽሞ ኣገልግሎት ትንቢታዊ ተልእኾ ይፍጽም” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኣካለ ስንኵላን ኣካል ሕብረተሰብ ምዃኖም ክስምዖም ቀረባኦም ምዃን

ዝንጽል ዘይኮነስ ወትሩ ሓቛፊ ማሕበረሰብ ምሕናጽን ምድጋፍን ኪበሃል እንከሎ፥ ንዅሉ ኣድልዎ ኣወጊድካ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ፍሉጥ ኮይኑ ኪነብርን ናይቲ ዝርከበሉ ሕብረተሰብ ኣካል ምዃኑ ክስምዖ ዝገብር መንፈሳዊ ማሕበረሰብ ንምርግጋጽ፡ ክህሉ ዝክእል ቅድመ ፍርድታት ንምውጋድ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣብ ዝኾነ ይዅን ኩነት ህይወት እውን ይሃሉ ኣካል ናይቲ ዝርከበሉ ማሕበረሰብ ምዃኑ የዘኻኽር” ከም ዘበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ዝተገለ ኣይሃሉ

ሓቛፍን ቤታውን ዝብላ ክልተ ቓላት መሰረት ገይሮም፥ ነዘን ክልተ ቃላት ዘጠቓልል መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣዘኻኺሮም፥ እዚ ኸኣ ጐይታ ንዅሉ ከም ዝሓቁፍን ከም ዘፍቅርን ከም ዜድሕንን ንዅሉ ድማ ናብ መኣዲ ህይወት ከም ዚዕድም ክነበርስር ኣንከሎና እሙናት ኣገልገልቲ ንኸውን” ቢሎም ማሕበረሰብ ክርስቲያን ንስንኵላን ኣብ ዘቕርብዎ ኣገልግሎት ኣተባቢዖም፡ እቲ ዘቕርብዎ ኣገልግሎት ኣብዚ ጽንኵር እዋን እዚ ዝያዳ ሰብኣውን ሕውነታውን ዓለም ንኽህልወና ጭቡጥ ምልክት ሰላምን ተስፋን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

05 December 2022, 16:24