ድለ

2022.07.03 Santa Messa per la Comunità Congolese di Roma 2022.07.03 Santa Messa per la Comunità Congolese di Roma  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ ኣብ ዲ.ሪ. ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ሓውጾተ ኖልዎ ኣብ ምጅማር 2023

ክፍሊ ዜናን ሕትመትን ቫቲካን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ቅ.ር.ሊ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንዝመጽእ ዓመት ካብ 31 ጥሪ ክሳብ 5 ለካቲት 2023 ዓም ብደሓን የጽንሓና ኣብ ክልተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ኢኩመኒካዊ ናይ ሰላም መንፈሳዊ ንግደት ንምፍጻም ክጐዓዙ ምዃኖም ገሊጹ።

ዜና ቫቲካን!

ኣብ ዝሓለፈ ግዝያት ነዊሕ ትጽቢትን ምስንዳውን ዝተገብረሉ ካብ ዕለት 2 ክሳብ ዕለት 7 ሓምለ 2022 ዓም ክግበር ተሓሲቡ ዝነበረ  ሓውጾተ ኖልዎ፣ ማለት ካብ ዕለት 2 ክሳብ ዕለት 5 ኣብ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ከማኡ ከኣ ካብ ዕለት 5 ክሳብ ዕለት 7 ኣብ ደቡብ ሱዳን ከተማ ጁባ ክበጽሑ ተሓሲቡ ዝነበረ ብሕማም ብርኪ ክፍጸም ስለዘተኻእለ ከክንዳኦም ዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፕየትሮ ፓሮሊን ከይዶም ከምዝነበሩ ዝዝከር እዩ።

ሎሚ እውን እንተኾነ ነቲ ናይ ክልቲኤን ሃገራት ሰበሥልጣን መንግሥትን መራሕቲ እምነታትን ብዝገበሩሎም ዕድመ መሠረት ካብ ዕለት 31 ጥሪ ክሳብ ዕለት 3 ለካቲት 2023 ዓም ናብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ቀጺሎም ከኣ ካብ 3 ክሳብ 5 ለካቲት 2023 ዓም ከም ኢኩመኒካዊ ነጋዲ ሰላም ንጁባ ደቡብ ሱዳን ምስ ሊቀ ጳጳሳት ካንተርበሪን ናይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ቤተክርስትያን እስኮትላንድ ኣተሓባባርን ኮይኖም ሓውጾተ ኖልዎ ክገብሩ ምዃኖም ክፍሊ ዜናን ሕትመትን ቅድስት መንበር ኣመልኪቱ።

ሰሉስ ዕለት 31 ጥሪ 2023  ካብ ሮማ ናብ ደሞክራሳዊት ረፓብሊክ ኮንጎ

07.55 ሮማ ካብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ መዓርፎ ነፈርቲ ክነቕሉ

15.00 ኣብ ርእሰ ከተማ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ - ኪንሻሳ ኣብ ዝርከብ “ንድጂሊ” ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ክበጽሑን ወግዓዊ ተቅባልን

16.30 ኣብ ፓለ ደላ ናስዮን ዝብሃል ኣደራሽ ቤተመንግሥቲ ሥርዓት ተቅባል ምብጻሕ ኣደራሽ ፕረሲደንትን

16.45 ምስ ናይታ ሃገር ላዕልዎት ናይ መንግስቲ ኣካላትን ኣብ ኪንሻሳ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት በርገሳውያን ማሕበራትን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕትን ተራኺቦም ቃሎም ክህቡ

ሮቡዕ ዕለት 1 ለካቲት 2023 ኣብ ክንሻሳ

 9.30  ኣብ  መዓርፎ ነፈርቲ ንዶሎ ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጒ

16.30 ኣብ ምብራቃዊ ክፍሊ እታ ሃገር ግዳይ ምስ ዝኾኑ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሓዋርያዊ እንደራሴኦም ርክብ ከካይዱ

ሓሙስ ዕለት 2 ለካቲት 2023

9.30 ኣብ ናይ ስፖርት ሜዳ ሰማዕታት ምስ መንእሰያትን ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምሃራንን ክራኸቡ

16.30 ኣብ ካተድራል “ኖትረ ዳም ዘኮንጎ” ምስ ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ክራኸቡን ቃለ ምዕዳን ክልግሱን

18.30 ኣብቲ ዓዲ ምስ ዝርከቡ ኣባላት ማሕበሮም ኢየሱሳውያን ግላዊ ኣብ ቤት ሓዋርያዊ ወኪሎም

ዓርቢ ዕለት 3 ለካቲት 2023 ዓም ኪንሻሳ - ጁባ

08.30 ኣብ ቸንኮ ምስ ጳጳሳት ርክብ

10.10 መፋነዊ ሥርዓት ኣብ ንጂሊ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ኪንሻሳ

10.40 ንቅሎ ናብ ደቡብ ሱዳን

ቅዱስነቶም ኣብዚ ንደቡብ ሱዳን ዝገብርዎ ሓዋርያዊ መገሻ እዚ ብናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ናይ ካንተርበሪ ሊቀ ጳጳሳትን ናይ ስኮዚያ ፕረስብተራዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ሽማግለ ኣወሃሃድን ተሰንዮም እዮም ዘካይድዎ ዘለው።

15.00 ምብጻሕ ኣብ ዓለምሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ጁባ

15.45 ምብጻሕ ኣብ ቤተ መግስቲ

16.15 ምስ ርእሰ ብሔር ሳልቫ ኪርን ማያርዲ ኣስዒቦም ምስ ምኽትል ርእሰ ብሔር ምርኻብ

17.00 ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ምስ ናይ መንግስቲ ላዕለዎት ኣካላትን ኣብ ደቡብ ሱዳን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን በርገሳውያን ማሕበራትን ላዕለዎት ኣካልት ምርኻብ

ዕለት 4 ለካቲት 2023 ዓም

09.00 ምስ ኣቡናትን ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ተመሃሮ ዘርአ ክህነት ኣብ ካተድራል ቅድስት ተረዛ ምርኻብ

11.00 ኣብ ደቡብ ሱዳን ምስ ዘገልግሉ ኣባላት ኢየሱሳውያን ጁባ ኣብ ዝርከብ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሕንጻ ናይ ግሊ ርክብ

16.30 ኣብ ፍሪደም ሆል ምስ ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር ምርኻብ

18.00 ኣብ መካነ መቃብር ጆን ጋራንግ ኢኩመኒካዊ ጸሎት ምፍጻም

ሰንበት ዕለት 5 ለካቲት 2023 ጁባ - ሮማ

08.45  መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ መካነ መቃብር ጆን ጋራንግ

11.00  ኣብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ጁባ ንኽብሮም ዝግበር ናይ ስንብታ ስነ ስርዓት

11.30 ንቅሎ ሮማ

17.30 ሮማ ፊውሚቺኖ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ክኣትዉ ትጽቢት ይግበር።

ብድምጺ ንምክትታል!
02 December 2022, 13:27