ር.ሊ.ጳ.፥ ንተመሃሮ ዘርኣ ክህነት፥ ናይ ጸሎትን ምስጋናን ሕይወት ንበሩ!
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 10 ታህሳስ ንኣባላት ማሕበረሰብ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ሰበኻ ባርቸሎና ተቐቢሎም፥ ናይ ሓደ ካህን ህይወት ጸሎትን ኣብ ቅዱስ ቁርባንን ቅዱሳት ምስጢራትን ቃል ቅዱስ መጽሓፍን ኣቢሉ ህላዌ ክርስቶስ ኣብ ህይወት ሰብ ዘነቓቕሕ እዩ ዝብል ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ንናይ ሰበኻ ባርቸሎና ኣባላት ማሕበረሰብ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት፥ ብብሕታዊ ምስክርነትን ኣገልግሎትን ኣቢሎም ፍቕሪ ኣምላኽ ናብ ዓለም ከብጽሑ ኣተባቢዖም፡ ካህን ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ናይ ጸሎት ህይወት
ኣብ ክህነት ህይወት ክልተ ፈተና ከጋጥሙ ከም ዝኽእሉን፡ እቲ ቀዳማይ ኣብ ኣሉታዊ ኩነታት ወይ ተመክሮታት ጥራይ ናይ ምትኳር ዝንባለ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ንሰባት ክርድኦ ዘይኽእሉ ዘይክውንነታዊ ዝኾነ ሓሳብ ዓለም ንምቕራብ ምፍታን እዩ። ብቐዳምነት ግዴታ ሓደ ካህን፥ እግዚኣብሔር ንካህን ናብ ኣገልግሎቱ ብምጽዋዕ ዘርእዮ ፍቕርን ኣቃልቦን ካብ ምስጋና ዝፍልፍል ናይ ጸሎት ህይወት ምንባር ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ እዚ ኸኣ ኩሉ ነገር ዝምንጭወሉ ናይ ሓጎስ ምስጢር ምዃኑ ሓቢሮም፡ ካህን “ብብሩርን ወርቅን” ገዛኢ ነፍሳት ዘይኮነስ . . . ሃብቱ “ናይ ኢየሱስ ክብር ስም እዩ” ትርጉሙ ድማ ኢየሱስ ኣብ ልቢ ደቂ ተባዕተዮን ደቂ ኣንስትዮን ክውለድ መታን ኣብ ቅዱስ ቁርባንን ቅዱሳት ምስጢራትን ቃልን ህልው ምግባር እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ኣብ ጉዕዞ ህይወት መሰነይታ
ጐይታ ኣብ ጌተሰማኒ ዝገበሮ “ናይ ልቢ መስዋዕትን” ናይ ገዛእ ርእስና ፍቓድ ምሕዳግን እዩ። እዚ ንሱ ባዕሉ ዝመሃረና እውን እዩ። ናብ መስቀል ብምጥማት “ኣዒንትና ናብ ሰማይ ኣቕኒዕና ዕጫና ንርኢ፡ እዚ ኸኣ ነቶም እነሰንዮም ኣብ ጉዕዞኦም ብምስናይ ኣብቲ ጭቡጥን መብዛሕቲኡ ግዜ ከቢድን ክውንነት ዕለታዊ ህይወት ህልዋን ምዃን ይግባእ።
ናይ እግዚኣብሔር ካህናት
ውህበት መንፈስ ቅዱስ ንካህን ኣብ ጉዕዞኡ ናይ ክርስቶስ ኣብ ምዃን ጸዋዕታኡ ዘሰንዮ ከም ዝኾነ ገሊጾም፡ ክርስቶስ ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ብምጽዋዕ ዘውሕዞ ፍቕሩ ወትሩ ከስተማቕሩን ክዝክሩን ድማ ኣተባቢዖም፡ እዚ ፍቕሪ እዚ ኣብ ልቦምን ማዕርገ ክህነት ኣብ ዝቕበልሉን ወትሩ ኣብ ህይወቶም ክዝክሩ ሓደራ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ሰባኬ ወንጌል ንምዃን መለኮታዊ ጸጋታት ንምዕዳል ኣብ ዝተወሃበኩም ጽዋዕታ ዘይምፍራሕ፡ “ከም ማርያም ምስ ኢየሱስ ጠቢቕኹም ኣብ መስዋዕተ ቅዱስ ቁርባንን ዓወቱን ምስኡ ሕቡራት ኵኑ” ምስ በሉ፥ . . . ናይ ክህነት ምስጢር ንኽርድኡ ንናይ ወዳ ምስጢር ከስተንትኑ ክርስቶስ ኣብ ምስዓብ ዘሎ ሓጐስ ክቕበሉን ናብ ዓወት ዘሰጋግር መስቀሉ ኣብ ዕለታዊ ህይወቶም ክመልስዎ መታን ጸሎት መቝጸርያ ከዘውትሩን ኣማልድነት ናይታ ንግስቲ ዝኾነት ቅድስተ ማርያን ክሓቱ ተላብእዮም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።