ድለ

ር.ሊ.ጳ. ከምቲ ልሙድ ብምኽንያት በዓለ ጽንሰታ ለማርያም ዘካየድዎ መንፈሳዊ ንግደት ር.ሊ.ጳ. ከምቲ ልሙድ ብምኽንያት በዓለ ጽንሰታ ለማርያም ዘካየድዎ መንፈሳዊ ንግደት 

ር.ሊ.ጳ. ከምቲ ልሙድ ብምኽንያት በዓለ ጽንሰታ ለማርያም ዘካየድዎ መንፈሳዊ ንግደት

ምስ ምእመናን ሓቢሮም ኣብ ፊት ቅዱስ ሓወልቲ ጽንሰታ ለማርያም ማርያማዊ ጸሎት ከዕርጉ ድሕሪ ክልተ ዓመት ንፈለማ ግዜ ምዃኑ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8 ታሕሳስ ብምኽንያት ዓመታዊ ክብረ በዓል ጽንሰታ ለማርያም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ጉባኤ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ከምቲ ልሙድ ብምኽንያት ዕለት 8 ታሕሳስ ዓመታዊ ክብረ በዓል ጽንሰታ ለማርያም ሮማ ከተማ ኣብ ዝርከብ ቅርዓት ስፓኛ ምብጻሕ ገይሮም ኣብ ፊት ሓወልቲ ጽንሰታ ለማርያም ዕንባባ ኣንቢሮም ብሓባር ኣብቲ መንፈሳዊ ጒባኤ ምስ ዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመናን ማርያማዊ ጸሎት ከም ዘዕረጉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ቅድሚ ናብ ቅርዓት ስፓኛ ምኻዶም ከምቲ ልሙድ ሮማ ናብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ መንሳዊ ንግደት ፈጺሞም ኣብ ፊት ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ቁኑን ዕንባባ ኣንቢሮም ጸሎት ከም ዘዕረጉን የመላኽት።

እዚ ቅዱስ ምስሊ “ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን” ካብ ቅድስቲ መሬት ብቅድስቲ ሄለን ኣደ ሃጸይ ቆስጣንጢኖስ ናብ ሮማ ከም እተመልሰን ኣብ ሮማን ከባቢኣን ኣጋጢሙ ዝነበረ ዘሰንብድ ተላባዒ ሕማም ምኽንያት ር.ሊ.ጳ. ጎርጎርዮስ ዓቢይ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ዝብል መጸውዕ ደሓር ዝተውሃቦን ኣምሪሖም ምስ ምእመናን ሓቢሮም ድሕሪ ዝተፈጸመ መንፈሳዊ ዑደት በማላድነታ ሮማን ህብዛን ካብቲ ለብዒ ከም እተናገፈ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማህደር ዝጠቀሰ ዜና ቫቲካን ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ዘዕርግዎ ጸሎት ናብ ቅርዓት ስፓኛ ምብኻድ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ጉባኤ ኣብ ፊት እቲ ኣብቲ ቅርዓት ዝርከብ ጥንታዊ ሓወልቲ ጽንሰታ ለማርያም ጻዕዳ እንበባ ከም ዘንበሩን በማላድነታ ምእንቲ ህዝብን ዓለምን ጸሎት ከም ዘዕረጉ ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንክበሎ ኣብ 2020 ዓ.ም. ደሓር እውን ኣብ 2021 ዓ.ም. ብሰንኪ ለበዳ ኾሮና ተህዋስ ነቲ ተኣዊጁ ዝነበረ ድሕነት ጥዕና ዝምልከት መምርሒ ምፍንታትን ተወሸብን ምኽንያት ቅዱስነቶም ከምቲ ልሙድ ኣብቲ ናይቲ ክልቲኡ ዓመት በዓለ ጽንሰታ ለማርያም ናብ ቅርዓት ስፐይን ብዘይ ምእመናን በይኖም መንፍሳዊ ንግደት ፈጺሞም ናይ ግሊ ጸሎት ከም ዘዕረጉ ዜና ቫቲካን ኣዘኻኺሩ፡ ምስ ምእመናን ሓቢሮም ኣብ ፊት ቅዱስ ሓወልቲ ጽንሰታ ለማርያም ማርያማዊ ጸሎት ከዕርጉ ድሕሪ ክልተ ዓመት ንፈለማ ግዜ ምዃኑ የዘኻኽር።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ከምቲ ልሙድ ብምኽንያት በዓለ ጽንሰታ ለማርያም ዘካየድዎ መንፈሳዊ ንግደት
08 Dec 2022, 16:06