ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንኣባላት ማሕበር መራሕቲ ንሰላም፥ ኲናት ምልክት ድኻም እዩ! ር.ሊ.ጳ. ንኣባላት ማሕበር መራሕቲ ንሰላም፥ ኲናት ምልክት ድኻም እዩ! 

ር.ሊ.ጳ. ንኣባላት ማሕበር መራሕቲ ንሰላም፥ ኲናት ምልክት ድኻም እዩ!

እቲ ብኲናት ኣብ ሓደጋ ዝኣተወ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ዝያዳ ከቢድ ሓደጋ የጋጥሞ ከም ዘሎን እዚ እውን ሰላም ንምህናጽ ሃሳስ ድላይ ምህላዉ ዘመላኽት እዩ፡

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣባላት ዘይመግንስታዊ ትካል “መራሕቲ ንሰላም” ተቐቢሎም ኣብ ዘስሞዎ መደረ፥ ግጭታት ንምፍታሕ ኣጽዋር ምጥቃም ምልክት ድኽመትን ተነቃፍነትን ምዃኑ ብኣጽንዖት ገሊጾም፡ ኣብ ህንጸት ሰላምን ህንጸት ንሰላምን ዘተኮረ ትምህርቲ ኣገዳስነቱ ከም ዘጉልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 2 ታሕሳስ ምስ ልኡኻት ዘይመንግስታዊ ትካል መራሕቲ ንሰላም ከም እተራኸቡ ክሕበር እንከሎ፡ እቲ ትካል ኣብ 2017 ዓ.ም. ብነበር መራሔ መግንስቲ ፈረንሳ ዣን ፒየር ራፋሪን ዝተመስረተ ኮይኑ ርእዮቶ ህዝቢ ብዛዕባ ኣህጉራዊ ቅልውላዋት ንምምርህን ንስላም ዝድግፍ ምህዞኣዊ ተበግስቶታት ንምድንፋዕ ዝብል ዕላማ ዘለዎ ከም ዝኾነ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ምዝሕታል ሕንጸት ሰላም

ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ነቲ ውድብ ስለ ኣገልግሎቱን ዕዮታቱን ብፍላይ ድማ ነቲ ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ላተራነንሲ መንበረ ጥበብ ዘካይዶ ዘሎ ተንቀሳቓሲ መደብ ትምህርቲ ሰላም ኣመስጊኖም፡ ከምኡ እውን ንዕርቅን ሓባራዊ ክብርታትን ሰላምን “መደብ ሕንጸት” ከም ዝሓትትን መሃዝነት እውን ዘድልዮ ምዃኑ እንከመላኽቱ፥

እቲ ብኲናት ኣብ ሓደጋ ዝኣተወ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ዝያዳ ከቢድ ሓደጋ የጋጥሞ ከም ዘሎን እዚ እውን ሰላም ንምህናጽ ሃሳስ ድላይ ምህላዉ ዘመላኽት እዩ፡

ሰላም ምህናጽ መሃዝነት ይሓትት

ህንጸት ኣብ ሰላም ኣድላዪ እዩ ምእንቲ እዚ ክንየው እቲ ልሙድ ውዲታት ኣህጉራዊ ዝምድናታትን ሽርካትትን ክንከይድ መሃዝያን ክንከውን ይግባእ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ነቶም ኣብ ውግእ ከም መሳርሒ ፍታሕን ዘይምርድዳእን ተገይሮም ዝቐርቡ ምርጫን ተግባርን ክንቃወም ከም ዘሎና እውን ዘመላኽት እዩ፡ ናይ ደቂ ሰብ ህይወት ሞትን ስቓይን ዕንወትን “ጎናዊ ሳዕቤናት” ኲናት ዘይኮነስ፡ “ኣህጉራዊ ገበን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኲናት ምልክት ድኻም እዩ

ግርጭት ንምፍታሕ ኣጽዋር ምጥቃም “ምልክት ድኻምን ተነቃፍነትን እዩ፡” ኣብ ክንድኡ “ዘተን ሽምግልናን ዕርቅን ምትብባዕን፡ ነዚ ዝኸውን ባይታ ምፍጣርን እዩ ዘድሊ፡ “ሃነጽቲ ኣዳማሳዊ ሕውነት ንምዃን ዘድሊ ትብዓት ዝጠልቦ ሓይሊ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓባራዊ ዝኾነ ብዙሕነትን ሓድነትን ባህግታት እዩ ዝረክብ።”

ሰላም ንምህናጽ ድኽነት ንምስጋርን ሓባራዊ ጻዕሪ የድሊ

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ ነቲ ናይ መወዳእታ “ናይ ህይወት ተስፋ እምበር ክልሰ ሓሳባዊ - ህልዩኣዊ ሰላም ዘይሓቱ” ብድሆታት ንምፍታሕ፡ ብሓባር ንምስራሕ ዝያዳ ትብዓት ከም ዘድሊ ብኣጽንዖት ገሊጾም፡ “ስለዚ ምህናጽ ሰላም ማለት ድኽነት ንምውጋድ ጥሜት ንምስዓር ጥዕናን ክንክንን ንዅሉ ንምውሓስ ናይ ሓባር ቤትና ምክንኻል መሰረታዊ መሰላት ንምድንፋዕን ብሰንኪ ምንቅስቓስ ደቂ ሰባት ዝፍጠር ኣድልዎ ንምብዳህን መስርሕ ልምዓት ምጅማርን ምድጋፍን ማለት እዩ” ቢሎም፡ ኣብ ልዕሊ ናይቲ ዘይመግንስታዊ ትካል “መራሕቲ ንሰላም” ኣባላትን ኣገልግሎቶምን ቡራኬ ኣምላኽ ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እዚ ትካል እዚ ነበር መራሔ መንግስታትን ሚንስትራትን መራሕቲ በረገሳውያን ማሕበራትን ተሰለምቲ ናይ ሰላም ኖቤልን ዝርከብዎም ብጠቕላላ ኣርብዓ ውሩያት ዓለም ለኻውያን ሰባት ዝሓቊፍ ከም ዝኾነን ካብ ኣቶም ነበር ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዋና ጸሓፊ ባን ኪ ሙን ኣቦ መንበር ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ሃንስ ገር ፖአሪንግ ኣብ 2015 ዓ.ም. ናይ ሰላም ኖቤል ተሰላሚ ዊደድ ቡቻሙይ ከም ዝርከብዎም ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ፥ ተንቀሳቓሲ “ክፍሊ መጽናዕቲ ህንጸት ሰላም”

እቲ ትካል ኣብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ክፍለ ትምህርቲ ሰላም “ትምህርቲ ስነ ሰላም” ብምቛም “ዓበይቲ ብድሆታት ሰላምን ስነ ሜላዊ ክለኣዊ ርክብን ልምዓትን ስነ ህይወትን ጾታን ሃይማኖትን” ብዝብል ኣርእስቲ መደብ ትምህርቲ ክቐርብ ከም ዝገበረን እዚ መደብ ትምህርቲ እዚ እውን ኣብ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ደኣ ይጀምሮ እምበር ኣብ ዝተፈላለዩ መናብርተ ጥበብ ዝንቀሳቐስ እውን ምዃኑ ኣመላኺቱ፡ ኣብቲ እቲ ትካል ዘካየዶ ዓውደ ኣኼባ፥ ናይ ትምህርቲ ጒዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ራፋሪን ናይ ዘይንጽል ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊት እናቴ ኣለሳንድራ ስመሪሊን መደረ ከም ዘስምዑ የመላኽት።

03 December 2022, 16:48