ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘ ሳለስ ‘ዓቢይ ኣንባቢ ናይ ግዜ ምልክታ’ እዩ ነይሩ! ር.ሊ.ጳ.፥ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘ ሳለስ ‘ዓቢይ ኣንባቢ ናይ ግዜ ምልክታ’ እዩ ነይሩ! 

ር.ሊ.ጳ.፥ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘ ሳለስ ‘ዓቢይ ኣንባቢ ናይ ግዜ ምልክታ’ እዩ ነይሩ!

የነጽሩ። . . . እቶም ናብ እግዚኣብሔር ዝጥምቱን ናብኡ ዘብሉን ግና ኣብ ምፍቃር ጎረቤቶም ዘይርከቡ ገዛእ ርእሶምን ካልኦትን የታልሉ . . . የግዳስ ክርስቲያናዊ ህይወት ናይ ምፍቃር ሓጎስ ምርካብ እዩ . . . እቲ ልቢ ንፍቕርን ምፍቃርን ዝስሕብ ማእከል ድማ ህይወት ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑን እዚ ከኣ ህይወቱ ስሌና ክሳብ ምሃብ ኣፍቀረና ዝብል እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መበል 400 ዓመት ውልደት ኣብ ሰማይ ቤት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ደ ሳለስ “Totum amoris est - ኩሉ ብዛዕባ ፍቕሪ እዩ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ዕለት 28 ታሕሳስ 2022 ዓ.ም. ኣብ መዓልቲ ዝኽሪ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘ ሳለስ ከቲሞም ከም ዝለገሱን ኣብታ ሓዋርያዊ መልእኽቶም ድማ እቲ ቅዱስን ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቕን ሕዝቢ ንእግዚኣብሔር ኣብ ፍቕሪ - ምግባረ ሰናይን ኣብ ሓጎስን ብናጽነትን ክደልዩ ዝሓገዘ ዓቢይ ኣንባቢ ናይ ግዜ ምልክታ ምንባሩ ይብርሁ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘ ሳስስ ጳጳስ ጀነቫ ሊቅ ቤተ ክርስቲያንን መስራት ስርዓት ሓዋርያዊ ሓውጾቶን መበል 400 ዓመት ውልደት ኣብ ሰማይ ቤቱ ምኽንያት ቅዱስነቶም ኣብ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ፥ ናብቲ ናይቲ ቅዱስ እዚዩኦም ጎሊሖም ዝርኣዩ ግብረ መንፈሳውነቱ ኣተኵይሮም፡ ኣብ ግብረ ሰናይ ምልሑቕ ምንባሮምን ነዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ከም መዓቀን ክንስዕቦ ዝግብኣና ኣብነት ምዃኑ የብርሁ።

ቅዱስን ሊቅ ቤተ ክርስቲያንን ፍራንቸስኮ ዘ ሳለስ ዕለት 21 ነሓሰ 1567 ዓ.ም. ኣብ ሳቮይ እተወልደን ዕለት 28 ታሓሳስ 1622 ዓ.ም. ኣብ ፈረንሳ ዝዓረፈ ፈረንሳዊ፥ “ኣብ መላእ ህይወቱ ነቲ ዝዓበየ ፍቕሪ ዘናደየ” ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ “ናይ መለኮታዊ ፍቕሪ ሊቕ” እንክብሉ ክሰምይዎ ዘገርም ኣይኮነን፡ ከመይሲ ብዛዕባ እዚ ጒዳይ እዚ ስለ ዝደረሰ ዘይኮነስ ቅድም ቀዳድም ንፍቕሪ ሓለፋ ዝበለ ምስክርነት ዝሃበ ብምንባሩ እዩ።”

ክርስቲያናዊ ሕይወት ናይ ምፍቃር ሓጎስ ምርካብ እዩ
ክርስቲያናዊ ሕይወት ናይ ምፍቃር ሓጎስ ምርካብ እዩ

ኣዚዩ ኣብ ዝለዋወጥ ዘመን ሓድሽ ዕድላት ንብስራት ወንጌል

ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘውረሶ መንፈሳውነት - ተዓጻጻፍነቱን ኣርሒቑ ዝጥምት ራእዩን ዘመላኽት ከም ዝኾነን ኣብ ሓደ እዋን በነዲክቶስ መበል 16፥ “ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘ ሳለስ ግዜ ይቕየር ከም ዘሎ ብንጹር ተረዲኡ . . . እቲ ዝርአ ዝነበረ ለውጢ ወንጌል ንምስባኽ ዓቢ ኣጋጣሚ ዝውክል ምዃኑ ዘስተውዓለ፡ ነቲ ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ዘፍቅሮ ቃል ኣምላኽ፡ ኣብታ ብቕልጡፍ እትቀያየር ዓለም ሓድሽን ዘይተጸበዮን ኣድማስ ኣብ ቅድሚኡ ከፈተሉ” እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ የዘኻኽሩ።

ኣብ ልብን ኣብ ታሪኽን ንኣምላኽ ምድላይ

ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘ ሳለስ ከም ዝበሎ፡ ተመክሮ እግዚኣብሔር “ኣብ ልቢ ውሽጢ እዩ።” እዚ ንኹሉ ህይወቱ “ኣብ ኣምላኽ ዘማእከለ ምዃኑ ተራን ግን ከኣ ንጹርን ትኽክለይናን ብዝኾነ ኣገባብ ኣቢሉ ዝገለጾ” ከም ዝኾነን እዚ እውን ‘እግዚኣብሔር ኣምላኽ ልቢ ሰብ ምዃኑን ዘነጸር እዩ።” ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣምላኽ ንገዛእ ርእስናን ናይ ገዛእ ርእስናን መበቆልን ዕምቆትን ከምኡ እውን ፍጻሜናን ምዃኑ ክንፈልጦ እንኽእል ኣብ ጸዋዕታ ፍቕሪ እዩ” እዚ ኸኣ እምነት ‘ልሙስን ኣልቦ ስምዒትን ዘይኮነስ ቅድሚ ኩሉ ኣተሓሳስባ ልቢ ምዃኑን ካብ ናይ ኢየሱስ ሕይወት ምስትንታን ዝውለድ ቃልን ተግባርን ዘሰንዮ ከም ዝኾነ ዘረድእ እዩ ኢሎም።

ንፍቕሪ ብመምያ ምስትውዓል

ፍራንቸስኮ ይብሉ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘ ሳለስ፥ “ድሌት ወይ ሃረርታ ሱር ናይ ኩሉ መንፈሳዊ ህይወት ጥራሕ ዘይኮነ ጠንቂ ሕስረት እውን ምዃኑ ዘስተውዓለ እዩ” በዚ ምኽንያት እዚ “ድሌት ወይ ሃረርታ መምያ ዝሓትት ምዃኑ የረጋግጸልና። ኣብ ኵሉ እቲ ዝዓበየ መለክዒ ወይ ሚዛን ድማ ፍቕሪ ምዃኑ ዘስተውዓለ እዩ . . .

ኣብ ጸሎትን ማሕበረሰብን ዝወሰጠ ቲዮሎጊያ

መንፈሳዊ ሕይወት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘ ሳለስ ዓቢይ ቲዮሎጊያዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ምዃኑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ገሊጾም፡ እቲ ቀዳማይ ቲዮሎጊያ ካብ መንፈሳዊ ህይወትን ካብ ጸሎትን ዝምንጭው ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ሸነኽ ድማ “ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ምስ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ምሕሳብ ክእልት” ዝምልከት እዩ። ስለዚ ቲዮሎጊያ ኮነ ቲዮሎግያውያን ኣብ ህይወት ሕብረተሰብ ጥሒሎም ዕዮታቶም ክፍጽሙ ዝተጸውዑ ምዃኖም እዩ ዘመላኽተና ይብሉ።

ሓድሽ ቅዲ ኣብ ትሕቲ ሰንደቕ ትስፍውነት

ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘ ሳለስ ኣብ መንፈሳዊ ኣንፈቱ ብሓድሽ መገዲ ኣቢሉ ይዛረብ . . . ዕለታዊ ሕይወትን ዘምጽኦ ኵሉ ዘኽብር ኣገባብ ንረክብ። ኣብዚ እውን እቲ ‘ሳሊዥያናዊ ትስፍውነት’ ክንረክብ ንኽእል። እዚ እውን እቲ ድሕሪ ኣስታት ክልተ ዘመን ኣብ ናይ ቅዱስ ዶን ቦስኮ መንፈሳውነት ዓንቢቡ እንረኽቦ እዩ . . . ፍራንቸስኮ ዘ ሳለስ እቲ ዝነብረሉ ዝነበረ እዋን ብቐረባ ብምምልካት ዓለም ኣዚያ ረቒቕ ትኸውን ከም ዘላ የስተውዕል እሞ እዚ ኸኣ ንፍቕሪ - ግብረ ሰናይ መሰረት ምዃኑ ንምምስካር ዕድል ዘቕርብ ገይሩ የንብቦ . . .

ናይ ዘተ ሰብ

ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘ ሳለስ ምስ ፕሮተስታንት ክምጉት እንከሎ እውን “ምስ ኣድላይነት ስነ መለኮታዊ ዘተ ተደሚሩ ንኣድማዕነት ውልቃዊ ዝምድናን ግብረ ሰናይን እናስተውዓለ መጸ። ምስ ካልቪናውያን ክዝትይ እንከሎ ውሕሉል ተኻታዒ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ዘተ ሰብ ምዃኑ ንርዳእ። . . . ሓድሽ ኣገባብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝመሃዘ እዩ . . . ብዝዝርጋሕ ሓጸርቲ ጽሑፋት ኣቢሉ . . . ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣባይቲ ብምብጻሕ ዝፍጸም ጒስነት ዝመስከረ እዩ. . . እዚ እውን እቲ ሓደ ናይ ጋዜጠይናታት ጠበቓን ሓላዊ ቅዱስን ቢላ ቤተ ክርስቲያን ንኽትሰምዮ ምኽንያት ከም ዝኾነ ፍራንቸስኮ ኣብ ዘለገስዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ የብርሁ፣  . . .

ብዘይ ኣስገዳድን ጸቕጥን

. . . ነቲ ኣብ እዋንና እንራዮ ዘሎና ለውጢ ብጥበብ ወንጌል ኣቢልና ከነንብቦ መልሲ ክንህበሉን ዝብል ኣርኣእያን ተግባርን እውን ካብ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘ ሳለስ ህይወት ንመሃር። ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ በቲ ምስ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘሎና ርክብ ዝምዘን ናይ ርክብና ጽባቄ እውን ኣብዚ ዝተመስረተ ምዃኑን መለኮታዊ ሓልዮት ንልብና ናብ ፍቕሪ ኣምላኽ ይስሕቦ፡ እዚ ኸኣ ብዘይ ዝኾነ ይዅን ጸቕጥን ኣስገዳድን . . . እዚ ናብ እግዚኣብሔር ምስሓብ እዚ ንሰብኣዊ ናጽነት ዘኽብር ምዃኑ ቅዱስነቶም ብመንፈሳውነት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘ ሳለስ ኣቢሎም የዘኻኽሩ።

እዚ ቅዱስ ጳጳስ፥  ተወፋይነት ኣምልኾ እንታይ ማለት ምዃኑን ብኸመይ ዝንበር ከም ዝኾነ የብርሃልና። ሓቀይና ትርጉም ተወፋይነት ወይ ውፉይነት እንተ ደኣ ዘይተረዳእና እቲ ዘለካ ውፉይነትን ኣምልኾን ግዜ ምብኻንን ናይ ሓሶትን ወይ ውን ጣዖታዊ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ . . . ካብቶም ብጾም ህይወቶም ክቕድሱ ዝደልዩ ስለ ዘይበልዑን ዘይሰትዩን ስለ ዝጾሙን ውፉያት ኮይኖም ዝስምዖም ግን ኣብ ሕሜታን ጸለምን ዝነብሩ። መጽወትቲ ንድኻታት ግን ከኣ ይቕረ ክብሉ ዘይከኣሎም . . . ስለዚ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘ ሳለስ ሓቀይና ኣምልኾን ተወፋይነትን እንታይ ማለት ምዃኑ የነጽረልና. . . ሓቀይና ኣምልኾን ውፉይነትን ካብ ሓቀይና ፍቕሪ ኣግዚኣብሔር ዝነቅል ኣብ ሓቀይና ግብረ ሰናይ - ፍቕሪ ዝግለጽን እዩ። ገለ ገለ ሰባት ኣለዉ ውፉይነት ኣብ ብሕትውነት ጥራሕ ዝንበር ገይሮም ይሓስብዎ። ተወፋይነት ብእተፈላለየ እንቕበሎ ጸዋዕታ ኣቢላና ኢና እንነብሮ።

ክርስቲያናዊ ሕይወት ናይ ምፍቃር ሓጎስ ምርካብ እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ . . . ናይ ህይወት ፍስሃ ብዝብል ኣርእስቲ ኣቢሎም ናይ ህይወት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘ ሳለስ ዝነበሩ ሓሳባት የነጽሩ። . . . እቶም ናብ እግዚኣብሔር ዝጥምቱን ናብኡ ዘብሉን ግና ኣብ ምፍቃር ጎረቤቶም ዘይርከቡ ገዛእ ርእሶምን ካልኦትን የታልሉ . . . የግዳስ ክርስቲያናዊ ህይወት ናይ ምፍቃር ሓጎስ ምርካብ እዩ . . . እቲ ልቢ ንፍቕርን ምፍቃርን ዝስሕብ ማእከል ድማ ህይወት ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑን እዚ ከኣ ህይወቱ ስሌና ክሳብ ምሃብ ኣፍቀረና ዝብል እዩ። ቅዱስነቶም በዚ ሓሳብ እዚ መሰረት ኣቢሎም ህይወት ክርስትና እንታይ ማለት ምዃኑ ብዘብርህ ሓሳብ ኣቢሎም ሓዋርያዊ መልእኽቶም ይዛዝሙ።

29 Dec 2022, 16:11