ድለ

ፍራንቸስኮ፥ ናይ በነዲክቶስ መበል 16 ቲዮሎጊያ ንሕሉፍ ዘይኮነስ ንመጻኢ ፍረ ዘለዎ እዩ! ፍራንቸስኮ፥ ናይ በነዲክቶስ መበል 16 ቲዮሎጊያ ንሕሉፍ ዘይኮነስ ንመጻኢ ፍረ ዘለዎ እዩ!  (Vatican Media)

ፍራንቸስኮ፥ ናይ በነዲክቶስ መበል 16 ቲዮሎጊያ ንሕሉፍ ዘይኮነስ ንመጻኢ ፍረ ዘለዎ እዩ!

ናይ በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ቲዮሎጊያዊ ስነ ምርምር ኣበርክቶ ንጉዕዞ ቤተ ክርስቲያን ጽኑዕ ቲዮሎጊያው መሰረት ዘቕርብ እዩ። ህያውነት ቤተ ክርስቲያን ከም ሕብረት ክነብሮን ብመንፈስ ተልእኾ ወንጌልን ነታ እንነብረላ ዓለም ንምግልጋል ክፉት ዝገብር ሲኖዳውነት ዘመላኽት እዩ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ስነ ስርዓት ስልማት ራትዚንገር 2022 ዓ.ም. ተረኺቦም ነቲ ስልማት ብቑዓት ተባሂሎም ዝተሓርዩ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ሚሸል ፈዱን ፕሮፈሰር ጆሰፍ ዋይለርን ኣብ ቲዮሎጊያዊ ስነ ምርምር ጉልህ ኣበርክቶኦም ጠቒሶም እቲ ዘመሓላልፍዎ ፍልጠት ህይወትን ተወፋይነትን ዘማእከለ እዩ ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ዕለት 1 ታሕሳስ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ስልማት ራትዚንገር 2022 ዓ.ም. ተረኺቦም መደረ ከም ዘስምዑን እቲ ስልማት ራትዚንገር ኣብ 2011 ዓ.ም. ዝተጀመረ ኮይኑ ኣብ ቲዮሎጊያዊ ስነ ምርምር ምስ እምንት ክርስትና ዝተኣሳሰረ ኣብ ስነ ጥበብን ባህልን ርኡይ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ካብኣቶም ብሉጻት ንዝበሃሉ ዝወሃብ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣበርክቶ በነዲክቶስ መበል 16

ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብዅሉ ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተረኽቡን ብፍላይ ድማ ነቶም ክልተ ስልማት ራትዚንገር 2022 ዓ.ም. ብቝዓት ንዝተባህሉ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን መንፈሳዊ ህላወን ጸሎትን በነዲክቶስ መበል 16 ኣጒሊሖም፥ ናይ በነዲክቶስ በመል 16 ስነ መለኮታዊ ስርሖምን ኣተሓሳስባኦምን ኣብ  ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብን ብቐጻሊ ዘገልግልን ፍርያም እውን ምዃኑ ገሊጾም፡ ኣብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝኽሪ  መበል 60 ዓመት ምኽፋት ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን ኣብ ዘብዓልናሉ ዓቢይ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኩነት በነዲክቶስ መበል 16 ዝነበሮም ተራ ዘኪሮም፡ በነዲክቶስ መበል 16 ሰነዳት ጒባኤ ቫቲካን “ብዕምቈት ንኸነንብቦን ንኽንርድኦን ሓጊዞምና እዮም” . . . እቲ ናቶም ስነ ሃይማኖታውን ቲዮሎጊያውን መጽናዕት መድብላዊ ሕትመቱ ብቋንቋ ጀርመን ይሕተም ከም ዘሎን ኣብ ቀረባ እዋን እውን ተጠናቒቑን ብካልኦት ቋንቋታት እውን ተተርጒሚ ክዝርጋሕ ምዃኑ ዘኪሮም፥

ናይ በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ቲዮሎጊያዊ ስነ ምርምር ኣበርክቶ ንጉዕዞ ቤተ ክርስቲያን ጽኑዕ ቲዮሎጊያው መሰረት ዘቕርብ እዩ። ህያውነት ቤተ ክርስቲያን ከም ሕብረት ክነብሮን ብመንፈስ ተልእኾ ወንጌልን ነታ እንነብረላ ዓለም ንምግልጋል ክፉት ዝገብር ሲኖዳውነት ዘመላኽት እዩ!

ከም ዝበሉን ኣስዒቦም እውን ኣብ መንጐ ማሕበር ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማውን ማሕበር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ማሕበር በነዲክቶስ መበል 16ን ዘሎ ምሕትብባር ንኢዶም፥ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ሕሉፍ ዘይኮነስ ንመጻኢ እውን ዝጥምት ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ስልማት ራትዚንገር 2022 ዓ.ም.፥ ተሰለምቲ

ኣባ ሚሸል ፈዱ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ከምኡ እውን ፕሮፈሰር ጆሰፍ ሆሮዊዝ ኣይላርን ኣብ ዓውድታት መጽናዕትን ኣስተምህሮን ራትዚንገር ኣበርክቶኦም ልዑል ምዃኑን ኣብዚ መዳይ እዚ እውን ዓወት ዘመዝገቡ ምሁራት ተባሂሎም ድማ ነዚ ንስልማት ራትዚንገር 2022 ዓ.ም. ብቑዓት ተባሂሎም ከም እተሓረዩን፥ ኣባ ፈዱ፥ “ናይ ስነ ክርስትና ቲዮሎጊያ ሊቅ” መምህር፡ ህይወቶም ኣብ መጽናዕትን ምምሃርን ቲዮሎልጊያን ናይ ምብራቕን ምዕራብን ምዕባለ መጽናዕቲ ስነ ክርስቶስ ኣብ ዝምልከት ስነ ምርምራዊ መጽናዕቲ ዓቢይ በርክቶ ዘለዎም ከም ዝኾኑ ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዘስመሩሉን፥ . . . ፕሮፈሰር ዋይለር ነዚ ስልማት ብቑዕ ተባሂሎም ዝተሓርዩ ቀዳማይ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ሰዓቢ ምዃኖም ቅዱስነቶም ዘኪሮም፡ ኣብ እዋናዊ ዓለም ኣብ መንጐ እምነትን ሕጋዊ ወይ ፍርዳው ምኽንያትን ዘሎ ርክብ ቅልውላው ኣወንታውነት ሕግታትን ቀጥዒ ኣልቦ ዝርጋሐ ውልቃዊ - በዓል ቤታዊ መሰላትን ዘስዕቦ ውጥረትን ነቲ ሃይማኖት ናብ ውልቃዊ ዓውዲ ከውርዶ ዝፍት ኣመለኻኽታን ተግባርን ዝውለድ ምዃኑን እዚ ድማ ዛዕባ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ምጥቃም ናይ ሃይማኖት ናጽነት ብግቡእ ዘረድእ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፋት ዘቕረቡ . . . ኣብ ምርዳእ መሰረታዊ ክብርታትን ሓባራዊ ረብሓ ዝገትእ ብድሆታትን ንምስጋር ዝድርኽ ተባዕ መርገጽታት ዘመላኸቱ እንክብሉ ከም ዝገለጽዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ መደምደምታ ቅዱስነቶም፥ ነቶም ነቲ ስልማት ብቑዓት ተባሂሉ ዝተሓርዩን ኣባይቲ ስድራን ፈተውቶምን ንኣባላት ደገፍቲ ማሕበር ራትዚንገርን ኣካየድቲ ስራሕ ማሕበር ራትዚንገርን በረኸት ኣምላኽ ተመንዮም ከም እተመነዩ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

02 December 2022, 16:10