ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ካቶሊካውያን መምሃራን ኣብ ናይ ሓባር ውጥን ነገልግሎት ሰብኣውነት! ር.ሊ.ጳ.፥ ካቶሊካውያን መምሃራን ኣብ ናይ ሓባር ውጥን ነገልግሎት ሰብኣውነት!  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ.፥ ካቶሊካውያን መምሃራን ኣብ ናይ ሓባር ውጥን ነገልግሎት ሰብኣውነት!

“ኣባይቲ ትምህርትና መስድዕን ካብ ናትና እምነትን ሃይማኖትን ዝተፈልዩ ዝንጸለሉ ዘይኮነስ፡ በንጻሩ ዝተፈላለዩ ባእታታት ዝራኸቡሉ እዩ ክኸውን ዘለዎ። . . . ምስ ኣባይቲ ስድራን ምስ ካልኦት ውድባት ምትሕብባር ዘተባብዕ እዩ።”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዓለም ለኸ ቤት ጽሕፈት ካቶሊካዊ ትምህርቲ ካብ ዕለት 1 – 3 ታሓሳስ ንኽካየድ ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ጒባኤ ተጋባእያን ብይብጻሕ ንዋና ጸሓፊ ዓለም ለኸ ቤት ጽሕፈት ካቶሊካዊ ትምህርቲ፥ ኣብ ኣገልግሎት ሰብኣውነት ዘተ ንምድንፋዕ ግደ ካቶሊካዊ ትምህርቲ ዘነጸርን ዝድግፍን መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መደባት ትምህርትን ጸጋታትን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይቲ ሰገር ዝኾነ ቃል ልሳን ክኸውን ኣለዎ፡ ሰባት ዝሓንጽን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘተ ዘተባብዕን ክኸውን ኣለዎ እንክብሉ ነቶም ተጋባእያን ኣብ መልእኽቶም ዘተሓሳሰቡ ቅዱስነቶም፥ . . . ትምህርቲ ግቡእን ብድሆን ምዃኑን ንክርስቲያን ድማ “ኣብቲ ኢየሱስ ንቤተ ክርስቲያኑ ብሕድሪ ዝሃባ ትንቢታዊ ግደ ዘሳትፍ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ትንቢታዊ ባእታ ናይ ቤት ትምህርቲ

ብርግጽ ኣስተምህሮ ቤት ትምህርቲ ካቶሊክ ኣብ ጒዳይ ኑዛዜ እምነት ጥራይ ዝተሕጽረ ዘይኮነስ፡ ትሕዝቶኡ ንኹሉ ጨናፍር ፍልጠትን ነዚ መምርሒ ዝደሊ ንዝኾነ ሰብ ክፉት እዩ። “ልክዕ ከምቲ ንጥፈት ናይቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ምምሃር ዝተፈላለየ ጨንፈር ትምህርቲ ዝተሓጽረ ዘይኮነስ፡ ኣብ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ሕንጸት ዘተኮረ እዩ። ስለዚ ብዛዕባ ካቶሊካውያን ኣባይቲ ትምህርቲ ክንዛረብ እንኮለና፡ ብዘቕርቦ ትምህርቲ ኣቢሉ ፍልጠት ዘመሓላልፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሰብ ገዝእ ርእሱ ክፍለጥ ዝተፈቕረን ናይ ምፍቓር ብቕዓት ዘለዎ ፍጡር ምዃኑ ንኸለልይ ዝገብሮ ትንቢታዊ ባእታ ዘለዎ ክኸውን ግድን እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ፥

ቤት ትምህርቲ መስድዒ ዘይኮነስ ምስ ኣባይቲ ስድራን ሕብረተሰብ ምትሕብባር ዘሀልው እዩ

“ኣባይቲ ትምህርትና መስድዕን ካብ ናትና እምነትን ሃይማኖትን ዝተፈልዩ ዝንጸለሉ ዘይኮነስ፡ በንጻሩ ዝተፈላለዩ ባእታታት ዝራኸቡሉ እዩ ክኸውን ዘለዎ። . . . ምስ ኣባይቲ ስድራን ምስ ካልኦት ውድባት ምትሕብባር ዘተባብዕ እዩ።” በዚ መገዲ እዚ ኣቢሉ “ነቶም ዝተፈላለየ ሃይማኖትን እምነት ዝስዕቡ ዝራኸብን ዘራኽብ ድልድል ዝህነጸሉ እዩ . . . ኣብ መንጎ ዝተፈላላያ ሃይማኖት ጥራሕ ዘይኮን ኣብ መንጎ ኣምነትን ኢኣማንያንን ዘተ ዘተባብዕ እውን እዩ . . . እዚ መለለዪ ናይ ካቶሊክ ኣባይቲ ትምህርቲ እዚ እዩ ክኸውን ዘለዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ነፍሲ ወከፍ ቤት ትምህርቲ ዝተነጸለን ዘይራኸብን ኣይኮነ

“ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ መሃሩ እንክብሉ እዩ ዝለኣኾም፡ ተልእኾ እውን እንተኾነ ብኻልእ መዳይ እውን ትእዛዝ እዩ፡ እዚ ተልኾ እዚ ድማ ካብ ሱታፌን ውህደትን እዩ ዝምንጭው፡ ካብቲ ካብኡ - ካብ ኢየሱስ ካብ ዝተመሃርካዮ እዩ ዝነቅል። ስለዚህ እዩ ድማ ነፍሲ ወከፍ ካቶሊካውያን ኣባይቲ ትምህርቲ ዝተነጸላን ዝተሓጽራን ክኾና የብለንን እንብል፡ ነቲ ትምህርቲ ብብቕዓትን ብእዋናዊ ቋንቋን ኣረዳድኣን ንኸተቕርቦ መታን ንማንም ከይነጽላ ምስ ካልኦት ብሓባር ክጓዓዛ ኣለወን። ናይ ካልኣ ኣቃልቦ ናይ ምስሓብ ብቕዓት ዘለወን ክኾና ይግባእ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ማሕበራዊ ጸገማት ናይ ምስካም ሓላፍነት የድሊ

“ኣብ ምንቅስቓስ ኢና ዘሎና” ኢየሱስ ኩሉ ግዜ ዝንቀሳቐስ እዩ። ንደቀ መዛሙርቱ እውን ክንቀሳቐሱ እዩ ዝሓትቶምን ዝምዕዶምን፡ ክሳብ ጽንፊ ዓለም ኪዱ . . . ናብ ኵሉ ኩርናዕ ዓለም ክበጽሑ ይእዝዞም፡ በዚ ምኽንያት እዚ፡ ካቶሊካውያን ኣባይቲ ትምህርቲ ኣብ ተበግሶታተን ንማሕበራዊ ጸገማት ብደረጃ ከባብያውን ኣድማሳውን ናይ ምስካም ሓላፍነት ክህልወን ይግባእ። ንዝረሓቑ ሰባት ዝማርኽ . . . ስለዚ ምርኻብ ወሳኒ ምእዩ እንክብሉ ኣተሓሳሲቦም፥ ብርግጽ ንተመሃሮ ዝበለጸ ቅርጺ ምሃብ ኣድላዪ እዩ። እንተኾነ ግን “ትምህርቲ ብምውህላል ዘይዓግቡ ማለት ናብ ጥበብ ከሰጋግሮም ዝኽእል ከምቲ ቅዱስ በነዲክቶስ ዝብሎ፥ ጥበብ ንምጥራይ ዝድርኽ ነዚ ጥበብ እዚ ናብቲ ጐይታ ዝልእከኻ ቦታ ኩሉ ምብጻሕ እዩ፡ ብሓጺሩ ዕዮ ምምህርና “እቲ ልዑል ፍልጠት ኣምላኽ” ንምርካብ ዘኽእል  ኣንጠረይና ጥበብ ምዃን ማለት እዩ” እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

02 December 2022, 16:13