ር.ሊ.ጳ. መንእሰያት መሰኻኽር ሓባራዊ ምትእስሳር ክኾኑ ይምዕዱ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 15 ታሕሳስ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንናይ ኢጣሊያ መንእሰያት ኣባላት ካቶሊካዊ ተግባር ተቐቢሎም፥ ኣብዛ ንሰባት ምንጻልን ምብትታንን ዝዝውተረላ ዓለም “ሓባራዊ ምትእስስር” ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ኢጣሊያ ናይ ካቶሊካዊ ተግባር ማሕበር ኣባላት መንእሰያት ተቐቢሎም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥“ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . እናመሃርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” (ማቴ. 28,19)። ብዝብል ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝሃቦም ምኽሪ መሰረት ኣበጊሶም፡ ነቶም ናይቲ ማሕበር ኣቦ መንበር ጁዜፐ ኖታርስተፋኖን ከምኡ እውን ሓፈሻዊ ተሓጋጋዚ ብጹዕ ኣቡነ ጓልቲየሪ ሲጂስሞንን ነቶም ናይቲ ማሕበር መምሃራንን መራሕትን ስለ ኣገልግሎቶም ኣመስጊኖም፥ ኣብቲ ኢየሱስ ኣብ ዝሃቦ ምኽሪ “ኪዱ” ዝብል ግሲ ኣብ ሕይወት ክርስትና ወሳኒ ምዃኑን ንደቀ መዛሙርቲ ናብ ሃዋርያት ዝቕይር ምኽሪ ዝምልከት እዩ። ልኡካነ ወንጌል ይገብሮም። “ንስኻትኵም’ውን ክትከዱ - ልኡካነ ወንጌል ንኽትኮኑ ተጸዊዕኩም ኣለዅም፡ ምኽንያቱ ክርስትና ተቐቢልና ኣብ ወንበር ጉድጭ ቢልና ንኽንተርፍ ኣይኮነን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ንሓድሕድኩም ተደላለዩ!
እቲ “ምኻድ” ዝብል ግሲ ካልእ ሕቶ ከልዕል ይኽእል እዩ። “ናበይን - ናብ መንን?” ከምቲ ኢየሱስ ንደቂ መዛሙርቱ ዝበሎ፡ ናብ ኩሎም ሰባትን ናብ ኵሉ ቦታን እዩ። መንእሰያት ወለዶ የዕንቶም ኣብ ናይ ኢድ ተለፎን ሸኺሎም ዛዕጒይሎም መዓልትታቶም ምሕላፍ ዘለዎ ሓደጋ ኣስሚሮም፡ “የዒንትና ንሓድሕድና ንኽንረአአ ዝተፈጥራ እያተን ንምናባዊ ዓለም ክንጥምት ዘይኮነስ ናብ ሰማይን ናብ እግዚኣብሔርን ኣብ ጎንና ንዘለዉን ንኽጥምታ እዩ።”
ሓቀይና ጽባቔ ህይወት ምርካብ
ስለዚ የዕንትና “ንኢየሱስ ምስ ፈለጥና ዘጋጠመና ሓጐስ” ንኻልእ ንኸነርእዮ ዘብቅዓና ቀዳሞት መተሓላለፍቲ እያተን፡ እቲ ንህላወና ዝቕይር ንህይወት ክንሓቁፍ ዝገብር፡ ሓቀይና ጽባቔ ህይወት ክንረክብ ዘኽእለና ዕርክነት” ዝፈጥሮ ሓጐስ መራኸቢ እያተን፥
ንኢየሱስ ምስዓብ ጽቡቕ እዩ፡ ኣብቲ ንሱ ንዓይ ንዓኻ ንዅሉ ዝመደቦ ሓጐስ ምውፋር ጽቡቕ እዩ። ብዓቢ ልግሲ ዝህበና ህያባት ንህይወትና ብግርማን ተስፋን ዝመልእ ነጻን ሕጉሳትን ኴይና ንኽንዓቢ ዝገብሩና ድንቂ ነገርት ምርኻብ ጽቡቕ እዩ።
ናብ ጐደና ምውጻእ
ፍቕሪ እግዚኣብሔር ንምምስካር “ናብ ጐደና ምውጻእ” መሰረታዊ ምዃኑ ቅዱስነቶም ገሊጾም፡ “ብውልቂ ዘይኮነስ ብሓባር፡ ከም ጒጅለ። ብኻልእ ኣዘራርባ ኣብዛ ክትነጻጽለና ክትበታትነናን ኣንጻር ንሓድሕድና ከተቐምጠናን እትፍትን ዓለም ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ንነብስና ክንረኽባ ኣገዳሲ እዩ፥
እቲ ምስጢር ብሓቂ ንኻልኦት ምሕብሓብ እዩ። ስለዚ ድማ ንርእስኻ እውን ትከናኸን!
እዚ እዩ ነቲ ንዘይምግዳስን ሸለልትነትን ዝስዕር መንፈስ” እንክብሉ ኣረጋጊጾም፡ ብዛዕባ “እቶም ንኡሳንን ድኻታትን ዝተረስዑ ዝተደርበዩ፡ ዝኾነ ሰብ ዘይግደሰሎምን” ምሕሳብ። ዓለምና “ዝያዳ ጽብቕትን ፍትሓውን ሰላማዊትን ንምግባር ዘብቅዕ ምስጢር እዩ።
ናብ ጐደና ክንወጽእ ንርእስና ኣብ ቅድመ ግንባር ክንርከብ ከፍርሓና የብሉን፡ ኢየሱስ መዓልታዊ ‘ኪድ’ ይብለናን ኪድ ጥራሕ ዘይኮነ እውን ‘ኣነ ወትሩ ምሳኻትኩም ኣለኹ ይብለና፡ ወትሩ ምሳና ምህላዉ ኣብ ዘለናዮ ደው ንኸይንብልን ፈጺምና ንኸይንፈርሕን የብቅዓና፡
ምስ እግዚኣብሔር ምጒዓዝ/ምምልላስ
እቲ ንኸነብዕሎ እንቀራረቦ ዘሎና በዓለ ልደት፥ እግዚኣብሔር ኣብ ዓለም ኣትዩ ንቕድሚት ክስጉም ምስኡ ንኽንመላለስ ሓይሊ ይህበና።” ምምጻኡ መገሻና ኮነ . . . ፈጺሙ ንበይንና ኣይሓድገናን እዩ።
“ኣብ ጉዳይና ኣብ ኩሉ ጉዳያት ህይወት ከሰንየና ትርጉም ናይቲ ጉዕዞ፡ ትርጉም ናይ መዓልታዊ ንምርካብ ክሕግዘና ብሃንቀውታ ይጽበየና . . . ኣብ እዋን ፈተና ትብዓት ክኾነና ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ውድቀት ብኢድና ኣተንሲኡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህቦብላ ንኽከላኸለልና ወትሩ ምሳኻትኵም እየ ይብለና።
ምስ ከምዚ ዝበለ ኣምላኽ ምስቲ ዓርክና ዝኾነ ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ክንኣምኖ ምስ እንኽእል ዓርኪ ብሓባር ክንጓዓዝን ምስኡ ክንመላለስን ሰናይ ኣይኮነድ ድዩ?
እንክብሉ ቅዱስነቶም ነቶም መንእሰያት ሓቲቶም፥ “ክቡራት ኣዕሩኽ ኪዱ! ነቲ ነፍሲ ወከፍኩም ዘለኩም ህያውነትን ክእለትን - ኩላትና እውን ኣሎና - ዓብይ ክእለት ዘይብሉ ሰብ የሎን። ንሱ ኣይንረስዕ! - ንኹሉ ተረባሒ ዝገብር ፍረ ዘፍሪ እዩ ቢሎም፡ ሰናይ ዘመነ ምጽኣትን በረኸትን ሓጎስ በዓለ ልደትን ተመንዮም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።