ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰለቶም ኣብ ዩክሬን ዝሳቐዩ ህጻናት ይጽልዩ!
ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ካብ ዩክሬን ዝተሰዱ ብናይ ቫቲካን ቅድስት ማርታ መሐብሓቢ ሕጻናት ንዝሕገዙን መንእሰያት ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ እዋን፡ ኩሉ ሰብ ንደቂ ዩክሬን ክዝክርን ምናዳ ኸኣ ስለቶም ዝሳቀዩ ሕጻናት ክጽለ ተላብዮም።
ዜና ቫቲካን!
ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ዝመጽእ ሰንበት በዓል ልደት ንምጽንባል ኣብ ትቀራረበሉ ዘሎ እዋን፡ ቅ.ኣ.ር.ሊ. ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ነቶም ብውግእን ካልእ ጸገማትን ንልደት ክርስቶስ ብሰላምን ውሕስነት ብዘለዎ መንገድን ከብዕሉ ንዘይክእሉ ብዙሓት ደቂ ዩክሬን ዘኪሮም።
ቅዱስነቶም ትማሊ ሰንበት ብናይ ቫቲካን “ሳንታ ማርታ” መሓብሓቢ ሕጻናት ዝሕገዙ ዘለው ህጻናት ከምኡ’ውን ምስ ወለዶምን ወለንተኛታት ሰራሕተኛታትን ተራኺቦም ኣብ ዩክሬን ሰላም ክህሉ ኩሉ ሰብ ክጽሊ ከምዚ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።
ቅዱስነቶም ኣብቲ ርክብ ዝካየደሉ ዝነበረ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝነበረት ባንዴራ ዩክሬን እናኣመልከቱ፡ ኣብ ልዕሊኡ “ሰላም” ዝብል ቃል ተጻሒፉ ከምዘሎ ብምዝኽኻር ነዙይ በሉ።
ስለ እቶም ኣብ ዩክሬን ዝሳቀዩ ዘለው ንጸሊ!
ቅዱስነቶም ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ፍርቂ መዓልቲ ምስ ነጋድያንን ምእመናንን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምስ ኣዕረጉ ስለ እቶም ኣብ ዩክሬን ዝሳቀዩ ክንጽሊ ነዚ ዚስዕብ ጻውዒት ኣቅሪቦም።
19 Dec 2022, 13:51