ር.ሊ.ጳ.፥ ክርስቲያን ሸቃሎ ኣብ ማሕበረሰብ ቤተ ክርስቲያን በታውያን ክኾኑ ኣለዎም!
ዕለት 9 ታሕሳስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ኣባላት ምንቅስቓስ ክርስቲያን ሸቃሎን ኣባይቲ ስድራኦምን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ከም እተራኸቡን ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ሰራሕተይናታት ብምታሕብባርን ንሓባራዊ ረብሕ ብምዕያይ ሕብረተሰብ ክሕድሱ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ነቲ ካብ ዝቐውም 50 ዓመታት ዘቝጽር ዘሎ ብሃገረ ቫቲካን ኣፍልጦ ዝተወሃቦ ፈደራላዊ ምንቅስቃስ ክርስቲያን ሸቓሎ ተቐቢሎም፥ እቲ ማሕበር ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ሕብረተሰብ ንዝገበሮ ኣበርክቶ ኣመስጊኖም፥ ብፍላይ ኣብ ዳግመ ህንጸት ዘካየዶ ጻዕርታት ኣማእኪሎም፥
እቲ መበል 50 ዓመት ዘብዕል ዘሎ ማሕበር ገዛእ ርእሱ ዝጽምብል ዘይኮነስ፡ ኣብቲ ናይቲ ምንቅስቃስ ናይ ታሪኽ ማህደር ዕዮ መንፈስ ቅዱስ ምልላይ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ዓበይቲ ፍጻሜታት ዘይኮነስ ኣብ ትሑታት መዓልታዊ ህይወት ዝፍጸም ፍጻሜታት ምልላይ . . .
ምንጻሕን ምልዋጥን
“. . . ኵላትና ሓጥኣን ምሕረት ኣምላኽ ዜድልየናን ስለ ዝኾንና ብቐጻልነት ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ተመክሮ ብቐጻሊ “ምንጻሕ” ከም ዘድሉ ኣተኮይሮም፥ ሃይማኖት ንምሕዳስ ዝድርኽ ምልክት ምቕራብን ምሃብን ብርታዐ ደኣ እምበር ድኽመት ከም ዘይኮነ ገሊጾም፥ . . . እዚ ድማ መንእሰያት ቦታ ንኽረኽቡ ክንፈቕደሎም ኣሎና . . . ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንሕዳሴናን ንሕዳሴ እንነብረሉ ቦታን ዕዮን ንኽንሕድስ ዘቕርቦ ምልክታ ንምልላይ ሓደራ ነንብቦ . . . “ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ተቐባሊ/ኣአንጋዲ ማሕበረሰብ ምቛም
እቶም ክርስቲያን ሸቃሎ “ድሕሪ እቲ ለበዳ ኮቪድ 19ን ዝተበታተኸ ቀጻሊ ሳልሳይ ኲናት ዓለም . . . መጻኢ ኣብ ዝጥመተሉ ዘሎ እዋን “ሓድሽ ወቕቲ - ተኽሊ” ክተኽሉ” ጻውዒት ዘቕረቡ ቅዱስንቶም ኣስዒቦም፥ እቲ ምንቅስቓስ ብፍላይ ማሕበርሰባት ቤተ ክርስቲያን ንክርስቲያን ሸቃሎ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ተቐባልነትን እንግዶትን ክህልዎ ጸገማቶም ሰሚዑን ኣብ ድሌት ምትሕግጋዝ ክዓዩ ኣተሓሳሲቦም፥
ማሕበራዊ ዘይምዕሩይነት መልክዓት ጊልያነትን ምዝመዛን ብሰንኪ ሕጽረት ስራሕ ወይ ትሑት ደሞዝ ዝፈጥሮ ድኽነት ዝጥቓዕ ስድራ ቤት ኣብ ማሕበርሰብ ቤተ ክርስቲያን ክስማዕ ኣለዎ!
ሕዳሴ ኣብ ምትሕግጋዝን ምትሕብባርም
ምንቅስቓስ ክርስቲያን ሸቃሎ ነቶም ድምጺ ዘይብሎም ድምጺ ክህቡን “እቲ ውሑድ ምዝጉብ ኣባላትኵም” ኣብ ሕብረተሰብ ድማ መባዂዕቲ ፍትህን ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ንምዃን ዝያዳ” ክተግሁን እተባቢዖም፥ ማንም ካብ ስራሕ ዓለም ከይንጸልን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን በገልግሎቶም እዅል ደሞዝ ክረኽቡን ከይምዝመዙን ኣተሓሳሲቦም፡ ንማሕበረሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ከም ምንጪ ሕዳሴ ክጥቀምሉ ኣመላኺቶም፥ “መትከላት ምትሕግጋዝን ምትሕብባርን ብግቡእ እንተተረዲኦም መሰረት ናይ ሓደ ንዅሉ ዝሓቁፍ ንማንም ዘይድርቢን ተሳትፎ ዘዕብን ሕበረተሰብ እዩ . . . በዘይ ትሕቲ ቅርጺ ሃቀይና ምትሕግጋዝ የልቦን፡ ምኽንያቱ ንዓቕምን ክእለትን ሰባት ድምጺ ናይ ዘይምሃብ ሓደጋ ከጋጥመና ስለ ዝኽእል።
ቅዱስ ዮሴፍ ኣስተንፍሶ ምግባር
ቅዱስነቶም ኣብ መደምደምታ፥ ንኣባላት ንምቅስቓስ ክርስቲያን ሸቃሎ ዕርቅን ሕውነትን ንምድንፋዕ ኣብ ዘካይድዎ ጻዕሪ ከይደኽሙ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ “ቅዱስ ዮሴፍ ብእምነትን ብውዕዉዕ ስምዒት ንኽትዓዩ ይደርኽኩም” እንክብል ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።