ኣብቲ ዝጸልመተ ሁመት መነባብሮና እውን ብርሃን ኣሎ! መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ንዓለምለኸ ዕለተሰላም 2023
ዓመት መጸ ባሕቲ ጥሪ ጎርጎርሳውያን ዓለምለኸ ዕለተ ሰላም ክትከውን ብቤተክርስትያን ካብ ትውሰን እነሆ 56 ዓመት ኰይኑስ ወትሩ ነዛ ዕለት እዚኣ ዝኸውን መልእኽቲ ብኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ይጸሓፍ። ንባሕቲ ጥሪ 2023 ዓምፈ ዝምልከት እውን ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ዓለምና ዝርከቡ ኩሎም ቅልውላዋት ዝተተሓሓዙ ምዃኖምን ንማንም ካብዚ ቅልውላዋት ከይንርስዕ ብምዝኽኻር ንሓባራዊ ሠናይ ዘመደ ኣዳም ክንሠርሕ ሓደራ ቢሎም።
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም ንናይ ሎምዘመን ዓለምለኸ ዕለተ ሰላም ኣርእስቲ ክትከውን ዝመርጽዋ ‘በይኑ ክድሕን ዝኽእል ሰብ የለን። ንለበዳ ኮቪድ-19 ብሓባር እናተቃለስና ብመንግድታት ሰላም ንምጒዓዝ ንንቀል’ ዝብል ኮይኑ፣ ብጎርጎርስያዊ መራሕ ዕለት ዕለት 1 ጥሪ 2023 ዓም ንዝዝከር መበል 56 ዓለምለከ ዕለተ ሰላም ዝኸውን መልእኽቶም ከምዘቅረቡ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።
ጽኑዓት ኩኑ!
እዛ ዓርቢ ዕለት 16 2022 ዓም ዝተዘርግሐት መልእኽቲ ቅዱስነቶም ካብ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ (5፡1-2) ብምጥቃስ ይኽፈት።
በዚ ድማ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንማሕበረሰብ ተሰሎንቄ ጽኑዓት ኮይኖም ክነብሩ ከም ዘተባብዖም ዝዘከሩ ቅዱስነቶም፣ ብተመሳሳሊ መንገዲ ንኣና እውን ዘሕዝን ፍጻመታት ንህይወትና ዝዓብለሎ ክመስል እንከሎ፡ ልብና ንተስፋ ክንከፍትን ኣብቲ ወትሩ ምሳና ብምዃን ብለውሃት ዘሰንየና፡ ኣብ ድኻምና እውን ዝድግፈና፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ፡ ንመገድና ዝመርሕ ኣምላኽና ብተኣማንነት ክንጽጋዕን ኣባኡ ክንጸንዕን ኣሎና ኢሎም።
ዘመነ ጸልማት ለበዳ ኮቪድ-19!
ኣብ ዝጸልመተ ሰዓት’ውን ብርሃን ኣሎ ዝበሉ ቅዱስነቶም ንዘመነ ጸልማት ለበዳ ኮቪድ-19 ከም ኣብነት ብምጥቃስ ከኣ፡ “እቲ ለበዳ ዋላ ነቲ ኣዝዩ ሰላማዊ ክፋላት ዓለምና ዝዝረገን ዘቆጠዔን ይመስል፡ ከማኡ እውን ንዝኾነ ተኣፋፍነት ደቂሰባት ዘጋለጸ ይመስል’ ኢሎም።
ቅዱስነቶም ብምቅጻል ሎሚ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት እቲ ለበዳ እውን እንተኾነ ገና ‘ከም ውልቀ ሰባትን ከም ሕብረተሰብን ክንልወጥ ኣብ ምልክጥ ሕቶ ክንኣቱ፡ ክንመሃር፡ ክንዓቢን ክንልወጥን ክንፈቅድን ምርጽ ግዜ ኮይኑ ኣሎ” እንክብሉ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝሰዓበ ሎሚ እውን “ካብ እዋን ቅልውላው ከም ቀደምና ኰና ብዘይለውጥ ኣይንወጽእን ኢና! ወይ ዝሓሽና ወይ ከኣ ዝሓመቅና ኰና ኢና እንወጽእ’ ኢሎም።
እዚ ተመኩሮ’ዚ፡ ህዝብታትን ሃገራትን ሓዊስካ፡ ኩሉ ሰብ፡ ነታ “ብሓባር” እትብል ቃል ኣብ መዝገበ-ቓላቱ ብምስፋር ኣብ ማእከላይ ቦታ ክንመልሳ ከምዘድሊ ብዝበለጸ ክንፈልጥ ኣኽኢሉና። ካብ ሕውነታውን ግብረመልሲ ዘይጽበ ፍቕርን ዝመጽእ ሰላም ጥራይ ኢና ንውልቃውን፡ ማሕበረሰባውን ዓውለማውን ቅልውላዋት ክንሰግሮም እንርዳእ።
እቲ ዝዓበየን እንተኾነ ኣዝዩ ተኣፋፊ ዝኾነ መዝገብ ሃብትና፡ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ደቂ ኣምላኽ፡ ኩልንስ ብሓባር እንካፈሎ ሰብኣውነት እዩ። ካባና ዋላ ሓደ እኳ በይኑ ክድሕን ኣይክእልን እዩ።
ሰብ ሰርሖ ውግኣት!
ቅዱስነቶም ካብዚ ብምቅጻል ዘመነ ኮቪድ ብቅልጡፍ ክሓልፍ እሞ ድሕሪኡ ገለ እንተሓሸ ደኣ በልና እምበር ድቦላ ውግእ ከምዘይተጸበና ከምዚ ክብሉ ገለጹ።
ቅዱስነቶም ነዚ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ጒድኣቱ እንክገልጹ ‘ንጹሃት ግዳያት ይዓጽድን ኣብቶም ብቐጥታ ዝተተንከፉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንኹሉ ሰብ ብሰፊሕን ብዘይ ኣፈላላይን፡ ነቶም ብኣሽሓት ኪሎሜተራት ርሒቖም ዘለው ከይተረፈ፡ ብሳዕቤናቱ ከም ዝሳቐዩን ኣደዳ ሕጽረት እኽልን ሰፍ ዘይብል ዋጋ ነዳዲ ምኽፋልን ከምዝኾኑ ገሩ’ እንክብሉ ቀረባኡ ዘለውስ ይኹኑ ካባኡ ርሑቅ ዘለው ብቀጥታን ብተዘዋዋሪ መንገድን ከቢድ ዋጋ ይኸፍሉ ከምዘለው ገለጹ።
በይኑ ክድሕን ዝኽእል ሰብ የለን
ቅዱስነቶም ብምቅጻል ነፍስወከፍና ኣብ ሕልናና ተመሊስና ካባና ዝድለስ እንታይ እዩ ቢልና ነዚ ከቢቡና ዘሎ ግድላት ክነስተንት ይዕድሙ። ብመንጽር እዚ ወሪዱና ዘሎ ከኣ ብቐዳምነት ልብና በዚ ዘጋጥመና ዘሎ ተመኲሮ ቅልውላው ክልወጥ ክነፍቅድ ምኽንያቱ ከኣ ከም ሓቁ እንክንዕዘቦ ድሕሪ ደጊም ንውልቃዊ ወይውን ነናይ ዓድና ረብሓታ ጥራይ ኣብ ምሕሳብ ክንሕጸር የብልናን! ኣብ ክንድኡስ ብመንጽር ሓባራዊ ረብሓ ክንሓስብ ከምዘሎና ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ነዚ ጸገም እዚ ንምፍታሕ ቅዱስነቶም ዘቅርብዎ ሓሳብ ከኣ ኩሎም ኣብ ሓላፍነት ዝርከቡን ሰናይ ድሌት ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን "ንኩሉ ዝኸውን ሓለዋ ጥዕና ምርግጋጽ ከማኡ እውን ሰላም ዘዕብዩ ተግባራት ምድንፋዕን ድኽነትን ሞትን ዝኸትሉ ቀጻሊ ግጭታትን ውግኣትን መወዳእታ ክግበረሉ ምጽዓር! ብቀንዱ ከኣ ንናይ ሓባር ገዛና ኣብ ምሕብሓብን ንለውጢ ክሊማ ንምምካት ንጹርን ኣድማዕን ስጉምትታት ኣብ ምትግባርን ምትሕብባርን የድሊ። ልዕሊ ክሉ ከኣ ንቫይረስ ዘይምዕሩይነት ንምምካትን ንኹሉ ዝኸውን መግብን ክብረት ሥራሕ ንምርግጋጽን፡ ነቶም ዋላ ዝተሓተ ደሞዝ ዘይብሎምን ኣብ ዓቢ ጸገም ዝርከቡን ምድጋፍ ከምዘድሊ እንተ እቲ ዓቢ ዕንቅፋት ዝበልዎ ዕንቅፋት ጥሜት ግን ገና ክፉት ቊስሊ ኮይኑ ከምዝቅጽል ብሕዙን ቃና ገሊጾም።
ኣብ ምዝዛም መልእኽቶም ቅዱስነቶም ካብ ታሪኽ ደኣ ኣይንመሃርን ኰና እምበር ከም ትምኒቶምሲ ካብ ታሪኽ ተማሂርና ያኢ ነቲ ዝተማሃርናዮ ዓቢ ግምት ብምሃብ ብሓባር ንክንጐዓዝ ከምዚ ክብሉ ሠናይ ምንዮቶም ገሊጾም።