ድለ

ዓለም ዕዉር ዓይኒ ክህበሉ ዘይከኣሎ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ! ዓለም ዕዉር ዓይኒ ክህበሉ ዘይከኣሎ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ! 

ዓለም ዕዉር ዓይኒ ክህበሉ ዘይከኣሎ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ!

ቅዱስ ኣቦና ብውሳኔ ሓኻይሞም ምኽንያት እቲ ኣብ ኮንጎ ንኸካይድዎ ዝነበሮም መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ናብ ኮንጎ ክናዋሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ እነሆ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ 2023 ዓ.ም. ናብ ኮንጎ ክጓዓዙ እዮም . . .

ዕለት 9 ታሕሳስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ 2018 ዓ.ም. ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንክጎ ኣደዳ ጾታዊ ዓመጽ ዝኾና ደቂ ኣንትዮን ሕይወት ኣብ ንምድሓንን ከይተሓለሉ ዝዓዩ ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚ ዶክተር ደኒስ ሙክወገ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም ናይ ስነ ማሕጸን ሊቅ ተወላዲ ኮንጎ ዶክተር ደኒስ ሙክወገ ዓርቢ ዕለት 9 ታሓሳስ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ቅዱስ ኣቦና ከም እተራኸቡን ድሕሪ እቲ ርክብ ዶክተር ሙክወገ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

ዘስካሕክሕ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ

ደቂ ኣንስትዮ መዓልታዊ ብደባይ ተዋጋእቲ ከም ዝዕመጻን እዚ ጾታዊ ዓመጽ ማሕበረሰብኣዊ ርክባት ንምብታኽ ዝጥቀምሉ ኣጽዋር ራዕዲ እዩ። መጽነቲ ዘርእን ደቂ ኣንስትዮ ንኢጸጋያነት ዝድርኽ መጋበርያ ገይሮም እዮም ዝጥቀምሉ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዳርጋ 80 ሺሕ ደቂ ኣንስትዮ ኣደዳ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝኾና ብመጥባሕቲ ካብ ብርቱዕ ቃንዛ ኣንስት ኣካል ክላቐቓ ከም ዝገበሩን፡ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 18 ሰዓት ከም ዝዓዩን ገሊጾም እቲ ዘገድስ እተን ኣደዳ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝኾነ ኣሕዋትና ካብ ስንኣእምሮኣውን ኣካላውን ስቓይ ተላቒቐን ሓድሽ ህይወት ንኽጅምራ ምሕጋዝ እዩ ኢሎም።

እተን ደቂ ኣንስትዮ ርእሰን ክኽእላን መዕቆቢ ክረኽባን ዝሕገዛሉ ማእከል ዝሓለፈ ዓመት ከም እተሃንጸን ህይወተን ዳግማይ ክጅምራ ኣብ ዘኽእለን ሞያ እውን ዝስልጥናሉ ንደቀን እውን መዕቆቢ ዝረኽብሉ ኮይኑ ዘገልግል እዩ፡ በዚ ዘቕርብዎ ዘለዉ ኣገልግሎት ምኽንያት ብዙሕ ግዜ ናይ መፈራርሒ መልእኽትታት ከም ዝበጽሖም ገሊጾም፡ እቶም ኤም 23 ዝጽውዑ ጒጅለ ዕጡቓት ሓይሊ ብሩዋንዳ ዝሕገዙ እዮም፡ እዚ ጒዳይ እዚ ማሕበርሰብ ዓለም ክኹንኖ ኣለዎ ይብሉ።

ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ንቅዱስ ኣብና ትጽበ

ቅዱስ ኣቦና ብውሳኔ ሓኻይሞም ምኽንያት እቲ ኣብ ኮንጎ ንኸካይድዎ ዝነበሮም መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ናብ ኮንጎ ክናዋሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ እነሆ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ 2023 ዓ.ም. ናብ ኮንጎ ክጓዓዙ እዮም . . . ንሕና ኮንጎኣውያን ነዚ ናይ ቅዱስ ኣቦና ምብጻሕ ብሓንቀውታን ዓቕልን ንጽበዮ ኣሎና” ምኽንያቱ “ናቶም ናብ ኮንጎ ምምጻእ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ዘቐይር ሓይሊ ዘበራብር ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ስለ ዘሎና እዩ” ይብሉ።

ኣስዒቦም እውን “ኣብ ሃገርና ብርሃን ንኽበርህ ዝድርኽ” ከምኡ እውን “ዓለም ለኸ መራኸቢ ብዙሓን ብዛዕባ እቲ ኣብ ኮንጎ ዘሎ ዘሰንብድ ኵነታት ቆላሕታ ኪህባሉን ንዓለም ለኸ ስልጣን ነዚ ሰብኣውነት ዝግህስ ግፍዒ ደው ንምባል ክዓዪ ኣድላዪ ስጉምትታት ንኽወስድ ዘነቓቕሕ፡ ነቲ ኣብ ኮንጎ ዘሎ ትሕቲ ሰብኣውነት ዘውርድ ኵነታት ሱቕ ኢሉ ካብ ምርኣይ ዘላቕቖ ኣጋጣሚ” እውን ከም ዝኸውን ዘለዎን ተስፋ ይገልጹ።

እቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ዘሰንብድ ኩነታት ድሕሪ እቲ ኣብ ሩዋንዳ ዝተፈጸመ ምጽናት አዓሌት ኣብ 1996 ዓ.ም. ዝጀመረን ዝቕጽልን ዘሎን ከም ዝኾነ እውን ሓቢሮም . . . ሎሚ እውን እንተኾነ ድሕሪ ልዕሊ 25 ዓመታት ኮንጎኣውያን ኣብ ኮንጎ መበቆሉ ብዘይኮነ ካብታ ጃምላዊ ቅትለት ዝተፈጸመላ ሃገረ ሩዋንዳ ብእትድግፎ ኣዚዩ ጉድኣት ብዘውርድ ዞባዊ ቅልውላው ይሳቐዩ ኣለዉ።”

ናብ ዓለም ሓቆፍ ዝቐርብ ጻውዒት

ዶክተር ሙክወገ ኣስዒቦም ንዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ዝተፈላለየ ሕቶታት ከም ዘቕረቡን . . . ጠለባት ኮንጎ ንጹር ምዃኑን እዚ ድማ ኣብታ ሃገር ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ክኽበር ምትብባዕን ከም ዘድልን፥ ኣህጉራዊ ሕጊ ከከም ዝደለኻዮ ዝቀያየር ፖለቲካውን ቁጠባውን ረብሓ መሰረት ዝትኮብ ወይ ዝትግበር ኣይኮነን ሰብኣውነት ዘማእከለ እዩ . . . ኮንጐ ትጥቃዕን ትውረርን ኣላ፡ ሎሚ ድማ ምስ ኣሸበርቲ ኤም 23 ብዝተኣሳሰሩ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ሩዋንዳ ትሳቐ ኣላ፡” ቢሎም ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ቀጺሎም እቲ እንሓቶ ዘሎና “ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ተግባራዊ ክኸውን እዩ፡”  ኵለን ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ሉኣላነትን ግዝኣታዊ መልክዓ ምድርን ክኽበር ዝጠልባ ክኾና ኣለወን፡ ከምኡ እውን እደ ኣታውነት ወጻኢ ሃገራት ከብቅዕ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ክኽበር ዝዓያ ክኾና ኣለወን . . . እቲ ዘገርም እቶም ኤም - 23 ኣሸበርቲ ሓይሊ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ካብ ዘለዋ ዝተራቐ ኣጽዋር ንላዕሊ ዝውንኑ ምዃኖም እዩ!  . . . እቲ ኣጽዋር እውን ካበይ ከም ዝኣትው ፍሉጥ እዩ . . . ምእንቲ እዚ ከምዚ ዓይነት ተሓባባርነት ክውገድ ጻውዒት ነቕርብ” ኢሎም።

እቲ ስቓይ ኣዚዩ ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፕባሊክ ኮንጎ ኣጋጢሙ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ተራእዩ ዘይፈልጥ እዩ። ሽዱሽተ ሚሊዮን ዜጋታት ዝተመዛበሉን መዕቆብን መግብን እውን ዘይብሎም ኮይኖም ኣለዉ!

ቤት ሕክምና ‘ፓንዚ’

እቲ ንሶም ዝሰርሕሉ ቤት ሕክምና ብቐዳምነት ንግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ዝኾና ሕክምና ጥራሕ ዘይኮነስ መግብን ናይ ጽሬት ናውቲ እውን የቕርብ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ኵሎም ህሙማን ኤይድስ ብነጻ ክንክን ዝረኽብሉን ብስእነት መግቢ ዝሳቐዩ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት እውን ሓገዝ ዝረኽብሉ እዩ። እቲ ቤት ሕክምና ነዚ ዅሉ ኣገልግሎት እዚ ንምቕራብ ድማ ካብ ገበርቲ ሰናይን ኣቢያተ ክርስቲያንን ካብ ካልኦት ሰብኣውያን ማሕበራት ብዝረኽቦ ሓገዝ ምዃኑ ይገልጹ።

መጻኢ ዕድል ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ

ኣብ ሎዕሊ ህዝብን ደቂ ኣንስትዮን ኮንጎ ዘለዎም ሕልሚ . . . ሰላም እዩ። ምኽንያቱ ሰላም እንተሎ ካልእ ኩሉ ስዒቡ እዩ ዝመጽእ። ኣብታ ሃገር ጽቡቕ ነገር ካብ ዘይረአይ እስታት 25 ዓመት ሓሊፉ ኣሎ . . . ሃገርና ዳግማይ ክትህነጽ ደቅና ኣብ ቅቡል ኩነታት ከነምህርን ሰላም መሰረት እዩ . . . ሰላም ኵሉ እቲ ሎሚ ዝርአ ዘሎ ስእነት መግብን ስእነት ስራሕን ከወግድ ዝክእል ባይታ እዩ እንክብሉ ሕልሞም ሰላም ምዃኑ ገሊጾም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።

10 Dec 2022, 16:54