ድለ

ቅድስት እኖና ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፕ እግዚኣብሔር ምስ ደቂሰባት ዘለዎ ቅርበት ተር እየና! ር.ሊ.ጳ

ዓመት መጸ ኣብ ሃገረ መክሲኮን ምሉእ ደቡብ ኣመሪካን ብዓቢ ክብሪ ዝዝከር ዓመታዊ ክብረ በዓል ጠበቃ ሃገረ መክሲኮን መላእ ደቡብ ኣመሪካን ዝኾነት ቅድስት እኖና ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፕ ንምዝካር ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስስኮ ኣብ ብዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም፤ ‘ኣብ መላእ ኣሜሪካ ዝርከቡ ሰባት ድማ ስለ ኹሉ ዝግደስ ባህሊ ንምህናጽ ከም ኣብነታ ክኽተል እዚ ከኣ ነቶም ዝሓሸ ሕይወት ክረክቡ ኣብ መንጐኦም ንዝርከቡ ስደተኛታት ከይተረፈ ክኸውን እላቦ’ እንክብሉ ከምዝሰበኹ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

እዚ ብልማድ ኣብ ኣመሪካ ጥራይ ተሓጺሩ ኣብ ብዙሓት ታሪኽ እዛ ተኣምራታዊት ድንግል ማርያም ዝበጽሖ ቦታት እውን ብ ዓቢ ክብሪ ዝበዓል ዝኽሪ በዓል ቅድስት እኖና ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፕ ኣብ መንበረ ጴጥሮስ እውን ካብ ከርሢ ደቡብ ኣመሪካ ዝኾነ ር.ሊ.ጳ ካብ ዝሥየሙ ንደሓር ዓመት ዓመት ከምዝበዓልን ቅዱስነቶም ባዕሎም ነቲ መሥዋዕቲ ቅዳሴ ከምዝመርሑን ዝዝከር ኮይኑ ትማል ሰኑይ እውን ቤተ ክርስቲያን በዓል ቅድስት እኖና ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፕ ኣብ ዘኽበረትሉ እዋን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም።

ቅዱስነቶም ኣብ ዘቅረብዎ ስብከት ‘ኣምላኽ ንዓለምና -ዓዲ  ድኻታትን ውጉኣትን ኮይና ክትተርፍ ሱቊ ቢሉ ኣይጥምትን እኳ ደኣ - ብርሕራሔኡን  ምሕረቱን ክሕግዛ ካብ ምክትታላ ኣየቋርጽን እዩ፣ እቲ ጣልቃ ዝኣትወሉ ኣገባብን፡ ንርእሱ ዝግለጸሉ ኩነታትን፡ ኩሉ ግዜ የገርመና፡ ብሓጐስ ድማ ይመልኣና’ ኢሎም። ነዚ ከኣ እግዚኣብሔር ብወላዲት ወዱ ገቢሩ ቅርበቱ ብዝገልጸልና ዝተፈላለዩ ግልጸታትን ተኣምራታትን ገቢሩ ከምዘግህዶ ኣዘኻኺሮም።

ኢየሱስ ወትሩ ኣብ ቀረባና ኣሎ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ገላትያ ናይታ ዕለት ንባብ ከስተንትኑ እንከለዉ፡ እግዚኣብሔር ንወዱ ‘ካብ ሰበይቲ ዝተወልደ’ በጃና ብምሕላፍ ስለ ድሕነትና ክሰርሕ ከም ዝለኣኾ ብምዝኽኻር እግዚኣብሔር ‘በቲ ካብ ማርያም ዝተወልደ ኢየሱስ፡ ገቢሩ እቲ ዘለኣለማዊ ዝኾነ ናብ ሓላፊ ግዜና ይኣቱ እሞ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ንዘለኣለምን ‘ኣምላኽ-ምሳና’ ኣማኑልኤ ይኸውን፡ ከም ሓውናን ብጻይናን ኣብ ጎንና ይመላለስ” ኢሎም።

ቅዱስነቶም ብምቅጻል እቲ ም እንታና ሰብ ዝኾነ ኢየሱስ እንትርፊ ብሓጢኣት ብኩሉ ኩሉ ንዓና መሲሉ ከም ሓደ ፈታዊናን ዓርኪ መሓዛናን ወትሩ ምሳና ይጐዓዝ ኢሎም።  ከምዚ ብምግባሩ ከኣ ነቲ ብሰሪ ሓጢኣት ወለድና ዝጠፍ ኤ ክብሪ ግርማን ትርጉም ሕይወትናን ዳግም ከም እንውንን ይገብረና።

ትርጉም ሕይወትናን ክብሪ ግርማናን ዳግም ምልባስ!

ቅዱስነቶም ናብ ታሪኽ ተገልጾ ቅድስት እኖና ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፕ ምልስ ቢሎም ነቲ ብ1531 ዓ.ም. ንሕዝቢ እቲ ከባቢ ንከተጸናንዕ ኣብ ጓዳሉፐ ናይ ሎሚ መክሲኮ ዝገበረቶ ተኣምር ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ቅድሚ ሓሙሽተ ዘመናት ኣቢሉ፡ ንነበርቲ ናይዚ ኣብ ዘመኑ ሓዲስ ዓለም ዝነበረ ኣብ ዝተሓላለኸን ኣጸጋምን እዋን፡ ጎይታ ነቲ ኣብ መንጎ ክልተ ዝተፈላለያ ዓለማት ብዝነበረ ፍልልይ ዝወረደ ኣደራዕ ናብ ንምፍዋስ ትርጉም ሕይወትን ክብሪ ግርማ ሰብን ንክመልስ ነቲ ኩነታት ናብ ክፉትነት ወንጌል ክቕይሮ ደለየ። በዚ ከኣ ኣብ ማእከል ኢፍትሓውነትን ውግእን ንዝነበረ ሕዝቢ ድሕነት ከምዝበጽሖ ገበረ።”

ድሕነት ኣብ ማእከል ኲናትን ኢፍትሓውነትን!

ቅዱስነቶም ነቲ ቅድሚ ዘመናት ቅድስት እኖና ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፕ እብክትግለጽ ዝነበረ ኩነታት ምስዚ ሎሚ ንሕና ነሕልፎ ዘሎና ብምትእስሳር ‘ንኣድማስና ዘጸልምትን ዘሰክፍን ከም ዝመስል ዝገብሮ ደርጓዕጓዕ ኲናት፡ እናከፍኤ ዝኸይድ ዘሎ በደል፡ ጥሜት፡ ድኽነትን ስቓይን ካልእ ብዙሕ ናይ ጥፍኣት ምልክታትን እኳ እንተሃለወ፡ ሕጂ እውን እንተኾነ ንሕውነት ሃንጐፋይ ቢልና ብምቅባልን ንርእሰ-ፍትወት ንጎድኒ ብምግዳፍን ዘሎናዮ ግዜ ገና “ምቹእ ናይ ምድሓን ግዜ” ምዃኑ ብምዝኽኻር እግዚኣብሔር ይጽዋዓና ኣሎ።

“ቅድስት እኖና ድንግል ማርያም ወትሩ ምሳና ክትከውን እያ እትደሊ። ኣዴና ክትከውን፡ ህይወትና ንወዳ ኢየሱስ ክንከፍቶን መልእኽቱ ብሓጎስ ክንቅበሎን፡ ምፍቃር ክንመሃርን ሓደራ ትብለና።”

ማርያም፡ ቀረባ ስደተኛታት!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ ኣሜሪካ ንዝርከቡ ብዙሓት "ድኽነት፡ ምዝመዛ፡ ማሕበረ-ቁጠባውን ባህላውን መግዛእቲ" ንዝጻወሩ ስደኛታ ብምዝካር ነዚ ዚስዕብ ሓጺር መጸናንዒ ቃላት ለገሱ።

“ቅድስት እኖና ድንግል ማርያም ኣብ ማእከል እቶም ናጽነት ደልዮም ናብ ሰሜን ገጾም ዝጓዓዙ ቃፍላያት እያ ዘላ። ኣብ ማእከል እቲ ብኣረሜናውን መዝማዝን መግዛእታት ተጠቂዑ መንነቱ ኣብ ሓደጋ ዝወደቐ ህዝቢ ኣመሪካ እያ ዘላ፣ ኣብ መንጎ እዛ ሰኣን ስብከተ ወንጌል ዝቈሰለትን ብተግባር ኣረሜን ዝኾነትን ሃገር ኮይና ኣነ ኣደኹም እየ እናበለት ኣባኡ ኣላ። ስለ ተሓድሶ ማሕበረሰብና ንጸሊ።”

ስለ ተሓድሶ ሕብረተሰብና ንጸሊ!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ስብከቶም ናብ ታሪኽ ግልጸት ቅድስት እኖና ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፕ ምልስ ይብሉ እሞ ብደሓነ ሰላም የጽንሓና ዝመጽእ 2031 ዓ.ም. ናይቲ ግልጸት መበል 500 ዓመት ክዝከርን ነዚ ክብ ብዝበለ ንምብዓል ኣብ ምሽብሻብ ንዝርከቡን ከምዚ ክብሉ ኣተባብዑ።

“ኩሎም ኣባላት ውሉደ ክህነት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣመሪካ፡ ጓሶትን ምእመናንን ኣብዚ እግዚኣብሔር ብቅድስት እኖና ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፕ ኣቢሉ ምሳኡ ርክብ ንምስፋሕ ዝመደበልና ዝኽሪ፡ ንተሓድሶ ማሕበራውን ቤተ ክርስቲያናውን ዝዓለመን ብናይ ሕዝብታት ቂሔ ጽልሚ ዝወቀበን ናይ ጽምብል ጉዕዞ ክትሳተፉ እላቦ፤ ጐይታና ኢየሱስ ንኹሉ ሰብ ብሓጐስን ሰላምን ዝመልኣ መዓልታት ክህብ ንጸሊ፤ ሰላም ጎይታ ኣብ ልብናን ኣብ ልቢ ኩሎም ሰናይ ድሌት ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ምእንቲ ክሓድር ንጸሊ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
13 Dec 2022, 18:37