ር.ሊ.ጳ.፥ ገሊኦም ቃላተይ ካብ ዓውደ ምሉእ ሓሳባቱ ኣውጺኦም ናብ ዝደልይዎ ይወስዱኒ
ር.ሊ.ጳ. ፍንቸስኮ ብቋንቋ ስፓኒሽ ምስ ዝሕተም ኤቢሲ ምስ እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ዋና ኣሰናዳኢ ኹሊያን ኵይሮስን ናይቲ ዕለታዊ ጋዜጣ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣብ ቅድስቲ መንበር ኻቪየር ማርቲነዝ ብሮካል ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዕለት 18 ታሕሳስ ምሉእ ሕትመቱ ንንባብ ክበቕዕ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ኣብ ገለ ገለ እዋን ዝብልክዎ እናቖናጸቡ ሓሳበይ እናወስዱ ይጥቀሙለይ እዮም። ንሕና እውን ንኣምላኽ ብዝያዳ ኢና እንጥቀመሉ። ስለዚ ሱቕ ቢለ ንቕድሚት እብል።
ብዛዕባ ሕማም ብርኪ. . . ድሮ ብእግረይ እየ ዝኸይድ ዘለኹ። ስለዚ መጥባሕቲ ክገብር ኣይደልን ምባለይ ምስ ግዜ ቅኑዕ ኮይኑ ተረኺቡ . . .
ዕለት 13 መጋቢት ር.ሊ.ጳ. ኮይንኩም ካብ ትሕረዩ ዓስራይ ዓመት ከተብዕሉ ኢዅም። ምምራጽኵም ንዅላትና ሃንደበት እዩ ነይሩ . . . ንኣይ እውን! ኣነ ድሕሪ እቲ ር.ሊ.ጳ. ንምምራጽ ዝእከበ ጉባኤ ካርዲናላት ከም ዝመጻኹዎ ናብ ሰበኻይ ቦኖስ ኣይረስ ቅድሚ በዓለ ሆሳዕና 2013 ዓ.ም. ክምለስ ድሮ ናይ መምለሲ ትኬት ኣብ ኢደይ እዩ ዝነበረ . . . ኣንሕና ንሓስብ እቲ ዝውስን ድማ እግዚኣብሔር እዩ።
ምስ ሕዝቢ ምስ ሰባት ምርኻብ . . . ምስ ሰብ ምርኻብ ሓይሊ እዩ ዝህበኒ በዚ ምኽንያት ኢዝ እዩ ድማ መደብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ክቋረጽ ዘይደለኹ።
ር.ሊ.ጳ. ኣብ ምዃን ዝኸብደኵም እንታይ እዩ? ኣብ ጎደና ክወጽእ ዘይምኽኣለይ። ከምቲ ኣብ ኣርጀንቲና ናይ ቦኖስኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት እንከለዅ ዝገብሮ ዝነበርኵ። ኣብኡ ኣዝየ ናጻ እየ ነይረ። . . .
እትዛረብዎን እትብልዎን ኵሉ ክዕቀንን ክትርጎምን ምናልባት እውን ክትብልዎ ብዘይደለዅምዎ መገዲ ተገሊጹ ክርከብ እንከሎ እንታይ ይስምዓኵም . . . ምስ ሰባት ብዙሕ ስለ እትራኸብ ስእልኻ እውን ከይተረፈ ንረብሓኦም ከውዕልዎ ዝደልዩ ኣለዉ . . . ተገይሩ እውን እዩ። ሓደሓደ ግዜ ናይቲ ዝብሎ ተርጎምቲ የጋጥም፡ ቃላተይ ካብቲ ዓውዱ ኣውጺኦም ከም ዝደልይዎ ኣናተርጐሙ ናብ ዝደልይዎ ክወስዱኑ ይደልዩ። ቃላተይ ካብቲ ዓውዱ እንተድኣ ኣውጺእካዮ ካልእ ማለት እዩ። ቃላተይ ምዃኑ እዩ ዝተርፍ።
ክሳብ ክንድዚ ብናጽነት ጋዜጣዊ መግለጺ ድዩ ቃለ መሕትት ዝሃቡ ር.ሊ.ጳ. ቅድሚ ሕጂ ኣይነበሩን . . . ቅዱስነቶም ነዚ ሓሳብ እዚ ግዜ ተቐይሩ እዩ እንክብሉ ይገልጽዎ።
ንበዓለ ልደት እንታይ ህያብ ምሓተትኵም . . . ሰላም ኣብ ዓለም፡ ሰላም ንዓለም፡ ኣብ ዓለም ብዙሕ ውግእ ኣሎ እቲ ኣብ ዩክረይ ዘሎ ብቐረባ ዝጸልወና. . . እንተኾነ ግን ንዓሰርተ ሰለስተ ዓመት ኣብ ውግእ ዘላ ሚያንማር የመን ሶርያ ኣብ ዓለም ብዙሕ ኲናትን ዕግርግርን እዩ ዘሎ . . . ስለዚህ ዝሓቶ ህያብ ሰላም ንዓለም እዩ!
ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና እዚ ቅዱስነቶም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዕለት 18 ታሕሳስ ምሉእ ሕትመቱ ንንባብ ክበቅዕ ምዃኑ ዕለታዊ ጋዜጣ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።