ር.ሊ.ጳ ኣብ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህረ ክርስቶስ፥ “እግዚኣብሔር ዘቕርበልና ኵሉ ብፍቕሪ ንቀበል!
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ዕለት 25 ታሕሳስ በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ዕለት 29 ታሕሳስ ናይ 2022 ዓ.ም. መወዳእታ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዝለገሱን እቲ ቅዱስነቶም ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ልደት ክርስቶስ ዘስተትን ከም ዝነበረን፥ “እግዚኣብሔር ስለ ዘፍቅረናን ዝበለጸ ስለ ዝምነየልናን ንዅሉ ዝህበና ዘበለ ብፍቕሪ ንቀበሎ” እንክብሉ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቤተ ክርስቲያን ካብ ዕለት 25 ታሕሳስ በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ንሸሞንተ መዓልታት እተብዕሎ በዓል ምዃኑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ጽርሓ ንዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መእመናን ኣዘኻኺሮም፡ ኣብ በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ኣተኲይሮም፥
ካብቲ ቤተ ክርስቲያን መበል 400 ዓመት ኣብ ሰማይ ቤት ውልደቱ እትዝክረሉ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቕ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ደ ሳለስ ኣስተንፎ ገይሮም፥ ኣብዚ ሊቕ ቤተ ክርስቲያንን ቅዱስ ፈረንሳዊ ወዲ ቤተ ክርስቲያን ማእከል ዝገብረ “ኩሉ ናይ ፍቕሪ እዩ” ዘርእስቱ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ሎሚ ዕለት 28 ታሕሳስ ከም ዘሕተሙ ገሊጾም፥
ትሑት ውልደት
ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፡ ብዛዕባ ትሕትና ዝመልኦ “ልደት ኢየሱስ ኣብ ቤተልሔም ኣብ ዝርከብ መብልዒ ማል” ኣብኡ ድማ ኣዲኡ ማርያም ድማ ኣብቲ መብዒ ማል ከም ዘንበረቶን ኣብቲ በዓቲ ምውላዱ ዝነግር ሓቂ ወንጌላዊ ሉቃስ የጉልሖ፡ እዚ ድማ ንዅሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝምልከት ምልክት ምዃኑ ገሊጾም፥
ኢየሱስ ሰብ ብምዃን ክብሩ ገፊፉ ትሕት ኢሉ ዘድሕነና ወልደ እግዚኣብሔር እዩ!
ቅርበት ኣምላኽ
እዚ ሓቂ ከመይን ኣበይን ኩነት ምውላዱ ዝገልጽ ዝርዝር፥ “ናይ እግዚኣብሔር ቅርበትን ርህራሄን ለውሃትን” ምሉእ ብምሉእ ዝገልጽ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ እግዚኣብሔር “ሓቁን ፍትሑን ኣብ ልዕሌና ካብ ምጽዓን - ብፍቕርን ብለውሃትን ናብ ገዛእ ርእሱ ክስሕባና ወይ ክማርኸና ይደሊ።”
ፍቕሪ፥ እግዚኣብሔር ናብኡ ክማርኸና ወይ ክስሕበና ናይ ዝደልየሉ መገዲ መፍትሕ እዩ።፥
ፍቕሪ ኣምላኽ ከምቲ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ፍቕሪ ደቂ ሰባት ብዙሕ ግዜ ዝገብሮ ዋንነትን ንነብሱን ጥራይ ዝሓሰብ ኣይኮነን። ፍቕሩ ንጹሕ ህያብ ንጹሕ ጸጋ እዩ! ኵሉን ንዓናን ንጽቡቕናን እዩ!
ምቁርነትን ትርነትን
ካልእ ፍሉጥን ግልጽን መዳይ እቲ መብልዒ ማል፥ “ድኽነትን ንዅሉ ዓለማዊ ከንቱነትን ጣዕምን ኣይፋል ናይ ምባል ምልክት” ዝብል እዩ። ንቕዱስ ፍራንቸስኮ ደ ሳለስ ጠቒሶም፥ “ከምዚ ዝኣመሰላ ዘይቹእ ዝኽርኩሕ ነቲ መደቀሲ ኣሓ - ዓራቱ ኪገብር። ለውሃትን ጽንዓትን ፍቕርን ሓዘንን መቐረትን ትርነትን” ዘወሃህድ እዩ። ገዛእ ርእስኻ ፍጹም ናይ ምኽሓድ ተግባር እዩ። ነዚ ይምህረና።” ፍቕሪ ኣምላኽ ናይ ሕሙም ፍቕሪ መግለጺ ከም ዘይኮነ እንከረድኡ፥
በዓለ ልደት ብርግጽ ሓጐስን በዓልን - ጽንብልን እዩ፡ ግን ከኣ ተራን ዕቱብን እዩ።
ንዅሉ ብፍቕሪ ምቕባል
ቢሎም ቅዱስነቶም ስለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተራ ቦታን ከባብን ምውላድ ነፍሲ ወከፍና ነቲ እግዚኣብሔር ዝህበና ደስ ዘብልን ዘየብልን ነግራት ሓንጎፋይ ቢልና ክንቕበል ዝዕድም እዩ፡ ዋላ ሓደ ሃረር ከይበልና ዋላ ሓደ ከይነጸግናን ኵሉ እቲ እግዚኣብሔር ዝሰደልና ዘበለ ሓንጎፋይ ቢልና ንቀበሎ፥ ምኽንያት ኣምላኽ ስለ ዘፍቅረና ሰናይና ጥራይ ድማ ስለ ዝደሊ፥ ኩሉ ሳዕን ስለ ንፍቕርን ስለ ዝኾነ ኣንሕና እውን ኵሉ ሳዕን ስለ ፍቕርን ንግበር” እንክብሉ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።