ልደት ኢየሱስ ኣብዚ ሓሽሽ ሓሽሽ ዝብል መንፈስ ዝሃወጾ ዓለምና ቅርበት ኣምላኽ የርእየና! ር.ሊ.ጳ
ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ለይቲ በዓለ ልደት ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም። ኣብቲ ቅዳሴ ንዝተሳተፉ ብዙሓት ካርዲናላትን ጳጳሳትን ካህናትን ውሉደ ክህነትን ምእመናን ከማኡ እውን ብመራኸቢ ብዙሓን ካብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ንዝከታተልዎም ዝነበሩ ኣብ ዘቅረብዎ ስብከት ‘ፈጣሪ ዓለማትን ከኣል ኩሉን ጐይታ ንድሕነትና ኣብ ዝተወልደሉ ቦታ ስኢኑስ እኖኡ ኣብ መብልዕ ማል ኣደቀሰቶ እዚ ከኣ ብቀንዱ ቅርበት እግዚአብሔር ብድኽነት ዘርኢ ጭቡጢ እዩ!’ ኢሎም።
ዜና ቫቲካን
ቅዱስነቶም ድሕሪ ንባባትን ብሥራት ቃል ወንጌልን ንቁሩብ ካልኦታት ዝን ቢሎም ድሕሪ ምጽናሕ ህልው ኩነታት ዓለምና ንኩልና ዓፊኑ ወላ ነዛ ናይ ታሕጓስ ዕለት እውን ብምንጽልላው ኣጆኹም እግዚአብሔር ኣብ ጐድንና እዩ ዘሎ ብዘስምዕ ቃና ነቲ ጐይታ ደጋጊሙ ብቃሉን ብኪዳኑን ብግብርን ዘርኣዮ ጒስነትን ሓልዮትን ዳግም ብምርግጋጽ ‘ብፍጻመታት ዝሃለኽካ ኮይኑ እንተተሰሚዑካ፡ ብናይ በደልን ዘይብቕዓትን ስምዒት ተሓቂኻ እንተሎኻ፡ ጥሜት ፍትሒ እንተልዩካ፡ ኣነ ኣምላኽካ ወትሩ ምሳኻ ኣሎኹ’ ንዝብል ጠቂሶም በዓለ ልደት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ክርስትያናን ዘቅርቦ መረጋገጺ ኣቕሪቦም።
ቅዱስነቶም ኣብ ስብከቶም ሽሕ’ኳ ሓሽሽ ሓሽሽ ዝብል ባህሊ ዘመንና ሃለኽለኽ እንተበልና ወንጌል ልደት ኢየሱስ ግን “ናብቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ቦታ ክመርሓና” ከም ዝደሊ ኣዘኻኺሮም። ኣብ ቅዳሴ ዝቀረበ ወንጌል ሉቃስ 2 ኮይኑ እቲ ወትሩ ዝደጋገመና ታሪኽ ልደት ክርስቶስ እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም መዓልቲ ምላዳ በጺሑ ንኢየሱስ ምስ ወለደት ኣብ መብልዕ ማል ከምዘደቀስቶ ኣብ ዝትርኻ ቁሩባት መስመራት ነዛ መብልዕ ማል እትብል ቃል ሠለስተ ግዜ ከምዝደጋግማ ንምልከት። ናይዚ ትርጉም እንክገልጹ ከኣ ‘ወንጌላዊ ሉቃስ በዛ መብልዕ ማል እትብል ቃል ገቢሩ እግዚአብሔር፡ ብወዱ ኢየሱስ ገቢሩ ቅርበቱን ድኽነቱን ከማኡ እውን እቲ ኩነት ጭቡጥ ምዃኑ ከርእየና ድልየቱ ከምዝኾነ ንክረጋግጸልና እዩ’ ኢሎም።
ብምልክት ንጽገት ዝኾነ መብልዕ ማል ቅርበት!
ቅዱስነቶም ካብቲ ብዙሕ ምልክታት ትሕትናን ድኽነትን ዘይተቃበልነትን ዝኾኑ ፍጻሜታት ልደት ናብታ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ውልድ ምስ በለ እኖና ድንግል ማርያም ዘንበረቶ ስፍራ መብልዕ ማል የተኩሩ እሞ ብቀዳምነት ነዚ ናይ ዝመንና ኩነታት ስስዔ ብልዕን ሃልክን ዘመልክት ኮይኑ ከምዝረኣዮም እዚ ከኣ እቲ መብልዕ ማል ከም ዕላማ ነቲ መግቢ ጥርንፍ ኣቢሉ ንምቅራብን ቀልጢፈን ክበዓልን ዝግበር ብምንባሩ ናይ ዘመንና ናይ ምህላኽ ሸውሃት ኣውን ከምዝመሳሰሎ ናይ ዘመንና ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን እውን ብጥሜት ሃብትን ሥልጣንን ሃነፍነፍ እናበሉ ንጐረባብቶም ንኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ከይተረፈ ይበልዑ ከምዘለው ከምዚ ክብሉ ዝተሰምዖም ምረት ገሊጾም።
መጠን ውግኣትን ፍትሒ ምጒዳልን ምብዛሑ መጠኑ ክብርን ናጽነትን ደቂ ሰባት ብፍላይ ድማ ናይ ሕጻናት ይምህምን። እንተኾነ ወዲ ኣምላኽ ኣብቲ ሕሱም መነባብሮ ደቂሰባት ዝኾነ ሃዋሁ ህላዌኡ ንክገልጽ ኣብቲ ናይ ምንጻግን ዘይምቅባልን ምልክት ዝኾነ መብልዕ ማል ተወሊዱ። እወ ኣብኡ፡ ኣብቲ ሕሱም መነባብሮ ደቂሰባት ዘመልክት ኣብቲ መብልዕ ማል፡ ክርስቶስ ይውለድ፡ ኣብኡ ድማ ምሳና ዘለዎ ቅርበት ንረክብ። ናብኡ፡ ናብቲ መመገቢ ቦታ መግብና ምእንቲ ክኸውን ይመጽእ።
ኣብ ቅርበት ኣምላኽ ምትእምማን!
ቅዱስነቶም ብምቅጻል እግዚኣብሔር ንደቁ ዝበልዕ ኣምላኽ ዘይኮነስ -ብለውሃት ፍቕሩ ዝምግበናን ብትሕትና ዝቀርብን ስለዝኾነ ነፍሲ ወከፍና ነቲ ኣብ ስቃይናን ብሕትውናን ዘርእየና ቅርበት ኣምላኽ ኣብ ልቢ ክንሕዞ ከም እንኽእል ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
እቲ ቀዳማይ መልእኽቲ መለኮታዊ መብልዕ ማል ልደትጀስ፡ ኣምላኽ ምሳና ከምዘሎ ይነግረና፤ የፍቅረና ይደልየና እውን እዩ። ኢየሱስ ካባኡ ከድሕነና ዘይደሊ ክፍኣተ ግብሪ ይኹን ሓጢኣት የለን። ንሱ ድማ ይኽእል እዩ። በዓል ልደት ማለትከስ እግዚኣብሄር ይቐርበና ማለት ስለዝኾነ ሃየኸስ ብርእሰ ተኣማንነት ዳግማይ ንወለድ!
ኣብ ድኽነት ኢየሱስ ዝርከብ ሓቀኛ ሃብቲ!
ብድሕሪ’ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ናብቲ ብዘይካ ፍቕሪ ካልእ ዘይርክቦ ብኣዝዩ ውሑድ ሓሰር ዝተኸበበ መብልዕ ማል ዝግለጽ “ድኽነት” ዝግለጽ ድኽነት መብልዕ ማል ክብሉ ዘቅረብዎ መልእኽቲ ልደት ሎምዘመን ብዝምልከት ከምዚ ቢሎም።
ድኽነት መብልዕ ማል፡ እቲ ሓቀኛ ሃብቲ ህይወት ኣበይ ከም ዚርከብ የገንዘበና። እዚ ሃብቲ እዚ ብገንዘብን ሓይልን ዘይኰነስ: ኣብ ርክባትን ኣብ ደቂሰባትን እዩ ዝርከብ። እቲ ዝዓበየ ክንበጽሖ እንኽእል ሃብቲ ኢየሱስ ጥራይ እዩ፣ ነዚ ከኣ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ኣብ ድኻታት ዓለምና ንድኽነቱ ከነፍቅርን ከነገልግልን ኣብ እንመሃረሉ ግዜ እዩ። ነቲ ጽንኩር ጽባቐ በዓቲ ቤተልሄም ንምሕቋፍ ነቲ ምቹእ ሙቀትን ጣዕምን ዓለማዊነት ክትገድፍ ቀሊል ኣይኰነን፣ እንተኾነ ብዘይ ድኻታት ሓቀኛ በዓለ ልደት ከም ዘይኰነ ንዘክር።
ኣምላኽ ንጽንኩር ኩነታት ናብራ ደቂ ሰባት ሃንጐፋይ ቢሉ ይቅበሎ!
ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ኣብቲ ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱ ዝተራእየ ኢየሱስ ብምትኳር እዚ ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱ ዝረኤ ኢየሱስ ሕጻን ብዘገርም ኣገባብ ሽሕ’ኳ ጽንኩር እንተኾነ ኣምላኽ ብሓቂ ሥጋ ከምዝለበሰ የዘኻኽረና። ኢየሱስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህሞት ሕይወቱ ንኣና ዘለዎ ፍቅሪ ወትሩ ከም ትርግታ ልቢ ዚሃርምን ጭቡጥን እዩ፣ ከመይ ድሮ ኣብ ሕጻንነቱ ትሪ ዕንጸይትን ከርፋሕ ናብራናን ሃንጐፋይ ቢሉ ተቀቢልዎ እዩ። ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱ ዘሎ ሕጻን እንክንምልከት ከርፋሕ ናብራ እኳ እንተኾነ ልብና ይትንክፍ እዩ “ብማርያም ብለውሃት ተጠቕሊሉ” ክድቅስ ከሎ፡ ኢየሱስ ነቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ኣዝዮም ዝጽገሙ ዘለው ብምርዳእ ፍቕርና ክለብስ ከም ዝደሊ የርእየና።
ኢየሱስ ንእምነትና ስጋን ሕይወትን የልብሶ!
ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ስብከቶም ‘ኣብ ልቢ እቶም ተስፋ ዘይብሎም ተስፋ ከም ብሓድሽ ምእንቲ ክውለድ’፡ ኩሉ ሰብ ብዝተኻእሎ ንኻልኦት ጽቡቕ ነገር ብምግባር ንበዓል ልደት ከብዕል ብምዕዳም በዛ እትስዕብ ጸሎት ወዲኦም።
ኦ ኢየሱስ፡ ኣብ መብልዕ ማል ደቂስካ ንርእየካ ኣሎና። ወትሩ ቀረባና ኰንካ፡ ወትሩ ኣብ ጎንና ንርእየካ ስለዘሎና: ተመስገን ኦ ጐይታ! ከም ድኻ ኢና ንርእየካ ዘለና፣ እዚ ከኣ ሓቀኛ ሃብቲ ኣብ ሰባት እምበር ኣብ ነገራት ከምዘይኮነ ምናዳ ኸኣ ኣብ ድኻታት ከምዘሎ ንክትምህረና እዩ! ኣብ ድኻታት ክነለልየካን ክነገልግለካን ዘይከኣልና እንተዀና ይቕረ በለልና፣ ከም ህርመት ልቢ ስለእተፍቅረና ፍቅርኻ ብጭቡጥ ንርዮ ኣሎና። ኦ ጐይታ ንእምነትና ስጋን ህይወትን ክነልብሶ ሓግዘና።