ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ምእንቲ በነዲክቶስ መበል 16 ክጽለ ይሓቱ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ኩሉ ስለ እቶም ብብርቱዕ ሓሚሞም ዘለዉ በነዲክቶስ መበል 16 ጸሎት ከዕርግ ከም ዝሓተቱን ብዛዕባ በነዶክቶስ መበል 16 ብብርቱዕ ሓሚሞም ስለ ዘለዎ ስሌኣኦም ንጸሊ ዝብል ቅዱስነቶም ዘቕረብዎ ናይ ጸሎት ሕቶ መሰረት ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ብሩኒ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ “በነዲክቶስ መበል 16 ብብርቱዕ ከም ዝሓመሙ ኣረጋጊጾም ይኹን እምበር ኵነታቶም ርጉእ ይመስል” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ዝለገስዎ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ስለ እቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ 95 ዓመት ዝዕድመኦም በነዲክቶስ መበል 16 “ፍሉይ ጸሎት” ክቐርብ ንምእመናን ሓቲቶም፡ “ጐይታ ክሳብ መወዳእታ ኣብዚ ምስክርነት ፍቕሪ ንቤተክርስቲያን ይደግፎም” ከም ዝበሉን ብዛዕባ ኩነታት ጥዕና በነዲክቶስ መበል 16 ዝምልከት ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶ መልሲ ዝሃቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ፍክሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ፥ “ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ሰዓታት ብሰንኪ እርጋን ጥዕና በነዲክቶስ መበል 16 ዝተሓላለኸ ይመስል ኣሎ” እንክብሉ ኣረጋጊጾም፥ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክንክን ጥዕና ከም ዘለዉን ብሓኻይም ክትትል ይግበረሎም ኣሎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፥ ቅዱስ ኣቦና ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዛዚሞም ምስ ተሰናበቱ ንበነዲክቶስ መበል 16 ንኸብጽሑዎም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናብ ዝርከብ ገዳመ እመ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝኸዱ ብሩኒ ገሊጾም፥ ንበነዲክቶስ መበል 16 ፍሉዩ ጸሎት ክግበር ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘቕረብዎ ሕቶ ንሓብር” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።