ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ብኲናት ዝተሃሰየት ዓለም ሰላም ክህሉ ትምኒቶም የሐድሱ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 26 ታሕሳስፍ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ ዝክረ በዓል ቀዳሜ ሰማእት ቅዱስ እስጢፋኖስ ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ብሓባር ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ በሸሓት ዝቑጸሩ ምእመናን መሪሖም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ፡ ብፍላይ ኣብ ዩክረይን ብዝፍጸም ዘሎ ኣዕናዊ ኲናት ንዝሳቐዩ ዘለዉ ብምዝካር ኣብ መላእ ዓለም ሰላም ክረጋገጽ ጽዋዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን
ቅዱስነቶም ኣብ ዓለም ብፍላይ ኣብ ዩክረይን ኲናት ተወጊዱ ሰላም ክሰፍን ኩሉ ደላይ ሰላም ክኸውን ጻውዒት ኣቕሪቦም፥
ናይ ሰላም ትምኒተይ አሐድስ። ሰላም ኣብ ኣባይቲ ስድራ ሰላም ኣብ ሰበኻታትን ኣብ ሃይማኖታዊ ማሕበርሰባትን ሰላም ኣብ ምንቅስቓሳትን ማሕበራትን ሰላም ነቶም ብኲናት ዝተሃስዩ ህዝብታትን ሰላም ንፍቑር ሰማዕት ህዝቢ ዩክረይንን
ከም እተመነዩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ሰላም ንዩክረይን
ኣብ በዓለ ቀዳሜ ሰማዕት ቅዱስ እስጢፋኖስ ንኹሎም ብኣካል ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ብመርበብ ሓበሬታ ንዝከታተሉን “ኣብ ሓጐስን ቅሳነትን ሃዋሁ በዓለ ልደት” ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፥ ንሰማእት እታ ብኲናት እትሳቐይ ዘላ ሃገረ ዩክረይን ሰላም ክወርድ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ኣፍሊጡ።
ሰላም ንኹሉ ብግርጭት ዝተዓብለለ ከባቢታት
ጎይታ “ንጉሰ ሰላም” ኮይኑ ምውላዱ ዕለት 25 ታሕሳስ ኣብ በዓለ ልደት ንሮማን ከባቢኣን ቡራኬ ቅድሚ ምሃቦም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ዘስመሩሉ ሓሳብ ምልስ ቢሎም ብምዝካር፥ ሰላም ኣብዛ ብኲናትን ግጭታትን እተሳቐ ዘላ ዓለም ኣገዳስነቱ ገሊጾም፥ ኣብ መላእ ዓለም ማእለያ ዘይብሎም ህዝብታት ብውግእ ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ኣስተብሂሎም፥ እዚ ኸሉ ዕግርግርን ውጥረትን ግጭትን ኣብ መላእ ዓለም “ሓቀይና ጥሜት ሰላም” ከም ዘሎ ዘረጋገጽ እዩ። ብዙሕ ዝሳቐዩ ሕጻናት ምዃኖም ኣዘኻኺሮም፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ዩክረይንን ካልእ ክፋላት ዓለምን ዝካየድ ዘሎ “ትርጉም ኣልቦ ውግእ” ዘስዕቦ ዘሎ ዕንወትን ጥሜትን ዝሳቐዩ ኵሎም ቅርበቶም ጸሎትምን ምስ ኣረጋገጹ፡ እቶም ብምኽንያት በዓለ ልደት ናይ ርእሑስን ብሩኽን በዓለ ልደት ምንዮት መልእኽትታት ዘመሓላለፍሎም ኵሎም ብፍላይ ኣብ ጸሎቶም ንዝዘከርዎም አምስግን ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።