ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ንኹሉ ዝሓቁፍ ባህሊ የተባብዑ ር.ሊ.ጳ.፥ ንኹሉ ዝሓቁፍ ባህሊ የተባብዑ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ንኹሉ ዝሓቁፍ ባህሊ የተባብዑ

ንጹራትን ግልጽን ቅኑዓትን ሰባት ኩኑ፡ ምስ ካልኦት ብንጹርን ብግልጽን ብኣኽብሮትን ምዝታይ። እዚ ድማ ኣብቲ እንነብረሉ ከባቢታት ብርሃን ንኽዝርጋሕ ዝያዳ ሰብኣዊ ንምዃኑ ዚያዳ ሰብኣውነት ዚንበረሉ ክኸውን ይሕግዝ፡

ዕለት 12 ታሕሳስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ዓይነ ስውራንን ከፊል ምርኣይ ዝተሰኣኖምን ዝሓቁፍ ማሕበር ኣባላት ተቐቢሎም፥ እቲ ማሕበርን ኣባላቱን ኣብቲ ጽንኩር ኣዋን ኣብ ዝገጥም ዘሎ ሕብረተሰብ ኢጣሊያ ከምቲ ቅድስቲ ሉቺያ በዓልቲ ሲራኩዛ ዝገበረቶ ናይ ተስፋ ምልክት ክኾኑ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ንናይ ዓይነ ስውራንን ከፊል ምርኣይ ንዝተሳእኖምን ዝሓቁፍ ማሕበር፡ ናይቲ ማሕበር ጠበቓ ቅድስቲ ሉቺያ በዓልቲ ሲራኩዛ ዕለት 13 ታሕሳስ ዓመታዊ ክብረ በዓል ንምብዓል ኣብ ዝዳለውሉ ዘለዉ እዋን ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱን እዚ ማሕበር እዚ ኣብ 1920 ዓ.ም. ዝተመስረተ ኮይኑ ብዘይ ሃይማኖታዊ ኣፈላላይ ዘገልግል ዘይመንግስታውን ዘይመኽሰባውን ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ዓይነት ስውራን ዝሓቁፍን ዓለም ነቶም ናይ ምርኣይ ጸገም ዘለዎምን ዓይነ ስውራንን ዝሓሸን ውሑስን ቦታ ክትከውንን ኣብ ልዕሊኦም ዝህሉ ማሕበራዊ ቅድመ ፍርዲ ንምውጋድን ዝቖመ ኣብ ሕብረተሰ ዘይንጽል ንዅሉ ዝሓቁፍ ምሉእ ውህደት ንምዕዋት ዝዓዪ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ትብዓት ቅድስቲ ሉቺያ በዓልቲ ሲራኩዛ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጽርሓ ቀለመንጦስ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ እቲ ርክብ ኣብ ዋዜማ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስቲ ሉቺያ በዓልቲ ሲራኩዛ ምዃኑ ናይ ኢጣሊያ ሃይማኖታዊ ባህሊ ዘንጸባርቕ ህሞት እውን ከም ዝኾነ ብምዝኽኻር፥ እዛ ቅድስቲ እዚኣ ኣብ ሳልሳይ ክፍለ ዘመን ኣብ እዋን ሃጸይ ዲዮቅልጥያኖስ ብዝተለዓዓለ ኣሳዶ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ንሓደ ኣረመናዊ ንኸይትምርዓው የዕንታ ዘዓወረት ናይ እምነት ሰማእትነት ዝተቐበለትን ኣብነታ ዝለዓለ ክብሪ ሰብን ዝኾነ ይዅን ዋጋ ብዘይገድስ ብዘይ ምምስሳልን ዋጋ ዕዳጋን ሕልናኻ ብምስዓብ ንሓቂ ኣብ ምምስካር ዝቖመ እዩ” ቢሎም፥ ሉቺያ ዝብል ስማ እውን ንገዛ እርእሱ ኣብ ጎኒ ብርሃን ምዃንን ንብርሃን ምግልጋልን ማለት እዩ፥

ንጹራትን ግልጽን ቅኑዓትን ሰባት ኩኑ፡ ምስ ካልኦት ብንጹርን ብግልጽን ብኣኽብሮትን ምዝታይ። እዚ ድማ ኣብቲ እንነብረሉ ከባቢታት ብርሃን ንኽዝርጋሕ ዝያዳ ሰብኣዊ ንምዃኑ ዚያዳ ሰብኣውነት ዚንበረሉ ክኸውን ይሕግዝ፡

ከም ዝበሉን፡ ነቲ ማሕበር ኢጣሊያ ዓይነ ስውራንን ከፊል ምርኣይ ዝተሳእኖምን ኣብ ሕብረተሰብ ኢጣሊያ “ሃናጺ ሓይሊ” እዩ እንክብሉ ንኢዶም፡ ቤተ ክርስቲያን ንዓይነ ስዉራንን ከፊል ምራኣይ ንዝተሳእኖም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሓገዝ ጥራሕ ወይ ሓሓሊፉ ርህራሄ ዘድልዮም ሰባት ገይራ ኣይትራዮምን እያ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኣካለ ስንኩላን ኣብ ሕብረተሰብ ዋጋ ክወሃቦም ዘለዎ ሃብቲ እያቶም

ብርግጽ ብዓይኒ ክርስትና ስንክልና “ምሽክናይ ብዝብልን ብተመጽዋትነትን” ዝቕርበ ዘይኮነስ ኣብ ሕብረተሰብ ብስነ ምግባራዊ መትከላትን ዜግነታዊ ሕልናን ዝምራሕ “ብሓላፍነትን ምትሕግጋዝን ዋጋ ክወሃቦ ዘለዎ ሃብቲ እዩ።” ናይ ምርኣይ ጸገም ዘለዎም ሰባት “ኩሉ ሰብ ብድሩትነቱን ድኽመታቱን ከይሓፈረ ክሳተፈሉን ምስ ካልኦት ብምትሕብባር ነንሕድሕዱ ክደጋገፍን ዝኽእለሉ” ንዅሉ ዝሓቁፍ ማሕበረሰብ ኣብ ምሕናጽ ኣብ ቅድሚት ከም ዝርከቡ ገሊጾም።

ኣካላዊ መጉዳእቲ ወይ ስንክልና ዘለዎም ሰባት ጥራሕ ዘይኮኑስ ኵላንትና ንሓድሕዶም ዝደላለዩ ኢና። ኩላትና ኣብ ህይወት ንቕድሚት ክንስጉም ናይ ካልኦት ሓግዝ የድልየና እዩ። ምኽንያቱ ኩላትና ድኽመት ልቢ ዘለዎ ኢና፡

ተስፋ ናብ ሕብረተሰብ ምትሕልላፍ

ስለዚ እምበኣር እቲ ማሕበር፥ “ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝያዳ ሃናጺ ከምኡ እውን ብቑዕ ቅዲ ከም ሓደ ምትእምማንን ተስፋን ዘመሓላለፍ ሓይሊ እዩ” በዚ ሓይሊ እዚ ድማ ንቕድሚት ክብል ኣተባቢዖም፡ ኣብነት ናይታ ኣብ ቅድሚ ዝምርምራን ዝሓታን ዝነበረ ዳይና ብፍርሕን ራዕድን ዘይኮነስ ብትብዓት ደው ናይ ዝበለት ቅድስቲ ሉቺያ በዓልቲ ሲራኩዛ ክስዕቡ ድማ ሓደራ ቢሎም፥

ሕብረተሰብ ኢጣሊያ ተስፋ የድልዮ እዚ ድማ ልዕሊ ኩሉ ካብ ምስክርነት ናይቶም ኣብ ተነቃፊ ኩነታቶም ገዛእ ርእሶም ዘይዓጽዉ ወይ ንነብሶም ጥራሕ ዘይድንግጹ ግን ከኣ ምስ ካልኦት ብሓባር ኮይኖም ነገራት ንምምሕያሽ ዝሰርሑ ሰባት ዝመጽእ እዩ፡

እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

13 Dec 2022, 14:15