ድለ

ካብ መላእ ዓለም ጸሎት ምእንቲ ጥዕና ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ካብ መላእ ዓለም ጸሎት ምእንቲ ጥዕና ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 

ካብ መላእ ዓለም ጸሎት ምእንቲ ጥዕና ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16

ስለ እቶም ብጽሞና ንቤተ ክርስቲያን ዝድግፉ ዘለዉ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ፍሉይ ጸሎት ከነቕርብ እሓትት፡ ኣብ ጸሎትኩም ዘክርዎም ሕማም በርቲዕዎም ኣሎ። ጐይታ ከጸናንዖም ኣብቲ ዘቕርብዎ ምስክርነት ፍቕሪ ቤተ ክርስቲያን ድማ ክሳብ መወዳእታ ክድግፎም ስሌኦም ንጸሊ!

ኣብ መላእ ዓለም ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምእመናን ምእንቲ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ጥዕና ክጽለይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 ታሕሳስ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ዘቕረብዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ መሰረት ይጽልይ ከም ዘሎ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ምእንቲ ጥዕና በነዲክቶስ መበል 16 ካብ መላእ ዓለም ጸሎት ይውሕዝ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስለ እቶም ቅድመኦም ዝነበሩ ወዲ 95 ዓመት ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ በመል 16  ብብርቱዕ ሓሚሞም ስለ ዘለዉ ጸሎት ከነዕርግ ከም ዝሓተቱት ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም፥

ስለ እቶም ብጽሞና ንቤተ ክርስቲያን ዝድግፉ ዘለዉ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ፍሉይ ጸሎት  ከነቕርብ እሓትት፡ ኣብ ጸሎትኩም ዘክርዎም ሕማም በርቲዕዎም ኣሎ። ጐይታ ከጸናንዖም ኣብቲ ዘቕርብዎ ምስክርነት ፍቕሪ ቤተ ክርስቲያን ድማ ክሳብ መወዳእታ ክድግፎም ስሌኦም ንጸሊ!

ከም ዝበሉ ሓቢሩ። ነዚ መሰረት ገይሮም እውን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ሓላፊ ብሩኒ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ “በነዲክቶስ መበል 16 ብብርቱዕ ከም ዝሓመሙ ኣረጋጊጾም ይኹን እምበር ኵነታቶም ርጉእ ይመስል - ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ሰዓታት ብሰንኪ እርጋን ጥዕና በነዲክቶስ መበል 16 ዝተሓላለኸ ይመስል” ቢሎም፥ “ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክንክን ጥዕና ከም ዘለዉን ብሓኻይም ክትትል ይግበረሎም ኣሎ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ናይ ጽሞና ጸሎት ስለ እቶም ብጽሞና መስካሪ

ኣብ መላእ ዓለም ክርስቲያንን ክርስቲያን ዘይኮኑን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምእንቲ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ክጽለ ዘቕረብዎ ሕቶ እወታዊ ምላሽ ይህብሉ ከምዘለዉን፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ቺካጎ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ብላሰ ኩፒች፥ ስለ እቶም ብጽሞና ፍቕሪ እግዚኣብሔር ንዝምስክሩ ዘለዉ ልሂቕ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ጐይታ ብጸጋኡ ክድግፎም ንጸሊ ከም ዝበሉን፡ ናይ ኔው ዮርክ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ቲሞትይ ዶላን እምንቲ እቶም ኣብ ሰናይነት ኣምላኽ ዓቢይ እምነት ዘለዎም እንክብሉ ዝገለጽዎ በነዲክቶስ መበል 16 ክጽለ ዝዓደሙን ናይ ወስትሚንስትር ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ቪንሰንት ኒኮላስ፥ እግዚኣብሔር ንበነዲክቶስ መበል 16 ኣብዚ ኣብ ዝተሓላለኸ ኩነታት ጥዕና ኣብ ዝርከብሉ እዋን ይደግፎም” እንክብሉ ስሌኦም ክጽለ እንክዕድሙ፡ ኣብ ዩክረይን ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ስቪያቶስላቭ ሸቭቹክ መላእ ቅዱስ ሲኖዶስ ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያ ኣብ ዩክራይንን ምእመናን ምእንቲ በነዲክቶስ መበል 16 ክጽልዩ ከም ዝሓተቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ሮማ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ዓቢይ መምህር ፕሮፈሰር ሪካርዶ ዲ ሰኚ በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም፥ “በነዲክቶስ መበል 16 ነቲ ጸበባ ሰጊሮም ኣብ ሓጺር እዋን ምእንቲ ክሓውዩ ኣብ ዝዓርግ ጸሎት እሓብር” ዝብል መልእኽቲ ከመሓላልፉ እንከለዉ፥ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ማተዮ ዙፒ፥ ኵሉ ምእንቲ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ክጽሊ ዓዲሞም፥

ብፍሉይ መገዲ ምስቲ ዝተሰቕለ ጐይታ ዘለዉ ንቤተ ክርስቲያን ብጸሎትን ኣስተንትኖን ዘሰንዩ በነዲክቶስ መበል 16 ኵነታቶ ንማሕበረሰብ ቤተ ክርስቲያንን ንመላእ ሕህብረተሰብን ሓያል መልእኽቲ እዩ!

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

29 Dec 2022, 16:16