ድለ

2022.11.04. Viaggio Apostolico nel Regno del Bahrein - Incontro Bartolomeo 2022.11.04. Viaggio Apostolico nel Regno del Bahrein - Incontro Bartolomeo  (Vatican Media)

ግጭታት ክሰዓሩሉ ዚከኣል ብዘተን ርክብን ጥራይ እዩ! ር.ሊ.ጳ ንፓትርያርክ በርጠለሜዎስ

ሮቡዕ ዕለት 30 ሕዳር 2022 ዓም ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን እስጣምቡል በዓለ ቅዱስ እንድርያስ ሓዋርያ ተኽብረሉ ዕለት ብምንባሩ ከምቲ ዝተለምደ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሕውነታዊ ቅርበቶምን ፍቅሮምን ንምግላጽ ብብፁዕ ካርዲናል ለዮናርዶ ሳንድሪ ዝተመርሐ ጉጅለ ወከልቲ ቫቲካን ከምዝሰዱን መልእኽቲ እውን ከምዝጸሓፉ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ መግለጺ ኣፍሊጡ፤ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ሓደ ካብቲ ፍርያም ዝኾነ ምትሕብባር ብፁዕን ቅዱስን ፓትርያርክ በርጠለሜዎስን ካቶሊካዊትቢቤተክርስትያንን ሰላም ንምድንፋዕ ዝግበር ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ እዩ እንክብሉ ዕግበቶም ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ልማድ ኣብ ክብረ በዓላት ቅዱሳን ሓዋርያት ጴጥሮስን ጳውሎስን እንድርያስን ወከልቲ ናይ ምልእኣኽ ሎሚ እውን እንደገና ብውዕውዕ ሕውነታዊ መንፈስ ኣብ ክብረ በዓል ጠበቃ ቊስጥንጥንያ ቅዱስ ሓዋርያ እንድርያስ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ናብቶም ሓወይ ዝብልዎም ኢኩመኒካው ፓትርያርክ በርጠለሜዎስ ንቅዱስነቶም ወኪሎም ኣብ ክንዳኦም ኣብቲ በዓል ዝሳተፉ ወከልቲ ናይ ሠናይ ምንዮትን ሕውነታዊ ፍቅርን ዝገልጽ መልእኽቲ ኣሰንዮም ከምዝሰደዱ ተመልኪቱ። ዝሓለፈ ዕለት 29 ሰነ 2022 ዓም ኣብ በዓለ ቅዱሳን ሓዋርያት ጴጥሮስን ጳውሎስን ካብ ቊስጥንጥንያ ተወከልቲ ብፁዕን ቅዱስን ፓትርያርክ መጺኦም ከምዝነበሩ ዝዝከር እዩ።

ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም እዚ ኣገባብ ነቲ ኣብ መንጎ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ቊስጥንጥንያን ዘሎ ርክብ ኣጸቢቁ ዘሐይልን ዘዕሙቊን ኣብ ርእሲ ምዃኑ ነቲ ለይትን መዓልትን ሃረር እንብሎ ምሉእ ውህደትን ሓድነትን ኣብያተክርስትያንን ክርስትያን ዘቦኡ ኩሉን ተስፋ ዘብርህ ኮይኑ ነፍስወከፍ ክርስትያን ክተግሃሉን ክሠርሓሉን ክጽልየሉን ሓላፍነቱ ክስከም ከመይ ንናይ ሎሚ ዓለምና እዚ ጉዳይ እዚ ናይ ቀዳምነታት ቀዳምነት ስለዝኾነ ቀንዲ ውራይና ይኹን።

ናይ ሎሚ ዓለምና ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ዚዓበየ ዕርቅን ሕውነትን ሓድነት የድልዮ ኣሎ፤ ኣብ መንጎና ዘሎ ምምቅቃል ውጽኢት ሓጢኣትና እዩ ኢሎም።

ምምቅቃላትና ውጽኢት ሓጢኣትና እዮም!

ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ መንጎና ዘሎ ፍልልያት ቀንዲ ምኽንያታቶም ታሪኻውን ንባበ መለኮታውን ትንተና ይገብሩ እሞ ብቀንዱ እቲ ካብ ምፍጻሙ ዘይንደክም ሓጢኣት ስለዝኾነ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ኣብያተክርስትያን ንዘሎ ፍልልያት ንምጽባብ መንፈስ ቅርሕንትን ምክልኻልን ኣወጊድና ሓቀኛ ዘተን ናይ ኩልና ልብኻ ምኽፋትን ከምዘድሊ ገሊሾም።

ብቀንዱ ምኽንያት ምምቅቃላትና ሓጢኣት ምዃኑ ዝገለሹ ቅዱስነቶም እዚ ኸኣ ነቲ ቀንዲ ምንጪ ውህደትን ሓድነትን ዝኾነን ንኣመንቲ ኩሎም ከኣ ናብቲ ኣብ ቅኑዕ ብዙሕነት ዝተመሥረተ ሓድነት ዝመርሕ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልባትናን ኣብ ኣብያተክርስትያናትናን ንከይሠርሕ ይዕንቅጾ፤ ስለዚ ክርስትያን ዘቦኡ ኩሉ ነቲ ኣብ መንጎ ክርስትያን ክህሉ ዘለዎ ሓድነት ክሠርሑ እዚ ከኣ ኣብ ወረቃቅቲ ብዝሰፈሩ ክታማት ጥራይ ዘይኮነ ንፍቃድ ሰማያዊ ኣቦ ተኣማንነቶም ብምንባርን መንፈስ ቅዱስ ዝህቦ ግስጋሴን ብመመያ ብምልላይን ክጐዓዙን ክሠርሑን ዝተጸውዑ እዮም ኢሎም።

ሎሚ ከም ሎሚ ን እግዚኣብሔር ክነመስግነሉ ዘሎና ቀንዲ ምኽንያት ኣብያተክርስትያናትና ኣብ ሕሉፍን ዘሎናዮን ምምቅቃላት ከይተሓጽራ ብጸሎትን ሕውነታዊ ፍቅርን ምሉእ ሓድነት ክረክቡ ይጽ ዕሩ ብምህላዎም ምዃኑ ዝገልጹ ቅዱስነቶም እዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ኣብ ዝፈቀዶ መዖኣልቲ ኣብ ሓደ መኣዲ ቅዱስ ቊርባን እን እከበሉ ግዜ ነዊሕ ከምዘይከውን ምናዳ ከኣ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ኢኩመኒካዊ መንበረ ፓትርያርክ ቊስጥንጥንያን ብሓባር ክሳብ ሕጂ ዝገበራኦ ናይ ሓድነት ጒዕዞ እውን ንምስጋና ምኽንያት ክኸውን ኣዘኻርሮም፤ ኣብ መወዳእታ እንኮ መንገዲ ሓድነትን ንዝኾነ ምምቅቃል ክንዋጋኣሉ እንኽእለሉ መጋበሪ ዘተን ርክብን ምዃኑ ብምግላጽ፤ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዝገበርዎ ምብጻሕን ርክቦምን ገና ኣብ ልቦም ሕያው ከምዘሎ ኣመልኪቶም ስለእቶም ዝሓለፈ 12 ሕዳር ኣብ ከተማ ኢስጣምቡል ብዘጋጠመ ሓደጋ ሕይወቶም ዝሰኣኑ ከምዝጽልዩ ብምዝኽኻር መልእኽቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
01 December 2022, 13:52