ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ምሕዝነት ኣይሁድን ክርስቲያንን እናዓበየ ይሰጉም! ር.ሊ.ጳ.፥ ምሕዝነት ኣይሁድን ክርስቲያንን እናዓበየ ይሰጉም! 

ር.ሊ.ጳ.፥ ምሕዝነት ኣይሁድን ክርስቲያንን እናዓበየ ይሰጉም!

ቅዱስ ኣቦና መደረኦም ናይቲ ማሕበር መስራቲ ጁልስ ኢዛክ ዝተባህለ ኣይሁዳዊ ናይ ስነ ታሪኽ ሊቅ፥ “ድሕሪ መዓት ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ኣብ መንጎ ኣይሁድን ክርስቲያንን ኣብ ዝነበረ ምቅርራብ መሪሕ ተራ ተጻዊቱ እዩ፡”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 12 ታሕሳስ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ኣብ መንጎ ኣይሁድን ክርስቲያንን ዘተ ዘተባብዕ ኣብ ፍረንሳ ናይ ኣይሁድን ክርስቲያንን ምሕዝነት ማሕበር ኣባላት ተቐቢሎም፥ ሓድሕዳዊ ምክብባር ዘለዎ ኣገዳስነት ኣስሚሮም ዛዕባ “ዳግማይ ትንሳኤ” ጸረ - ሴማውነት የጠንቅቑ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ንኣባላት ናይቲ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሃይማኖታዊ ትውፊታት ንዘተን ምትሕብባርን ዝተወፈየ ናይ ፈረንሳ ኣይሁድን ክርስቲያንን ምሕዝነት ማሕበር ኣባላት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ መስራቲ እቲ ማሕበር ዝሃቦ ኣብነት ኣገዳስነት ዕዮታቱን ከምኡ እውን “ዘስከፍ ዳግመ ትንሳኤ” ጸረ - ሴማውነት ዝምልከቱ ነጥብታት ከም ዝዳህሰሱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሕድሪ ጁለስ ኢዛክ

ቅዱስ ኣቦና መደረኦም ናይቲ ማሕበር መስራቲ ጁልስ ኢዛክ ዝተባህለ ኣይሁዳዊ ናይ ስነ ታሪኽ ሊቅ፥ “ድሕሪ መዓት ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ኣብ መንጎ ኣይሁድን ክርስቲያንን ኣብ ዝነበረ ምቅርራብ መሪሕ ተራ ተጻዊቱ እዩ፡” እንክብሉ ኣበጊሶም፡ ብፍላይ ኣብቲ ድሕሪ ኲናት ዛዕባ ጸረ - ሴማውይነት ኣብ ዝዘተየ ጒባኤ ሲሊግስበርግ ዝፈጸሞ ዕዮ ጠቒሶም፡ ገለ ካብ ስራሕ ናይዚ ጒባኤ እዚ ንክርስቲያንን ኣይሁድን ናይ ቲዮሎጊያ ምህራት ዘሳተፈ ኣብታ ዘለናዮ ዘመን ዝብል ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ካልኦት ሃይማኖታትን ዘሎ ርክብ ዝገልጽ ሰነድ ተመልኪቱ ይርከብ። ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12ን ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ መበል 23 ነቲ ዘለናዮ ዘመን ውሳኔ ኣብ ምድላው ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ንጁልስ ኢዛክ ንኽሳተፉ እንክዕድሙ ብሓቂ ትምቢታዊ እዩ ነይሩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ፣

ናይቲ ማሕበር ምሕዝነት ዕዮታት

ቀጺሎም ቅዱስነቶም ብዛዕባ ዕዮ ምሕዝነት ኣይሁድን ክርስትያንን፥ “ኣይሁድን ክርስቲያንን ኣብ ሕድሕዳዊ ምፍላጥን ምርድዳእን ምክብባርን ዕርክነት ንኽዓቢ ንምሕጋዝ” ዝብል ምዃኑን ኣብዚ መዳይ እዚ እውን ንሰብዓ ዓመት ከይተሓለለ ይሰርሕ ኣሎ” ቢሎም፡ እዚ ዕዮ እዚ “ኣይሁድን ክርስትያንን ከም ኣሕዋት ደቂ ሓደ ኣቦ ከም ብሓድሽ ንኽራኸቡ ኣብ ምሕጋዝ ዓብይ ኣበርክቶ ገይሩን ይገብር እውን ኣሎ፡ ነታ ብኣምላኽ ጥራይ እትፍለጥ ኵሎም ህዝብታት ብሓደ ድምጺ ንጐይታ ዝጽውዕላ መዓልቲ ይጽበዩ” ከም ዝበሉ ዜና  ቫቲካን ሓቢሩ።

ጸረ - ሴማውነት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ

ቀጺሎም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እዚ ዕዮ ሎሚ እውን ዓቢይ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ብኣጽንዖት ኣተሓሳሲቦም፥ “እቲ ዕማም ኣይተዛዘመን፥”

ኣብዚ ናይ ዘተ ሕውነትን ሓባራዊ ተበግሶታትን መገዲ ክትጸንዑ እላበው። እዚ ምትእስሳር ንምፍጣር ዝቖመ ጽቡቕ ስራሕ፥ ተኣፋፊ ስለ ዝኾነ ኩሉ ግዘ ብዘይ ምቁራጽ ይቐጽል

ምስ በሉ “እዚ ናይቲ ማሕበር ምሕዝነት ስራሕ እዚ ብፍላይ ኣብዚ ተጻባኢ እዋን፡ ነቲ ካልእ ዕጽውን ምንጻግን ዝብል ኣተሓሳስባ እናበዝሐ ዝኸይድ ዘሎ ብፍላይ ኣብ ኤውሮጳ ቅድመ ፍርድን ዳግማይ ትንሳኤ ጸረ - ሴማውነትን ኣብ ዝቀላቐለሉ  ዘሎ እዋን ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ፡ ክቕጽል ድማ ኣለዎ እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

13 Dec 2022, 14:11