ድለ

UKRAINE RUSSIA CONFLICT UKRAINE RUSSIA CONFLICT  (ANSA)

ቅድስት እኖና ድንግል ማርያም ስለ ሰላም ሃገረ ኡክራይና ተማልደልና! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ሰንበት ዕለት 4 ታሕሳስ 2022 ዓም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተጋቢኦም ምስ ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምስ ደገሙ ነቲ ኣብ ምብራቅ ኤውሮጳ እናኸፍኤ ዝኸይድ ዘሎ ውግእ ኣመልኪቶም በዓል ጽንሰታ ንምዝካር ኣብ ንሸባሸበሉ ዘሎና ግዜ ንጽሕት ድንግል ማርያም ኣብ ኡክራይና ሰላም ኵአርድ ኣማልድነታ ንለምን እንክብሉ ኣዘኻኺሮም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ድሕሪ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ነቲ ንዝመጽእ ዕለት 8 ታሕሳስ ዝዝከር በዓለ ጽንሰታ ንጽሕት ድንግል ማርያም ኣመልኪቶም እታ ንግሥተ ሰላም ዝኾነት ድንግል ማርያም ክትሕግዘና ምናዳ ኸኣ ኣብ ኡክራይና ዘሎ ግጭት ኵውዳእን ሰላም ክነግሥን ተማልደልና ኢሎም።

“ስለ ሰላም እነቅርቦ ጸሎት ኣብ ኣማልድነታ ነወፍዮ ምናዳ ከኣ ስለ እቲ ብውግእ ዝሕመስ ዘሎ ሕዝቢ ኡክራይና ሰላም እነቅርቦ ጸሎት ናብኣ ነማዕቊቦ።”

ዜናታት ዓለምና ከምዘመልክትዎ ኣብዚ ዕለታት እዚ ዶንባስ ኣብ ዝበሃል ክፍሊ ኡክራይና ዘይተኣደነ ደብዳባትን መጥቃዕታትን ይወርድ ከምዘሎ እንክምልከት ኻርኪብን ክራማቶርስን ደኖስክን ኣብ ዝበሃሉ ዞባታት እውን ሕዝባዊ ኣገልግሎት ዘቅርቡ ናይ ሲቭል ተቊዋማት በቲ ደብዳብ ከምዝዓነወ እውን ተመልኪቱ። ርእሰ ከተማ ኡክራይና ክየብ በቲ ዝወረዳ ደብዳብ ሓይሊ ኤልክትሪክ ምሉእ ብምሉኡ እንከቋርጽ ሙቀት ናይቲ ዓዲ ኣሉታ ሓሙሽተ ዲግሪ ትሕቲ ዜሮ ከምዝወረደን ሕዝቢ ብጸልማትን ዛሕልን ይሳቀ ከምዘሎን ተመልኪቱ።

ምስጋና ንቤተ ክርስትያን ፖላንድ!

ምስቶም ካብ ዝተፈላለያ ክፍልታት ዓለምና መንፈሳዊ ንግደት ንክፍጽሙን ምስ ር.ሊ.ጳ ብሓባር ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ንምዕራግን ትምህርቶም ንምስማዕ ከማኡ ኣውን ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ንምስታፍ ተጋቢኦም ዝነበሩ ካብ ሃገረ ፖላንድ ዝመጹ እውን ብምንባሮም ስለቲ ስለሰላም ዘዕርግዎ ጸሎቶም ከማኡ እውን ኣብ ምብራቅ ኤውሮጳ ንእትርከብ ቤተክርስትያን ሓገዝ ንክኸውን ዝእክብዎ ዘለው መባእ ከምዚ ክብሉ ኣመስገኑ።

“ስለ እታ ኣብ ምብራቅ ኤውሮጳ እትርከብ ቤተክርስትያን ዕለት ጸሎት ኣብ ምውዳብን ንሓገዝ ዝኸውን ገንዝብ ኣብ ምውጻእን ንዝድግፉ ኩሎም ከመስግን እፈቱ።”

እዚ ተበግሶ እዚ ካብ 1989 ዓም ጀሚሩ ብጳጳሳት ሃገረ ፖላንድ ዝተወሰነ ካብቲ ኣብ ካልኣይ ሰንበት ዘምጽኣት ዝወድቅ መባእ ኣብዚ ሓገዝ እዚ ኵውዕል ብምምዳብ ዝጀመረ እዩ። ኣብዚ ዓመት እዚ ብፍሉይ መንገዲ እቲ ደገፍ ንዩክሬን እንክምልከት፣ ኣብ ኣገልግሎት ምስራቃውያን ኣብያተ ክርስትያን ተዋፊሮም ዘለው ናብ ረኪበ ጳጳሳት ሃገረ ፖላንድ ኣብ ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ ‘ንልዕሊ 30 ዓመት ኣብ ኡክራይና ንእትርከብ ቤተክርስትያን ዘርኣኹምዎ ሕውነታዊ ፍቅሪ ነመስግን ምናዳ ኸኣ እዚ ውግእ እዚ ካብ ዝጅምር ዝገበርኩምዎ ዝተፈላለየ ተግባራት ደገፍ ነመስግን’ ከምዝበሉ እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና የመልክት።

 

ብድምጺ ንምክትታል!
05 December 2022, 15:15