ር.ሊ.ጳ. ኵለን ብስም ቫቲካን ዝጽውዓ ማሕበራት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ቁጠባዊ ቤት ጽሕፈት ኩርያ!
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኵለን እተን ብስም ሃገረ ቫቲካን ዝጽውዓ ዝተፈላለያ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከባ ማሕበራት ዝተወሰነ ናይ ርእሰ ምምሕዳር መሰል ዘለዎን ኮይነን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጒዳያት ቁጠባ ክኾና ዝብል ውሳኔ ማእከል ዝገበረ ሓድሽ ሕጊ ብዘለዎም ጴጥሮሳዊ ስልጣን መሰረት ከም ዝደንገጉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“እቲ ብሒደት እሙን ዝዀነ ብብዙሕ ድማ እሙን እዩ” (ሉቃ. 16,10) ብዝብል መርሕ ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘለዎም ፍልዩ ጴጥሮሳዊ ስልጣን መሰረት ኵለን እተን ንቕድስቲ መንበር ዝውክላ ኮይነን ዝቖማ ናይ ሃገረ ቫቲካን ትካላት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ቤት ምኽሪ ጒዳያት ቁጠባ ክኾና ዝብል ሓድሽ ሕጊ ከም ዝደንገጉን፥
ቁጽጽርን ክትትልን
እተን ትውክልተን ንቕድስቲ መንበር ገይረን ዝቖማ ማሕበራት ብወግዒ ሕጋዊ ስብእና ዘለወን ዝተወሰነ ናይ ርእሰ ምምሕዳር ስልጣን ዝዕቅባ እኳ እንተኾና ናይ ገዛእ ርእሰን ሸቶ መሰረት ንናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተልእኾ ተሓባበርቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ህዝባዊ ኣካላት ምዃነን እቲ ሓድሽ ዝተደንገገ ሕጊ ኣዘኻኺሩ፥
ዘይመኸሰባውያን ማሕበራት ከም ዝኾናን ካብ ተበግሶ ውልቀ ሰባት ዝተወልዳን ንናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ኣባይቲ ጽሕፈት ዝምጥን ዕላማታት ንምትግባር ዘገልግላ ከም ዝኾና ቅዱስነቶም ኣብቲ ዝደንገግዎ ሓድሽ ሕጊ ኣዘኻኺሮም፥ ሕጋዊ ኣካላት ከም ዝኾና እቲ ሕጊ ወግዓዊ ካብ ዝኾነሉ ዕለት 8 ታሕሳስ 2022 ዓ.ም. ስዒቡ ኣብ ሰለተ ወርሒ ውሽጢ ምሉእ ብምሉእ ነዚ ሓድሽ ሕጊ እዚ እዙዛት ክኾና ከም ዘለወን ይእዝዝ።
ተራ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ቁጠባ
እቲ ቅዱስነቶም ዝደገግዎ ሓድሽ ሕጊ ብኻልእ መዳይ እውን፡ ናይተን ትካላት ቁጠባውን ገንዘባዊ ጒዳያት ኣብ ትሕቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ቁጠባ ቁጽጽር ክኸውንን እቲ ቤት ጽሕፈት ቁጠባ ቅድስቲ መንበር ናይተን ማሕበራት ሃብቲ ገንዘብ ንምንታይን ኣበይን ከም ዝውዕልን ግልጽነትን ነቲ ናይተን ማሕበራት ዕላማ መሳለጢ ዝውዕል ምዃኑ ብቐረባ ናይ ምክትታል ስልጣን ዝህብ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።