ድለ

ካርዲናል ካንታላመሳ፥ ቤተ ክርስቲያን ብእምነት እያ እትነብር! ካርዲናል ካንታላመሳ፥ ቤተ ክርስቲያን ብእምነት እያ እትነብር!  (Vatican Media)

ካርዲናል ካንታላመሳ፥ ቤተ ክርስቲያን ብእምነት እያ እትነብር!

ቤተ ክርስቲያን ነቲ ኣብ ታሪኽ ዝረአ ዘሎ ግፍዒ ብዘይምቍራጽ ምእንቲ ክትርኢ፥ “ኣንጻር ጭቈናን ትዕቢትን ብምቛም ኣብ ጐድኒ ድኻታትን ድኹማትን ግዳያትን ምዃና ተረጋግጽ።”

ዕለት 3 ታሕሳስ ንግሆ ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ብጹዕ ካርዲናል ካንታላመሳ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ኩርያ ሮማና ላዕለዎት ሓዋርያውያን ኣመሓደርቲ ብምኽንያት ዘመነ ምጽኣት ኣብ ዘቕረብዎ ቀዳማይ ስብከት ዘመነ ምጽኣት ከም እተሳተፉን ብጹዕነቶም፥ ኣገዳስነት ናይቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያናዊ ጉዕዞ ዘሎ ቲዮሎጊያዊ ጽባቔ ባህርይ እምነት ኣጒሊሖም፡ ምእመናን ከኣ ምስቲ መብጽዓ እግዚኣብሔርን ትንቢትን ዝኾነ ናይ እምነት ተግባር ምስ ዝኾነ ክርስቶስ ንኽራኸቡ ክጓዓዙ ኣለዎም ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብጹዕ ካርዲናል ራኒየሮ ካንታላመሳ ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ዕለት 3 ታሕሳስ፥ ኣብተን ሰለስተ ቲዮሎጊያውያን ባህርያት ማለት እምነትን ተስፋን ፍቕርን ኣተኵይይሮም ኣብ ዝለገስዎ ቀዳማይ ስብከት ዘመነ ምጽኣት፥ እምንትን ተስፋን ፍቕርን ንሕና ናይ ሎሚ ሰብኣ ሰገል ካብ ሰማየ ሰማያት ንኽበጽሓና ናባና ንዝመጸእ ክርስቶስ እምነትን ተስፋን ፍቕርን፥ ከም ወርቅን ከርበን ዕጣንን ነቕርበሉ። ነዚ ዝመጽእ ክርስቶስ ንምቕባል እቲ ዓቢይ ማዕጾ እግዚኣብሔር ንፍጥረት ሰብ ዝሃቦ ናጽነት እዩ፥ እዚ ማዕጾ እዚ ብእምነትን ተስፋን ፍቕርን ከም ዝኽፈትን ናይዚ ማዕጾ መፍትሕ እቲ ሓደ ኣብ ኢድ ሰብ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ኢድ እግዚኣብሔር ከም ዘሎ ገሊጾም፥ ሰብ ብዘይ ሓገዝ ኣምላኽ ነዚ ማዕጾ እዚ ኪኸፍት ኣይክእልን ኣምላኽ ከኣ ብዘይ ምትሕብባር ሰብ ኪኸፍቶ ዘይደሊ ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣

እምነት ኣብ ክርስቶስ

ካርዲናል ካንታላመሰ ኣብ በሪ - እምነት ኣተኲይሮም፥ ኣምላኽ ነቶም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንዝሰብኩ ብምልኣኽ መገዲ እምነት ይኸፍተልና፡ ሰብ እውን ብግዴኡ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ብምቕባል ናይ እምነት ማዕጾ ይኸፍት፡ ስለዚ ኣብ ውልደቱን ሞቱን ትንሳኤኡን ብእምነት ኢና እነለልዮ። ከም ሓቂ እኳ ደኣ ኢየሱስ ተኣምራት ቅድሚ ምግባሩ “ትኣምን ዲኻ ወይ ትኣምኒ ዲኺ ቢሉ እዩ ዝሓትት፡ ተኣምራቱ ምስ ፈጸመ ድማ እምነትካ ኣድሒናትካ ወይ እምነትኪ ኣድሒናትኪ እዩ ዝብል፣ ስለዚህ ብዛዕባ ኣብኡ ናይ ምእማን ተግባር እዩ ዝዛረብ፥ ማለት ኣብቲ ዝተወሃቦ መለኮታዊ ሓይሊ ምእማን። እምነት ኣብ ክርስቶስ!

መስርሕ እምነት

ብጹዕነቶም ኣስዒቦም፥ ቅዱስ ጳውሎስ እዛ እምነት እዚኣ “ካብ ምስማዕ እያ እትመጽእ” (ገላ. 5,6 ረኣ) ይብለና፡ ስለዚ “እቲ ምንቅስቓስ ካብ ኣእዛን ናብቲ መሰረታዊ ውሳኔ ዚግበረሉ ልቢ እዩ። እቲ ዝኣምን ልቢ እዩ። ደሓር ድማ እቲ ምንቅስቓስ ካብ ልቢ ናብ ኣፍ የብል፡ ብኣፍና እምነትና ንናዘዝ፡ እወ እኣምን ንብል።

ይዅን እምበር እቲ ናይ እምነት መስርሕ ኣብዚ ኣየብቅዕን፡ ካብ እዝኒ ናብ ልቢ፡ ካብ ልቢ ናብ ኣፍ ካብ ኣፍ ናብ ኣእዳው ይሰግር። ምኽንያቱ እምነት “ብፍቕሪ ስለ ዝዓዪ፥ ቅዱስ ያዕቆብ እምነት ምስ ግብሪ የተኣሳስራ፡ ይኹን እምበር ግብሪ ቅድም ዘይኮነስ ድሕሪ ኣሜን እዩ። ቅዱስ ጎርጎርዮስ እውን፥ “ሓደ ሰብ ብሰናይ ተግባር ኣይኮነን ናብ እምነት ዝበጽሕ እንታይ ደኣ ሰናይ ባህርያት ካብ እምነት እዩ ዝጅምር” እንክብል የብርሃልና።

እምነትን ድሕነትን

ኢየሱስ መድሃኔ ዓለም እዩ (ዮሓ. 4,42)፡ ኣቦ ዓለም “ብወዱ መታን ክድሕን ንወዱ ለኣኾ (ዮሓ. 3,17) ንውሑዳት ዘይኮነስ መላእ ዘርእሲ ሰብ መታን ክድሕን፥ ዓለም ክብል እንከሎ ኵሉ ህዝቢ ማለት እዩ!

ብሓፈሻ “ኣምላኽ ነቶም ዝደልይዎ ይርከበሎምን ይምስሎምን” . . . ኣምላኽ ካብቲ ኽንሓስቦ እንኽእል ንላዕሊ ኬድሕነሉ ዚኽእል መገድታት ኣለዎ። ንጸጋኡ ብመትረባት ኣቝሚ እዩ፡ ግና ገዛእ ርእሱ ኣብቶም መትረባት ኣይቅይድን። እቲ ብሉጽ መገዲ ድሕነት ድማ “መከራ” እዩ። ነዚ ስቓይ እዚ ክርስቶስ ተበጀዎ፥ ንስቓዩ ኣድማሳዊ ጸጋ ድሕነት ገበሮ።

ብድሆ ስነ ምርምር

ካርዲናል ካትናላመሳ፥ ስነ ምርምራዊ ምዕባለታት ኣብ ግምት ብምእታው . . . ኣብ ልዕሊ ቆስሞስ ሓድሽ መስኮት ዝኽፈቱ ስነ ምርምራት፥ ክልተ ገጸ የቕርቡልና፥ እቲ ሓደ እኣምን ንኽትብልን እቲ ካልኣይ ድማ ናይ ዕንቅፋት መገዲ ክኸውን ይኽእል . . . እምነት ካብ ምስማዕን ካብቲ ዝተባህለን ካብ ምግራምን እንተተወልደ እቲ ሳይንሳዊ ምርምር ናይ ምእማን ተኽእሎ ክጒድል ዘይኮነስ የበርትዖ፡ ይኹን እምበር ቆስሞስ ባዕሉ ክወጽእ ወይ ክኸውን ዝኽእል ኣይኮነን። ምኽኽን ክፍጠር ኣለዎ . . . ።

እቲ ማእለያ ዘይብሉ ስፍሓት ዓለም ኣብ ቅድሚ የዕንትና እናተጋህደ ይኸይድ ስለ ዘሎ፡ ንዓና ክርስትያን እቲ ዝዓበየ ናይ እምነት ተግባር እዚ ዅሉ ብኣምላኽ ከም እተፈጥረ ምእማን ዘይኮነስ “ኵሉ ብክርስቶስን ብእኡን እተፈጥረ” ምዃኑ ምእማን እዩ (ቈላ. 1,16 ረኣ)፡ “ብዘይ ብኣኡ ሓደ እኳ ኣይነበረን [ኣይተፈጥረን] . . . (ዮሓ. 1,3)። ክርስቲያን ካብቲ ቆስሞስ ዘቕርቦ መርትዖታት ህላወ እግዚኣብሔር ንላዕሊ ኣብ ኣካልን ህይወትን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘእምን ብርቱዕ መርትዖ ኣለዎ።

ብእምነት ምንባር

“ምስ ስነ ፍልጠት ጥራይ ዘይኮነስ ምስ ታሪኽ እውን ብትኽክል ከም እንተኣሳሰር ኪገብረና ዚኽእል እንኮ መለክዒ እምነት እያ።” ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ምዕ.1, 17 ትንቢት እንባቆም ጠቒሱ. . . “ጻድቕ ብእምነት ይነብር” ይብለና።

እቲ መልእኽቲ ትንቢት እንብቆም ሎሚ ንዓና ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ፥ ኣብ ዓለም ዝፍጠር በደልን ዓመጽን ንመልከት። ይኹን እምበር ነቲ ነቢይ “ጐይታይ ክሳዕ መዓስ?” ዝብል ሕቶ ምስ ኣቕረበሉ ዝህቦ መልሲ እዩ። እቶም ምስ እግዚኣብሔር ቅኑዕ ልቢ ዘይብሎም ይወድቁ እቶም ቅኑዓት ግና ብእምነተ ኪነብሩን ኣብ እምነት መልሲ ክረኽቡን እያቶም።

ተራ ቤተ ክርስቲያን

ቤተ ክርስቲያን ነቲ ኣብ ታሪኽ ዝረአ ዘሎ ግፍዒ ብዘይምቍራጽ ምእንቲ ክትርኢ፥ “ኣንጻር ጭቈናን ትዕቢትን ብምቛም ኣብ ጐድኒ ድኻታትን ድኹማትን ግዳያትን ምዃና ተረጋግጽ።”

ቤተ ክርስቲያን እቲ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዘሎ ውግእን ውደራን ንምውጋድ ትዓዪ። . . . ናይ ምትሕብባርን ሕውነትን ኣብነት ብምዃን ትምስክር . . . እምነት ኣጽዋር ቤተ ክርስትያን እዩ . . . ቤተ ክርስቲያን ብእምነት እያ ድማ እትነብር!” . . . ።

ምእመናን ነፍሲ ወከፍና ከኣ ምስቲ መብጽዓ እግዚኣብሔርን ትንቢትን ዝኾነ ናይ እምነት ተግባር ምስ ዝኾነ ክርስቶስ ንኽራኸቡ ክጓዓዙ ብጹዕነቶም ተማሕጺኖም። ዓለም ኣብ ኢድ ኣምላኽ እያ ዘላ፡ ሰብ ንናጽነቱ ብዘይግብኡ ክጥቀመሉ ኸሎ ኸኣ ንኸድሕኖ ይመጽእ። ምእንቲ እዚ እዩ ድማ ቅድሚ ክልተ ሺሕን ዕስራን ክልተን ዓመት ዝመጸ” እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

05 December 2022, 16:19