ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ኢጣሊያ ስነ ጥበበይና በኒኚ
ዕለት 7 ታሕሳስ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ቅድሚ ምልጋሶም ኣብቲ ጽርሓ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ዝርከብ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 ታሕሳስ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅድሚ ምልጋሶም ምስ ኢጣሊያዊ ውሩይ ስነ ጥበበይና በኒኚ ከም እተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 7 ታሕሳስ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ቅድሚ ምልጋሶም ኣብቲ ጽርሓ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ዝርከብ መቐበሊ ኣጋይሽ ንእሱስ ቤት ምስ ኢጣሊያ ናይ ፊልም ደራስን ከያንን ስነ ጥበበይና “ህይወት ጽብቕቲ እያ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋን ዝቐረጽዋን ከም ቀንደይና ተዋሳኢ ኮይኖም ብዘቕረብዋ ፊልም ኣብ 1999 ዓ.ም. ናይ ፊልም ኦስካር ተሰላሚ ንምዃን ዝበቕዑ ሮበርቶ በኒኚ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
08 Dec 2022, 15:58