ታሽዓይ ወርሒ ዘቑጽር ዘሎ ኲናት ኣብ ዩክሬይን ክርስትያናውነት ዝጸልው ቍስሊ
እቲ ኣብ ዩክሬይን ዝተባርዐ ውግእ ታሻዓይ ወርሒ ናብ ምቝጻር ገጹ የብል ምህላዉ ማእከል ገይሮም ናይ ዜና ቫቲካን ዋና ኣሰናዳኢ ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ - እቲ ኲናት ኣብ መንጐ ናይ ሓባር ጥምቀት ዝካፈላ ሃገራት ኣቑሳል ኣብ ዝኸፍተሉ ኵነት እምነትን ሃይማኖትን ትውፊትን ከም ንቡር ክውሰድ ከም ዘይብሉ ይምህረና ይብሉ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሩሲያ እቲ ዘስካሕክሕ ኣጥቓዒ ኲናት ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ካብ እተበገስ እነሆ ናብ ታሽዓይ ወርሒ ገጹ የብል ኣሎ። ትሽዓተ ወርሒ ማለት ህይወት ኣብ ማህንጸት ኣደ ቅርጺ ዝሕዘሉ ግዜ እዩ፡ እዚ ተመሳሳሊ ግዜ ኣብ ዩክረይን ግን ህይወት ንምሃብ ዘይኮነ ንሞትን ጽልእን ዕንወትን እዩ።
ሓደ ናይ ሓባር ክርስትና
ኣብዚ ውግእ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ኵሉ ግዜ ዘይንዝክሮ ድማ ኣብ መንጎ ክልተ ኣብ ሓደ እምነት ኣብ ክርስቶስን ኣብ ሓደ ጥምቀትን ኣብ ዝኣምኑ ክልተ ህዝብታት ዝኻየድ ዘሎ ግጭት ምዃኑ እዩ። ኣብቲ ውግእ ዝካየደሉ መልክዓ ምድራዊ ከባቢ ዘሎ ክርስትና፡ ኣብ 988 ዓ.ም. ምስ ጥምቀት ህዝብታት ሩሲያ ዝተኣሳሰረ ቭላድሚር ዓቢይ ኣብ ከርሰን ምስ ተጠምቀ ህዝብታትን ስድራኡን ህዝቢ ኪየቭን ኣብ ማያት ሩባ ድኒፐር ምስጥረ ጥምቀት ክቕበሉ ደለይ፡ ሩስያውያንን ዩክሬናውያንን ናብ ምብራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ሊጡርጊያን መንፈሳውነት ዝኻፈሉ ክርስቲያን ህዝቢ እያቶም።
ሎሚ ነዚ ሓባራዊ ምትእስሳር እምነትን ትውፊትን ሊጡርጊያን ብናይ ውግእ ደዓያት ብዝተስኣሳሰረ ምኽንያት ናይ ምሕባእ ዝንባለ ኣሎ፡ ክትቃለስን ክትቀትልን ከለኻ ገጽን ሰብኣውነትን ናይቲ ካልእ ክትርኢ ኣለካ” ኣንክብሉ ናይ ሰላም ነቢይ ነፍሰ ሄረ ብጹዕ ኣቡነ ዶን ቶኒኖ በሎ ከም ዝበልዎ እዩ። እቲ ካልእ ከማኻ ጸጋ ጥምቀት ከም ኣተቐበለ ክትርስዕ ኣለካ። እቲ ኣብ ማእከል ኤውሮጳ ዝተወልዐ ኲናት ኣብ መንጎ ክርስቲያን ዝካየድ ውግእ ስለ ዝኾነ እቲ ቍስሊ ንሰዓብቲ ኢየሱስ ዝያዳ መሪር ይገብሮ።
እዚ ግጭት እዚ ከምቲ ድሕሪ እቲ ዕለት 11 መስከረም 2001 ዓ.ም. ንናብቲ መንጎ ንሕናን ንሳቶምን ዝብል ክልሰ ሓሳብ ዝወለደ “ግጭት ስልጣነታት” ምስ ዝብል ኣገላልጻ ክምደብ ዝኽእል ኣይኮነን፡ እዚ እውን ኣይኮነን ዝገጠመና። እቶም ኣብዚ ግጭት እዚ ዝጠቓቕዑ ዘለዉ ሓደ ወንጌል ኣብ መንጎ ዘንብቡ ህዝብታት እዩ!
ብኲናት ዝፍጠር ቍስሊ
ስለዚ ነዚ ብምስትውዓል ዝለዓዓል ናይ ጭንቀት ስምዒት መልእኽቲ ወንጌል ክሳብ ሕጂ ኣብ ልቢ ክርስቲያን ከኣቱን ኣብ ባህሎም ክሰርጽን ክሳብ ክንደይ ክጓዓዝ ከም ዘለዎ ንኸነስተንትነሉ ክመርሓና ይኽእል እዩ። ምእንቲ ኣብነት ናይቲ ኣብ ጌተሰማንየ ንጴጥሮስ ሰይፍኻ ናብ ሰገባኡ ምለሶ እንክብል ዝኣዘዞ ኢየሱስ ክፍሊ ህይወትና ክንገብር።
እዚ ድማ ከምቶም ኣብ መንጎ ክርስትያን ንጥቕዓትን ዓመጽን ብሃይማኖታዊ መደረ ምኽንያታዊ ንምግባር ቅድስ ምስሊ ምስ ወተሃደራዊ ሰንደቕ ዕላማ ዝሓዋውሱ ደለይቲ ኲናት፡ ኣብ ውሑስ ናይ ፍርዲ መንበረ መደረ ከይተረፈ ክንድይብ ክመርሓና ይእኽል እዩ፡ እዚ ድማ ከምቲ ገሊኦም ሎሚ ክገብርዎ ዝደልይዎ ባዕልና ካሳብ ቀረባ እዋን ዝገበርናዮ እዩ።
እዚ ግን ንዓና ምቹእ ናይ ምህዳም መገዲ ጥራይ ምኾነ፡ እዚ ኲናት ዝፈጥሮ ቍስሊ ክፉት ንኸይከውን መጋበርያ ርእሰ ምሕረት እዩ፡ ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ኣብ ናይ ሓባር ትውፊት ምዃን ካብ ሓደ ብስራት ወንጌል ዝመበገሱ መንነትን ባህልን ከም ዘሎና ኣክንዲ ምዝካር ኣብ ኣረመናዊ ጽልእን ዓመጽን ቀታሊ ኲናት ከይንወድቕ ንኽዕቅበና ከም ዘይክእል ይምህረና።
ሰላም ብክርስቶስ ጥራይ
እቲ ቍስሊ ክፉት ምግባር ማለት እምነትናን ሃይማኖትናን ትውፊትናን ፈጺሙ ከም ንቡር ክውሰድ ከም ዘይክእል መዓልታዊ ምዝካር ማለት እዩ። ከም ክርስቲያን ብጸጋ ጥራይ እምበር ብባህሊ ወይ ብትውፊት ክንዋሳእ ከም ዘይንኽእል ምዝካር ማለት እዩ።
“ብጀካይ ዋላ ሓንቲ ክትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ዝብል ቃል ኢየሱስ ምዝካር። ናብ ትሕትና እቶም ንኣኡ ዝልምኑ ተመሊስና ነቲ ህያው ሎሚ ህልው ዝኾነን ንሰላሙን ንለምን እንክብሉ ኣንድረይ ኣቶርኒየሊ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ዛዝሚሞም።
(Andrea Tornielli)