ሓውጾተ ኖልዎ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኢጣሊያ ዞባ ፒየሞንተ መበቆል ወለዶም
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 19 ሕዳር ኣብ ኢጣሊያ ዞባ ፒዮሞንተ ናብ እትርከብ ከተማ ኣስቲ መበቆል ስድራ ቤቶም ምብጻሕ ከም ዘካየዱን ምስ ኣባላት ኣባይቲ ስድራኦምን ምስ ሰበኻ ኣስቲ ምእመናን ከም እተራኸቡን ሰንበት ዕለት 20 ሕዳር ኣብ ካቴድራል ኣስቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ኣዕሪጎም ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከም ዝደገሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ዕለት 19 ሕዳር ኣብ ከተማ ኣስቲ መበቆል ወለዶም ምብጻሕ ኣካይዶ፡ ምስ ኣዝማዶም ከም እተራኸቡን ኣብ ከተማ ፖርታኮማሮ ንዝርከባ ምስ ጓል ሓትንኦም ደሊያ ጋይን ምስ ጓል ሓው ኣቦሓጎኦም ነላ በርጎሊዮን ከም እተራኸቡን ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ቅዱስነቶም ኣብ ፖርታኮማሮ
ር.ሊ.ጳ. ካብ ሃገረ ቫቲካን ብሄሊኮፕተር ነቒሎም ኣብ ከተማ ፖርቶኮማሮ ኣብ ዝርከብ ናይ ስፖርት ሜዳ ምስ በጽሑ ብካህናት ናይ ሰበኻ እስቲን ብቆሞስ ኣባ ልዊጂኖ ትሪንክሮም ብናይታ ከተማ ምእመናን ኣቀባብላ ምስ ተገብረሎም ብቐጥታ ናብ ቤት ኣዝማዶም ብምኻድ ምስ ስድራ ቤት መበቆል ወለዶም ከም እተራኸቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ናብ ኣናስር ምምላስ
ኣብ ኣርጀንቲና ዝተወልዱ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ፒየሞንተ መበቆል ወለዶም ጥልቂ ርክብ ከም ዘለዎም ብዙሕ ግዜ ባዕሎም ዝገልጽዎ ኮይኑ፡ ቅዱስነቶም ኣብ ፖርታኮማሮ ምስ ጓል ሓወቦኦምን ኣዝማዶምን ተራኺቦም ኣብኡ እውን ናይ ምሳሕ መኣዲ ምስ ተቛደሱ ኣብ ቍሸት ሳን ካርሎ ብምኻድ ምስ ስድራ ቤት ደቂ ሓወቦኦም ከም እተራኸቡን ሓቢሩ።