ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ምብራቕ ኣሶራውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 19 ሕዳር ናብ ኣስቲ ንሓውጾተ ኖልዎ ቅድሚ ምንቃሎም ንወግዓዊ ምብጻህ ናብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ዝኣተዉ ምስ ናይ ኣሶራውያን ናይ መላእ ምብራቕ ኣቢያተ ክርስትያን ካቶሊኮስ ፓትሪያርክ ማር ኣዋ ስላሳይ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን፥ ኣብ ዘስምዎ ቃል ቅዱስነቶም፥ “እቲ ሃረር እንብሎ ምሉእ ሓድነት ኣቢያተ ክርስቲያን ክውን ክኸውን ብዘይ ምቁራጽ ንጸልይ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቶም ኣብ ወርሒ መስከረም 2021 ዓ.ም. ናይ መላእ ኣሶርያዊት ቤተ ክርስቲያን ምብራቕ ካቶሊኮስ ፓትሪያርክ ኮይኖም ዝተሸሙ ብጹዕ ወቅዱስ ማር ኣዋ ሳልሳይ ዕለት 19 ሕዳር ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን፥ ናይ ምብራቕ ኣሶራውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ጒባኤ ኤፈሶንን ድሓር እውን ኣብ ጒባኤ ቀልቄዶን ብዝተኻየደ ናይ እምነትን ሃይማኖትን ክትዕ መበቆል ዘለዋ ምዃና ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ እቲ ኣብ መንጐ ናይ ካቶሊካዊትን ኣሶራዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ድርገት ቲዮሎጊያ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ሓባር ስራሕ ኣድኒቖም፥ ብፍላይ ኣብ ናይ ሓባር ኣናፎራ ዓዳይን ማሪን ደቀ መዛሙርቲ፥ ቅዱስ ቶማስ ሓዋርያን ቅዱሳንን ቀዳማይ ክፍለ ዘመን፡ ንዘካየድ ዘሎ ናይ ሓባር መጽናዕቲ ብፍሉይ ከም ዝጠቐሱ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ዝተመሓየሸ ዝምድናታት
ቅዱስነቶም ቅድም ኣቢሎም ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ መንጐ ካቶሊክዊትን ኣሶርያዊት ቤተ ክርስቲያንን ዘሎ ርክብ ዕብየት የርእይ ምህላዉ ኣመላኺቶም፡ ቅድሚ ብጹዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ማር ኣዋ ሳልሳይ ዝነበሩ ማር ዲንካ ራብዓይን ድሓር እውን ማር ገዋርጊስ ሳልሳይን፥ ኣብ ውሳኔ ስነ ክርስቶሳውን ከምኡ እውን ዛዕባ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ዝብል ናይ ሓባር ውሳኔ ክታሞም ከም ዘነበሩ ዘኪሮም፥ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ኣብያተ ክርስትያን ዘሎ ናይ ሓባር ቲዮሎጊያዊ ሽማግለ ዘካየድ ዘሎ ስራሕ ዝነኣድ ምዃኖ እውን ምልስ ቢሎም ብምግላጽ፥
ምብጻሕኩምን እተካይድዎ ናይ ሓባር ዘተ ብሓይሊ እግዚኣብሔር ጽቡቕ ፍረ ዘፍርን ንረብሓ ምእመናን ዝኸውን ጓሳዊ ምትሕግጋዝ ዘዕብይን እዩ፡ እዚ ድማ ናይ ሓባር ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ናብ ምሉእ ሓድነት ዝወስድ ባህርያዊ መገዲ ምዃኑ እዩ ዘረጋግጽ
ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሓባር ዘተ ክልተኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ናብ ኣናስረን ክምለሳ ጥራይ ዘይኮነስ፥ “ኣብ መንጐ ክርስቶስን መርዓቱ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ምስጢረ ፍቕሪ” ብሓባር ኪምስክሩ ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዘስመሩሉ ኣፍሊጡ።
መሰል ክርስቲያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ
መሰል ክርስቲያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብዝምልከት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ቅድም ኣቢሎም ንክልቲአን ኣቢያተ ክርስቲያን ዘመሳስለን ብዙሕ ነገራት ምህላውሉን እዚ እውን ሓባራዊ ታሪኽ እምነትን ተልኾን ዓበይቲ ቅዱሳን ሊጡርጊያዊ ውርሻታትን ብፍላይ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰረተታት ዓመታት ምስክርነት ናይ ደም ሰማእታት ዝብል ዘርዚሮም፡ ካብቲ እታ ታሪኻዊት ቤተ ክርስቲያን ኣሶር እትርከበሉ ማእከላይ ምብራቕ ብዙሓት ክርስቲያን ተገዲዶም ከም ዝስደዱን ካልኦት ብዙሓት ድማ ኣብኡ ምትራፍ መሪጾም ብዙሕ መስዋዕትነት ይኸፍሉ ከምዘለዉን መሰል ማሕበረ ክርስቲያንን ብፍላይ መሰል ናይ ሃይማኖት ናጽነት መሰል ምሉእ ዜግነትን ክኽበር ወትሩ ዘቕርብዎ ጻውዒት ኣሐዲሶም፥ ኣብ ገለ ገለ ቦታታት ናይ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ምእመናን ኣብ ቅዱስ ቍርባን ዝሓብሩ ከምዘለዉ ኣስተብሂሎም፡ እዚ እውን ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ኣሚተን ብሓባር ኣብ ቅዱስ ቁርባን ንኽሓብራ ናይ ዝገብርዎ ናይ ሓባር ጸሎት ፍረ ምዃኑ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ሲኖዳውነትን ናብ ሓድነት
ሲኖዳውነት ኣብ ትውፊት ኣሶርያዊት ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ዓቢይ ተራ ዘኪሮም፡ እቲ ዝግበር ጉዕዞ ሲኖዳውነት፡ ናብ ጉዕዞ ኵለንተናዊ ሲኖዳውነት ንኸነብል ዝድርኽ ንሓባር ናይ ዝግበር ጉዕዞ መግለጺ እዩ፥
ንሓድሕድና ብምርኻብ ተስፋናን ቃልስናን ብምክፋል ንሓድሕድና ሓልዮት ብምርኣይ ልዕሊ ኵሉ ድማ . . . ጸሎትና ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብሕውነታዊ ጭቡጥ መገዲ፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ሲኖዳውነት ናይ ሓባር ጉዕዞ ክንስዕብ ከም እኽእል ተስፋይ እዩ።
ናይ ሓባር ዕለተ ፋሲካ
ኣብ መንጎ ክልቲአን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ናይ ሓባር መዓልቲ በዓለ ፋሲካ ንምብጻሕ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ብጹዕ ወቅዱስ ማር ኣዋ ንዘለዎም ድላይን ዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕርን ቅዱስነቶ ኣመስጊኖም፡ ነቲ “ኣብ መንጐና ዘሎ ምፍልላይ መወዳእታ ክንገብረሉ ትብዓት ይሃልወና . . . እቲ ክንህቦ ዝግብኣና ምልክት ንዅላትና ሓደ ክርስቶስ እዩ” እቲ ኣብ ኣብ መንጎ ኣሶርያዊት ቤተ ክርስትያንን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ዘሎ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ዝነወሐ ምፍልልያ ተባሂሉ ዝንገረሉ ብቐዳምነት ክፍታሕ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፥
እቲ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ንሓድነት ኣሚተን ዝግበርኦ ጉዕዞ ነቶም ድሮ ኣብ ሰማይ ተጠርኒፎም ዘለዉ ሰማዕታትን ቅዱሳንን ኣማላድነት ሕድሪ ቢሎም፡ ንብጹዕ ወቅዱስ ማር ኣዋ ናይቲ መሰረት ኣሶርያዊት ቤተ ክርስቲያን ተባሂሉ ናይ ዝግነረሉ ቅዱስ ቶማስ ቅዱስ ትሩፋት ገጸ በረኸት ኣቕሪቦም፡ እዚ ቅዱስ ትሩፋት እዚ እውን ኣብቲ ናይቶም ፓትሪያርክ መንበር ኣብ ዝርከበሉ ኣብ ዒራቕ ከተማ ኤርቢል ኣብ ዘሎ ፓትሪያርካዊ ናይ ኣሶር ካቴድራል ክቕመጥ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ናይ ሓባር መሰውኢ መንበረ ታቦት ብሓባር ኣብ ዙርያ ቅዱስ ቁርባን ኮይንና ነቲ ዝሞተን ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ጐይታ ብሓባር ጎይታየንን ኣምላኸይን ቢልና ክንጽውዖ መታን ንቁስሊ ኢየሱስ ብኢዱ ዝተንከፈ ቅዱስ ቶማስ ካብ ሕሉፍ ቁስልና ምሉእ ብምሉእ ምሕዋይ የቀላጥፍ፥
እንክብሉ ዘስምዕዎ ቃል ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።