ንኣገልግሎት ጐይታ ወትሩ ሓደስቲ መንገድታት ሃሰስ በላ! ር.ሊ.ጳ ንደናግል ክላረትያን
ዜና ቫቲካን!
ተቊዋም ትምህርቲ ንባበ መለኮት ንገዳማዊ ሕይወት ካብ ዝምስረት መበል 50 ዓመቱ የብዕል ኣሎ። እዚ ተቊዋም እዚ ብ1971 ዓም ንለበዋታት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ተኸቲሉ ኣብ ጳጳሳዊ መካነ ጥበብ ላተራኖ ዝቆመ እንክኸውን ኣሰሩ ግን ኣብ 1930 ከምዝኾነ ይግለጽ። ብመጀመርያ ከም ከም ዓውተ ትምህርቲ ንባበ መለኮት ንሰብ ውፉይ ሕይወት ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኮይኑ ከምዝቆመ መዛግብቲ ታሪኽ የመልክቱ።
ክላረትያኑም ዝብል ስም ማሕበር ብስም መስራቲ ማሕበር ደቂ ቅዱስ ልበ ንጹሕ ድንግል ማርያም ዝኾኑ ቅዱስ ኣንጦንዮስ ማርያ ክላረ ዝወጸ ኮይኑ ኣብቲ እዚ ቅዱስ እዚ ዘስተምህሮ ዝነበረ ትምህርቲ መንፈስን ተልእኮን ስለተኩር እዩ። ቅዱስነቶም ከኣ ነተን 50 ዓመት ዘብዕላ ዘለዋ ኣባላት እቲ ማሕበር ክንዮ ሕጽረት ጸዋዕታን ሽምግልና ኣባላተንን ገና ፍረ ዘለዎ ኣገልግሎት ካብአን ከምዝጽበዩ ብምስጋና ገለጹለን።
ፍርያም ኣገልግሎት!
ቅዱስነቶም ናብ ታሪኽ እቲ ተቊዋምን ኣብ ሓጺር እዋን ካብ ሮማ ጀሚሩ ኣብ ማድሪድ ሃገር እስፐይ ማኒላ ሃገረ ፊሊፒን ባንጋሎር ሃገር ህንዲ ቦጎታ ሃገረ ኮሎምብያን ኣቡጃ ሃገረ ናይጀርያን ኣብ ካልእ ሃገራት ክፍልታት ዓለምና ዝገበሮ ዝርጋሔን ዘወፍዮ ትምህርትን ብሓቂ ፍርያም ኣገልግሎት ከምዝኾነ ገሊጾም። እዚ ኣገልግሎት እዚ ከኣ ንዓሚቊ ርድኢትን ምዕባሌን ትምህርቲ ንባበ መለኮት ውፉይ ሕይወት ምስቲ ካልእ ትምህርታት ዓለምና ዝህቦ ኣስተምህሮ ብምግንዛብ ከምዘስፋሓ፣ እዚ ከኣ ናብራ ሰብ ውፉይ ሕይወት ሰብኣዊ ገጽታ ኣልቢስዎ ኢሎም።
ብቀንዱ ቅዱስነቶም ንክላሪታን ዘመስገኑሉ ጉዳይ ከኣ ብዛዕባ ውፉይ ሕይወት ዝምልከት ሥልጣናዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ናብ ኩሉ ብምዝርገሐን በዚ ከኣ ምስ ቅድስት መንበርን ጓሶት ናይ ክልል ኣብያተክርስትያንን ናይ ኣሕሉቅ ገዳማውያትን ገዳማውያንን ፈደረይሽንን ኮንፈደረይሽንን ሕብረቶም ብምርግጋጽ ምስ ካልኦት ባእታታት ጸዋዕታን ተልእኮ ቤተክርስትያንን ናቶም ናይ ኲስኰሳን ተሓድሶን ኣገልግሎት ብምስታፈን ኣመስጊኖመን። እዚ ከኣ ኣብ ቤተክርስትያን ውህደትን ሕውነትን ከምዘደንፍዕ ገሊጾምለን።
ውህደትን ሕውነትን!
ቅዱስነቶም ናብ ኣድላይነትን ኣድማዕነትን ሰብ ውፉይ ሕይወት ኣብ ቤተክርስትያንን ዓለምን ብምስማር ነዚ ንምግልጋል ከኣ ተልእኾኣዊ መንፈስ ክላረታን ከምዘድሊ ምስ ገለጹ ማሕበረን ነዚ ኣገልግሎት እዚ ክቅጽላ ኣተባብዕወን። ናይቲ ተቊዋም ትምህርቲ ንባበ መለኮት ሰብ ውፉይ ሕይወት ቀዳማይ እጃም ሥራህ ከኣ ኩለን ገዳማት ሰብ ውፉይ ሕይወት ሃንጐፋይ ቢለን ዝቅበላ ክፉታትን ምስ ድኻታት ምድግጋፍ ነንሕድሕዶም ውህደት ኣብ ውሽጥን ወጻእን ከኣ ሕውነት ክኸውን ከምዚ ክብሉ ሓደራ በልወን።
[ ንደቂ ተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን ሰብ ውፉይ ሕይወት እተበርክታኦ ሓገዝ ቅድሚ ሥነኣእምሮኣዊ ምዃኑ ኢየሱስ ጐይታ ምዃኑ ትእመነሉ ምስክርነት እዩ ኢሎም። ]
ቀቢጸ ተስፋ መንፈስ ክርስትና ኣይኮነን!
ቅዱስነቶም ኣብ ህልው ኩነታት ጸዋዕታ ሰብ ውፉይ ሕይወት ምናዳ ኸኣ ምንቊልቋል ጸዋዕታ በቲ ሓደ ወገን ምድፍእ ዕድመ ናይቶም ዝተርፉ ቁሩብቊራቦ ከኣ በቲ ካልእ ወገን ዘሻቅል እኳ እንተኾነ በዚ ተስፋ ክቈርጻን መንፈስ ምሽናፍ ክስመዔን ከምዘይብለን ኣጠንቂቆም። ኣብ ክንዲ ተስፋ ቊርጸትን ስክፍታን ብጐይታ ክተኣማመና ንመንፈስ ቅዱስ ክልምና ‘ብቀቢጸ ተስፋ ክጥቅዑ ዘፍቅዱ እምነቶም ኣብ ጐድኑ የቀምጡ ማለት እዩ፣ መንፈስ ሽንፈትን ቀቢጸ ተስፋን ናይ ክርስትያን ኣይኮነን’ እንክብሉ ወትሩ እምንቶአን ኣብቲ ዋና ግራትን ኣቦ ጸዋዕታን ዝኾነ ጐይታ ብምግባር ብተስፋ ክጐዓዛ ሓደራ ኢሎምወን።
ውስጠ ወለዶኣዊ ዘተ!
ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ምኽሮም ሽሕ’ኳ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮ ግድላት ዘሻቅል እንተኾነ ንክርስቶስ ብምሉእ ልበን ብተኣማንነት እናኣገልገላ ነቲ መሥረተን ዝኰስኰስዏ መንፈስ ሒዘን ንግላዊ መንፈስ ብምውጋድ ማሕበራዊ ሕይወት ከደንፈዓን ከም ጒዕዞ ሕውነትን ተልእኮን ከኣ ውህደት ባህልታት ክደንፍዓ ሓደራ ኢሎም። ምናዳ ከኣ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ወለዶታት ኣባላት ማሕበር ማለት ኣብ መንጎ ሽማግለታትን መንእሰይ ወለዶን ውስጠ ወለዶኣዊ ዘተ ክድንፍዕ ከማኡ እውን ኣብ ቤተክርስትያንን ኣብ ማሕበረሰብ ብምሉእን ክግበር በዘን ቃላት እዚአን ኣዘኻኸሩ።
ክሳብ ኣጽናፍ ዓለም ንምጒዓዝ ኣይትሰልችው!
ቅዱስነቶም ደጋጊሞም ንውሉደ ክህነት ካብ ዝምሕጸንዎ መንገድኹም መንገዲ እግዚአብሔር ይኹን ማለት መንገዲ ቅርበት መንገዲ ርሕራሔ መንገዲ ለውሃት ዝብልዎ ንማሕበር ክላረታን እውን ንጐይታን ንሕዝቡን ከገልግላሉ ዝኽእላ ወትሩ ሓደስት መንገድታት ከናድያ ከምዚ ክብሉ ሓደራ በልወን።
ክሳብ ኣጽናፍ ንምብጻሕ ኣይትሰልችዋ። ኣጽናፍ ሓሳባት እውን ንምብጻሑ ኣይርፍራሓ ከመይ ሽዑ ኢኽን ኣብ ጐይታ ተሰሪትክን ኣብ ተልእኾኽን መሰነይታ ዝኸውን ሓደስቲ ጐደናታት ትምህዛሉ ብማለት ኣዘካኺሮም ብምስግናን ሓዋርያዊ ቡራኬን ኣሰናበትወን።