ድለ

ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ጥቓ ቅዱስ ጴጥሮስ ሞይቱ ስለ ዝተረኽበ ግዳም ሓደር ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ጥቓ ቅዱስ ጴጥሮስ ሞይቱ ስለ ዝተረኽበ ግዳም ሓደር 

ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ጥቓ ቅዱስ ጴጥሮስ ሞይቱ ስለ ዝተረኽበ ግዳም ሓደር

ኵሎም ምእመናን ምእንቲ እቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ግዳም ሓደርን ኣልቦ ቤት ዝኾኑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክጽልዩ ሓደራ

ካብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣትሒዙ ኣብ ሮማ ከተማ ብዘሎ ቁርን ዝናምን ምኽንያት ናብ ዕለት 26 ሓዳር ዘውግሕ ለይቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ሞይቱ ዝተረኽበ ጀርመናዊ ግዳም ሓደር ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጸሎት ኣቕሪቦም ንዅሎም ግዳም ሓደርን ኣልቦ ቤት ንኽኹኑ እተገዱን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ቆላሕታ ክግበር ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ከም ዘፍለጠ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፥ ምእመናን ምእንቲ ኩሎም ግዳም ሓደር ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክጽልዩን መዕቆቢ ክረኽቡ ኵሉ ከከም ሓላፍነቱ ዝከኣሎ ኪገብር ሓደራ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ፣

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ እዋን እዚ ዝርአይ ዘሎ ቁርን ዝናምን ብዙሓት ግዳም ሓደር ኣሕዋትን ኣሓትን ንሓደጋ ይቃልዑ ምህላዎምን ዝተፈላለያ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ረድኤት ማሕበራት ኣብ ምእላዮም ይንቀሳቐሳ ምህላወን ክንገር እንከሎ፡ ናብ ዕለት 26 ሕዳር ዘውግሕ ለይቲ ሓደ ካብቶም ኣብ ከባቢ ሃገረ ቫቲካን ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ዝርከቡ ግዳም ሓደር ኣሕዋትን ኣሓትን ዝኾነ ጀርመናዊ በርክሃርት ሼፍለር ሞይቶም ከም እተረኽቡን ቅዱስ ኣቦና ምስ ተሓበሩ፡ ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም፡ ጸሎት እውን ከም ዘዕረጉ ዝሓበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ኣስዒቦም፡ ኵሎም ምእመናን ምእንቲ እቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ግዳም ሓደርን ኣልቦ ቤት  ዝኾኑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክጽልዩ ሓደራ ከም ዝበሉ ገሊጾም፡ ነፍሰ ሄር ሸፍለር ኣብ 1961 ዓ.ም. ኣብ ጀርመን ዝተወልዱ ከም ዝኾኑ ብሩኒ ኣመላኺቶም ቅዱስ ኣቦና ንዅሎም ነቶም ኣብ ሮማን ኣብ መላእ ዓለምን ዝርከቡ ኣልቦ ቤትን ግዳም ሓደርን ንምዃን ዘተገዱ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘኪሮም ኣብቲ ምእንቲ እዞም ኣሕዋትን ኣሓትን ዘዕርግዎ ጸሎት መእመናን ክሓብሩ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ኣፍሊጦም።

26 November 2022, 15:47