ቃለ ምዕዳን ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሮማ ንናይ ቸክን ስሎቫኪያን ጳጳሳዊ ተቕዋም ማሕበረሰብ ቅዱስ ነፖሙክ
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 10 ሕዳር ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ሃገር ቫቲካን ሮማ ናይ ዝርከብ ናይ ቸክን ስሎቫኪያን ቅዱስ ነፖሙክ ጳጳሳዊ ተቕዋም ኣባላት ካህናትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱን፥ ናይቲ ተቕዋም ማሕበርሰብ ኣብዚ እዋን ግጭትን ውግእን ናይ ዘተን ሰላምን ድልድል ዝሓንጽ ኮይኑ ክረከብ ሓደሓራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅደስነቶም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ናይቲ ጳጳሳዊ ተቕዋም ሓላዊ ቅዱስ ዮሓንስ በዓል ነፑሙክ ኣብ 14 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ተወላዲ ቦሄሚያ ታርኽ ቅድስናኡን ገድልታቱን ዘኪሮም፡ ብፍላይ ከኣ ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ንጉስ በዓልቲ ቤቶም ንግስቲ ዝተናዘዘኦ ክነግርዎም ሓቲቶምዎም ናይ ንስሓ ምስጢር ብምዃኑ ድማ ኣይከውንን ስለ ዝበሉ እዚ እውን ናይ ደም ሰማእትነት ከም ዘኽፈሎምን ብዙሓት ካህናት ጳጳሳትን ንተልእኾ ቤተ ክርስቲያንን ጸዋዕታኦምን እሙናት ክኾኑን፥ “ንስርዓታት ኣይፋል” ንኽብሉን ኣብነት እዮም እንክብሉ ገሊጾም።
ንኽርስቶስ ‘እነኹልካ” ናይ ምባል ትብዓት ምርካብ
ቅዱስነቶም ጽንዓትን ትብዓትን ቅዱስ ዮሓንስ ዘነፖሙክ ኵሉ ግዜ ኣብ ራእይ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ክህሉ ከም ዘለዎን ከም ኣባላት ውሉደ ክህነት ንዝተግብርዎ ኣገልግሎት እውን ህያው ሰረት እዩ።” ንናይ መራኸቢ ብዙሓንን ናይ ዓለም ሓይልን ፖለቲካን ባህልታትን ጸቕጥታት ኣይፋል ናይ ምባል ክእለት ይህልወኩም እዚ እውን ክርስትያን ናይ ምዃን መግለጺ እዩ። ስለዚህ ቅዱስ ዮሓንስ ዘነፖሙክ ናይ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ክርስቶስን ምዃን ህያው ኣብነት እዩ፥
እቲ ብሰማእትን ቅዱስን ቦሄምያዊ ካህን ስም ዝጸዋዕ ጳጳሳዊ ተቕዋም ወትሩ ምስ ክርስቶስን መንፈስ ቅዱስን ኣብ ዘሎ ርክብ ዝተመስረተ ናይ ሓርነትን ውሽጣዊ ሓርነትን ዝነብርን ቤት ትምህርቲ ክኸውን ተስፋ እገብር!
ድልድላት ምሕናጽ
ዝኽሪ ቅዱስ ዮሓንስ ዘነፖሙክ ብግብኡ መገዲ ንምኽባር ኣብ ውሽጢ ገዛእ ርእስናን ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ጒጅለታት ሰባት ምፍልላይን ዘይምርድዳእን ኣብ ዘለሉ ናይ ዘተ ድልድል ምሕናጽ ዝብል ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣብሪሆም፥
ኣብ መንጐ ዝተፈላለዩን ተጻረርትን ሰባትን ጒጅለታትን ዘተ ክህሉ ንገዛእ ርእስናን ድልድላትን ትሑታትን ተባዓትን መገበርያ ርክብን ንዅን!
ኢየሱስ ማእከል ምግባር
ናይ ሕውነትን ዘተን ድልድል ንምሕናጽ ቀዳማይ ስጒምቲ ብቐንዱ ጸሎት ወይ ድማ ልቢ ኢየሱስ ብጹኑዕ ከይተሓለልካ ምኹሕኳሕ ምዃኑ ቅዱስነቶም ገሊጾም ኣስዒቦም እውን ኣብ ወርሒ ጥሪ 1991 ዓ.ም. ኣብ እዋን ኲናት ወሽመጥ ዓረብ ነፍሰ ሄር ብጹዕ ካርዲናል ካርሎ ማሪያ ማርቲኒ፥ “ኣማላድነት ማለት ገዛእ ርእስኻ ኣብቲ ግጭት ኣብ ዝፍጸመሉ ቦታን ኣብ መንጎ ክልተ ዝጋጨው ተጻረርቲ ሓይልታት ምንባር ማለት እዩ [ . . . ] እዚ ድማ ኢየሱስ ኣብ መስቀል እንከሎ ከም ዝገበሮ” እንክብሉ ዝሃብዎ ኣስተንትኖ ዘኪሮም፡ ኣብ ከምዚ ሎሚ ዝኣመሰለ ናይ ኲናት እዋን ብፍላይ እዚ ኣስተንትኖ እዚ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጾም፡ ንገዛእ ራስና ከም ማእከል ህይወትና ኣብ ክንዲ ነቐምጥ ካብ ናይ ዓለም ፈተና ብምርሓቕ ኢየሱስ ክርስቶስን ማእከል ህይወት ንግበሮ፥
ንሱ እምበር ገዛእ ርእስና እውን ናይ ሕይወትና ማእከል ኣይንግበር!
እቲ ጳጳሳዊ ቅዱስ ዮሓንስ ዘነፖሙክ ተቕዋም ህብረ ባህሊ እናኾነ ይዓብይ ምህላዉ እውን ገሊጾም፡ ስለዚህ ብዙሕነት ድልድል ንምህናጽ እቲ ዝበለጸ እንህነጸሉ ምገዲ እዩ፡ ኣገልገልቲ ናይ ምርኻብ ባህሊ ኣብ ካልኦት ዘሎ ፍልዩነትን ከምኡ እውን ሓባራዊ ሰብኣውነት ዘስተውዕሉ ክኾኑ ሓደራ ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።