ድለ

UKRAINE-RUSSIA-CONFLICT-WAR-ART UKRAINE-RUSSIA-CONFLICT-WAR-ART 

ኣብ መንጎ ክየቭን ሞስኮን ሰላም ክወርድ ይከኣል እዩ! ጥራይ ነቶም ናይ መወዳእታ ግዳያት ኣይንረስዕ!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ላ እስታምፓ ምስ ዝበሃል ህቡብ ኢጣልያዊ ጋዜጣ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ውግእ ኡክራይናን ሩስያን ካብ ዝጅምር ቅድስት መንበር ውግእ ደው ዝብለሉን መዓጹ ዘተ ዝኽፈቱሉን መንገዲ ካብ ምንዳይ ዓዲ ኣይወዓልትን፣ ምስዚ ኩሉ ንጸገም ሕዝቢ ኣብ ምሕጋዝ ንስቃያቶም ምሳኦም ኣብ ልብና እናጾርና ቅርበትና ወትሩ ብግብሪ ምስ ገለጽና ኢና እንክብሉ ዲፕሎማስያዊ ስራሕ ቅድስት መንበር ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ነቲ ብዙሕ ሃረር ዝተባህለሉን ዝተዘርበሉን ግን ገና መዓልቱ ዘይኣኸለ ምብጻሕ ክየቭን ሞስኮን ንምዝኽኻር ብዝመስል ጋዜጠኛ ላ እስታምባ ዶመኒኮ ኣጋሶ ንቅዱስነቶም ዘቅረባ መጀመርያ ሕቶ እቲ ኣብዚ ሳልስቲ እዚ 90 ዓመታ ተብዕል ዘላ ጓል ሓውቦኦም ንምብጻሕን ምስ ኣባላት መበቆል ስድራቤቶምን ክራኸቡ ንዝኸድዎ ምኽንያት ብምግባር ነቲ ኣብ ንእስነቶም እንከለው ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ወጥሩ ዝሑል ኲናት ብምንጽጻር ነዚ ንሶ ሳልሳይ ኩናት ዓለም ዝበልዎ ምፍርራሕ ኒክለሳዊ ኣጽዋር ዝተሓወሶ ብከመይ ከምዝገልጽዎ ዘቅረበሎም መባእታዊት ሕቶ ነበረት።

ቅዱስነቶም እንክምልሱ ‘ትርጉም ኣልቦ’ ነቲ ጽላለ ውግእ ምስ ገለጹ ‘ፍሉይ ቊጣዓን ሓዘንን ዝፈጥር ከኣ ነቲ ክንዮ እዚ ኩሉ ትራጀዲ ውድድር ሥልጣንን ንግድ ኣጽዋርን ምሃላው እዩ። ገሊኦም ከምዝበሉኒ ኣብዛ ዓለምና ንሓደ ዓመት ኣጽዋር ውግእ ምፍራይን ምሻጥን ደቅ እንተዝብል ጥሜት ካብ ገጽ ምድሪ ምጠፍኤ። እንተኾነ እዚ ብውግእ ዝዕምብብ ጸዋዕታ ዕንወት ወትሩ ምስ ተዓወተ እዩ። መንግሥታት ሕምቅ ዝበሉ ኮይኖም ክስምዖም እንከሎ ብኡ ንብኡ ሓያላት ኮይኑ ክስምዖም ውግእ ይእውጁ ከማኡ እውን ኣጽዋር ንክሸጡ፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ክፍለ ዘመንሲ ሰለስተ ውግኣት ዓለም! ፈጺምና ካብ ዝሓለፈ ኣይንመሃርን! ከም ሓቁ ከኣ ኣብ መካነ መቃብር ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣንስዮ ከድካ ምዕዛብን ንዕድመ ናይቶም ኣባኡ ተቀቢሮም ዘለው ምስትንታንን እኹል እዩ፣ ኣነ ናባኡ በጺሔ እየ ኣብ ቅድሚ መቃብር ዕሸል መንእሰያት ኣመሪካ ደው ምስ በልኩ ዕመኦም 20 ዓመት ዝብል ምስ ረኣኹ በኽየ። ልበይ ይበኪ ነበረ ከመይ ኣቦሓጎይ ብዛዕባኡ የዘንትወለይ ነሩ፣ ከምቲ ኣብ ካልእ ቃለ ምልልስ ብዛዕባ ኖርማድያ ዝበልክዎ እውን ሽሕ`ኳ ምጅማር ውድቀት ናሲዝም እንተነበረ ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ልዕሊ ሰላሳ ሽሕ መንእሰያት ተቀዚፎም። ሓቀይ ዝብለካ ካብ ዝሓለፈ ፈጺምና ኣይንመሃርን’ እንክብሉ እዚ ንዓለም ምሉእ ኣንጸላልዩ ዘሎ ብኒክለሳዊ ዕንወት ምውጥዋጥ ከይፍጸም ዘለዎም ስግኣት ገሊጾም።

ምስ እዙይ ብምትሕሓዝ እቱይ ጋዜጠኛ ኣልግብ ኣቢሉ ኣብ መንጎ ቫቲካንን መንግሥቲ ክረምሊንን ገለ ዲፕሎማስያዊ ሓዲስ ዜና ይህሉዶ ክብል ሓተቶም።

ቅዱስነቶም እንክምልሱ ‘ንምዕባሌ ናይቲ ኩነታት ብቀጻሊ ተጠንቂቅና ኢና እንከታተሎ ዘሎና፣ ከምቲ ካብ ባህረይን እንክምለስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብኩዎ መብርሂ ቤትጽሕፈት ቅድስት መንበር ይሰርሕ ኣሎ ጽቡቅ ከኣ ይሰርሕ ኣሎ ዕለት ዕለት ነቲ ኩነታት እናተኸታተለን ንዝኾነ ተኽእሎ እናመዘነን ውግእ ደው ዝብለሉን ናብ ሓቀኛ ዘተ ዝብጸሓሉን መንገዲ ሃሰስ ይብል ኣሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቤተክርስትያን ካብ ጽባሕ ውግእ ጀሚራ ነዛ ብውግእ ትሕመስ ዘላ ሃገረ ኡክራያና ሰብኣዊ ሓገዝ ብምውፋይ ንሕዝባ ተሰኒ ኣላ። ምስዚ ከኣ ብዝተኻእለና መጠን ኣብ መንጎ ክልቲኦም መቀራረቢ ንርክብ ዝኸውን መርበብ ንምፍጣርን ፍታሕ ንምርካብን ሃሰስ ንብል ኣሎና። ኣብ ርእሲ እዚ ቅድስት መንበር ንእሱራት ንምሕጋዝ ክትገብሮ ንዘለዋ ኩሉ ትገብር ኣላ’ ኢሎም።

ባቲካን መንጎኛ ዘተ ሰላም ክትከውንን ምናልባት ልዝብ ክግበር ኣብ ስምምዕ እንተተበጺሑ መራኸቢ ባይታ ዘተ ክትከውንዶ ትኽእል!

ከምቲ ቅድሚ ኣዋርሕ ዝተገልጸን ደጋጊሞም ዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ከምዘብርህዎን ቅድስት መንበር ንዕርቂ ክተዛትን ንግጭት ኡክራይና መወዳእታ ክህልዎን ዝተኻእላ ኩሉ ክትገብር ስንድውቲ እያ።

ኣብ መንጎ ሞስኮን ክየቭን ዕርቂ ክመጽእ ይኽእል ቢልኩምዶ ትትስፈው!

እወ ተስፋ ኣሎኒ። ተስፋ ኣይንቊረጽ ሰላም ክመጽእ ይከኣል እዩ። እንተኾነ ኩልና ንልብታትና ኣጽዋሩ ከራግፍ ክንሰርሕ ኣሎና፣ ነዚ ከኣ ካብ ልቢ ገዛእ ርእስና ጀሚርና ክንገብሮ በዚ ከኣ ንዝኾነ ኣጽዋር ክነምክንን ንዝኾነ ዓመጽ ብዘይ ኣጽዋር ክነትርፎን ንኽእል። ሰላማያውን ገበርቲ ሰላም ክንከውን ኣሎና። ሰላም ምድላይ ክበሃል እንከሎ ውግእ ደው ምባል ጥራይ ኣይኮነን ከመይ እዚ እንደገና ኣጽዋር ንክትእንገብ ዝሕግዝ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሰላምሲ ፍረ ሓቀኛ ዘተ እያ። ብኣጽዋር ውግእ ሰላም ኣይርከብን ከመይ ንጽልእን ጽምኢ ምልክን ከወግዶ ኣይክእልን፣ በዚ ከኣ ብካልእ መንገዲ እቲ ብውግእ ክሽነፍ ዘይከኣል ጽልእን ጽምኢ ምልክን በሎኽ ክብሉ እዮም።

ምናልባት ነታ ቀዳመይቲ ጓልኣንስተይቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃገረ ጣልያን ጆርጅያ መሎኒ እንተረኺብኩማ እንታይ ኮን ምበልኩምዋ።

ኣብ ፍሉይ ጉዳያት ፖሎቲካ ሃገረ ጣልያን ኢደይ ከእቱ ኣይደልን። ብሕዝቢ ዝተመርጸ ሕጋዊ መንግሥቲ ኣሎ። ጒዕዞኡ ገና ኣብ ምጅማር እዩ ዘሎ፣ ንዝመርሖን ዝተሓባበርዎን ሠናይ ምንዮተይ እገልጽ፣ ተቃወምቲ እውን ተሓባባርቲ ክሳብ ዝኾኑ ከመይ እቲ መንግሥቲ ናይ ኩሎም እዩ፣ ቀንዲ ዕላማኡ ሓባራዊ ሠናይን ንኣኡ ውሕስነት ምሃብን እዩ። ከም እንኮ ኣዝማምያ ከኣ ዝበለጸ መጻኢ ንሃገረ ጣልያን እዩ። ዝሓለፈ ሰንበት ዓለምለኸ ዕለት ድኻታት ዘኪርና፣ ንኩሎም መንግሥታት ዓለም ከምዘዘኻኽሮ ከኣ መግሥቲ ሃገረ ጣልያን እውን ነቶም ናይ መወዳእታ ግዳያት ዝኾኑ ድኻታት በጃኹም ኣይትረስዑ እብሎ።

ንኣህጉር ኤውሮጳ ካብ ጸቢብ ሃገራውነትን ሕዝባዊ ምንቅስቃሳትን ክትሕሎ ወትሩ ተዘኻክሩ፣ ኣብዚ ግዜ እዚ ፋሽሽታዊ ሥርዓት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ክምለስ ይከኣል እዩ ይበሃል ይጸሓፍ እውን ኣሎ። ንስኹምከ ብዛዕባ እዚ እንታይ ትሓስቡ!

ደጋጊመ ከምዝበልክዎ ነዚ ብኢስም ዝውድእ ማለት ኮሚኒስም ፋሺዝም ናሽናሊዝም ዝብል ብጣዕሚ ክንጥንቀቀሎም የድሊ ከመይ ብግብዝንት ሸፊኖም ሸፋፊኖም ማሕበራውን ቁጠባውን ክፍኣተ ግብሪ እዮም ዝዘርኡ።

ዝመጽእ ሰንበት ነታ ወለድኹም ካብኣ ነቂሎም ንሃገረ ኣርጀኒትና ዝተሰዱላ ቊምስ ንምብጻሕ ኣብ ካተድራል ኣስቲ ክትቅድሱ ኢኹም! ኣብ መበቆላዊ ዓድኹም ር.ሊ.ጳ ኮንኩም ምምላስኩም እንታይ ስምዒት ይፈጥረልኩም!

ካብ ንውሕ ዝበለ ግዜ ገለ ሰዓታት ምስቶም ኣብ መበቆል ስድራቤተይ ዝርከቡ ቤተሰብ ክራኸብ እደሊ ነቢረ። ቅድሚ ር.ሊ.ጳ ምዃነይ ናብቲ ዞባ እመላለስ ነረ፣ ካብ ኣርጀንቲና ኣብ ሮማ ዝርከብ መካነ ሕልቅነት ኢየሱሳውያን እንክመጽእ ወይውን ሊቀጳጳስ ኣርጀንቲና ምስ ኮንኩ ንሲኖዶስ ኣብ ሮማ እንክመጽእ እዚ ዘይተርፍ ልማድ ነበረ፣ ዕድል ኣብ ዝረኸብኩሉ ናብ ኣውራጃ ፕየሞንተ ብምኻድ ነዝማድ ኣቦይ እበጽሕ ነረ። ከም ሰፊሕ ስድራቤት ብዙሕ ዝተኣሳሰርና ኢና። ምናዳ ኸኣ ምስታ ዓባይ ጓልሓውቦይ ካርላ ብዙሕ ግዜ ስልኪ ንደዋወል ኢና። ጽባሕከስ ምስ ካልኦት ሓሙሽተ ደቂሓውቦታተይ ብሓባር ክንራኸብ ኢና። እዚ ንልበይ ብሓጐስ ይመልኦ።

ኣውራጃ ፕየሞንተ ንኣኹም እንታይ እዩ! እንታይ እንታይከ የዘኻኽረኩም!

ቋንቋ ኣደይ እያ! ወዲ 13 ወርሒ እንከሎኹ እያ ኣደይ ምንኣሰይ ዝወለደት! ኣባሓጎይ እኖሓጎይ 30 መትሮ ካብ ገዛና ስለዝነበሩ ኣደዓባየይ መጺኣ ትወስደኒ እሞ ምሳኦም ላህጃ ፕየሞንተሰ እዛረብ ነረ፣ ንሕይወት ብቋንቋ ላህጃ ፕየሞንተዘ እየ ተቀቢለያ ክብል እኽእል። ብቋንቋ ላህጃ ፕየሞንተሰ ዝተደርሰ ግጥምታት ኒኖ ኮስታ ወትሩ እደጋግሞ። ካልአይቲ ከኣ ጸሎት ናብ መጸናንዒት እኖና ድንግል ማርያም ላ ኮንሶላ እትብል ወትሩ እጽልያ።

ኣብዛ ዓለምና ብግሎባሊዘይሽን ናብ ቁሾት ተለዊጣትሉ ዘላን ብተክኖሎጂ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሓትሉን ኣብ ዘሎ ዘመን መበቆል ወይውን ሡርካ ምፍላጥ እንታይ ግደ ኣለዎ ትብሉ።

ንክልተ ጉዳያት መሠረታውያን እዮም! መጀመርያ ባህላዊ እንክኸውን ባህላዊ ሡር መሠረትካ ክትርስዕ ወይውን ክትክሕድ ብምንም ተኣምር ኣይከኣልን። ካልኣይ ከኣ ስድራቤታዊ ምትእስሳር ስለዝኾነ ነዚ ወትሩ ክተኽብሮን ዋጋ ክትህቦን ክትሕልዎን የድሊ፣ ምናዳ ንኣባሓጎታትን እኖሓጎታትን፣ ከምቲ ደጋጊመ ዝብሎ መንእሰያት ኣንተደኣ ሡርመሠረቶም ከጽንዑ ደልዮም ምስ ኣቦሓጎታቶምን እኖሓጎታቶምን ክዋስኡ ኣለዎም።

ር.ሊ.ጳ ካብ ትሽየሙ ድሮ ዓሠርተ ዓመት ኽኸውን ቀሪቡ ኣሎ ድሕሪ ቁሊሕ ቢልኩም እንክትጥምቱ እንታይ ይረኣየኩም!

ዕለት ዕለት ብዛዕባ ሕይወተይ የስተንትን እየ። እዚ ቅዱስ ኢግናጽዮስ ዘለዮላ ንደናግልን ካህናትን ጥራይ ዘይኮነ ንነፍስወከፍ ሓደራ ዝብሎ ኮይኑ እንተወሓደ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ መርመራ ሕልና ከካይድ ኣለዎ። ዝተገብረ ሓጢኣት ንምፍላጥ ዘይኮነ ኣብ ውሽጥና እንታይ እንታይ ይፍጸም ኣሎ ንምስትውዓል እዩ። ልብና ወይውን ሕልናና ብዙሓት ከምዝጐዓዙሉ ጐደና ማንም ግን ዘየስተውዕለሉ ክኸውን ይኽእል። ስለዝኾነ ከኣ ሓንሳብ ደው ቢልካ ኣብ ፍጻሜ ዕለት እንተኾነ ይምረጽ፣ ከመይ ከመይ ቢለ እነብር ኣሎኹ ቢልካ ምምርማር የድሊ። በዚ ከምዚ ከኣ ሓደ ሰብ ኣብ ሕይወቱ ንዝተቀበሎ ጸጋ ይርዳእ! ንዝገበሮ ሠናይ ነገራት ከማኡ እውን ብሓሳቡን ብግብሩን ዝጐደሎ የስተንትን። በዚ ጐዳና እዚ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት በየናይ መንፈስ ከምዝነብር ብምርዳእ ንቅድሚ ይግስግስ፣ ንኣብነት ብሃረርታ ዕርቅን ዕርክነትን ሕውነትን ወይውን ኣብ ፈተና ሕነ ምፍዳይን ቈይቊን ትዕቢትን እናወደቀ ይነብር።

ር.ሊ.ጳ ኰንኩም ንክትምረጹን ንክትሠርሑን ሕጉስ ዲኹም!

ንጸዋዕታይ ምስጋና ይኹኑ ጐይታ ኣብ ዘቀመጠንን ዝለኣኸንን ኣገልግሎታት ወትሩ ሕጉስ እየ። እዚ ግን ገለ ስለዝተዓወትኩ ኣይኮነን፣ ምንም ዝተዓወትክዎ የለን። ከመይ እዚ ኣገልግሎት እዩ። ቤተክርስትያን ከኣ ንከገልግል ሓቲታትኒ! ኣነ ክምረጽ እየ ዝብል ሓሳብ ኣይነበረንን እንተኾነ ጐይታ ደልይዎ። ስለዚ ንቅድሚት! ዕለት ዕለት ብምንም ተኣምር ደው ከይብል እናበልኩ ዝተኻእለኒ ኩሉ እገብር።

ድሕሪ 76 ዓመት ኣብ ኣርጀንቲና ሎሚ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ር.ሊ.ጳ ኮንኩም ወዲ 86 ኰንኩም ኣልኹም፣ ሎሚ ከም ሎሚ ሕይወት ወይውን ምሥጢረ ሕይወት ብዓንዳ ርእሳ እንታይ እያ!

ንኩሉ ጉዳይ ካብ ዘሎኹዎ ክጥምቶ ባህ ይብለኒ። ሆልደርሊን ንኣደዓባዩ ዝጸሓፋ ግጥሚ ኣላ። ቅሳነትን እምነትን ዝመልኣ ሽምግልና ይዛረብ። ኣብዚ ዕድመይ ከኣ ቅሳነት ዓቢ ሰላምን ሓጐስን እትፈጥር ከማኡ ኣውን እምነት እዕዘብ። ሽምግልናይ ቅስንትን እምነት ዝመልኣን ኰይና ትስምዓኒ።

እግዚአብሔር ኣበይ ትደልይዎ አበይከ ትረኽብዎ!

ኣነ ወትሩ እጽሊ። ንግሆ ንግሆ እቅድስ። ንጐይታ ኣባኡ እረኽቦ። ስዒቡ ኣብ ዝገብሮ ኩሉ እረኽቦ ምናዳ ኸኣ ዕለት ዕለት ኣብ ዝጓነፉኒ ኣብ ነፍስወከፍኩም እረኽቦ።

ኣብዚ ቀረባ ግዝያት ‘ኣብ ክንዲ ኣብ ቅድሚ መስቀል ኣብ ቅድሚ ኢንተርነት ብምውዓል መልሲ ሃሰስ ይብሉ’ ኢልኩም ነርኩም ንዝሳቀ ሰብ እንታይ ምመኸርኩም።

ምንም! ሃንጐፋይ ቢለ ብገርሀይና መንፈስ ጽን ቢለ ምሰማዕኩዎ። ኣብ ቃንዛን ስቃይን ዝርከቡ ሰባት ስብከትን ምኽርን ኣየድልዮምን ኣብ ጥቃኦም ኮይኑ ኢዶም ሂቦም ክዛረቡ ናይ ልቦም ከውጽኡ ዘውፍቅድሎም እዮም ዝደልዩ። ናይ ብልበይ ብሓቂ እየ ዝብሎ ዘሎኹ፣ ዓመታት መጠን ዝሓለፈ ንሰባት ጽን ቢልካ ምስማዕ ተማሂረ። ነቶም ንሓቂ ብምልእታ ቶጒ ኣቢሎም ዝነግሩኻ ሕጻናት ጽን ቢልካ ክትሰምዕ ዘይነጽፍ ጥበቦም ዘካፍሉኻ ሽማገልታት ከማኡ እውን ሰብኣውን ክርስትያናውን ምስክርነት ድኻታት ጽን ቢልካ ምስማዕ። ናይቶም መዓት ገንዝብ ዝውንኑ ግን ከኣ ኣብ ሕይወቶም እንታይ ከምዝገብሩ ዝሓርበቶም ብሓዘን ዝተጐብኡ መዓት ገንዘብ ዘለዎም ትሳቀ ነፍሲ ዝውንኑ ሰባት እውን ጽን ቢልካ ምስማዕ የድሊ። ጽን ቢለ ክሰምዕ ከሎኹ ደስ ይብለኒ በዚ ንሰባት ምግልጋል እመሃር።

ነቶም ኩነታት መጻኢኦም ደንበንገረ ዝዓሰሎ ዘሻቅልን ዘይውሑስን ኮይኑ ዝረኣዮም መንእሰያት ትብልዎ ኣሎኩምዶ!

ሓደ ላቲንኣመሪካዊ ጸሓፊ ከምዝበሎ ‘ነፍስወከፍ ጓልኣንስተይትን ወዲተባዕታይን ፍልይ ብዘበለ ከኣ ነፍስወከፍ ጎርዞን ጎበዝን ኣብ ውሽጦም ክልቲ ኣዕይንቲ ኣለዋኦም፣ ብሓደ ዓይኒ ማለት በቲ ናይ ሥጋ ዓይኒ ነቲ ዝርእዮ ይርኢ! በቲ ካልእ መነጽራዊ ዓይኒ ከኣ ነቲ ዚሓልሞ ይርኢ’ ይብል። ንመንእሰያት ዝመኽሮምከስ ብቀዳምነት መነባብሮኦም ተዓዚቦም ክኽእሉ ከማኡ እውን ፍልይ ብዝበለ መንገዲ መጻኢኦም ክጥምቱ ሓደራ እብሎም፣ ብክልቲኡ ጠመተ ማለት ነቲ ዘለውዎ ህልው ኩነታትን ንመጻኢ ዚሓልምዎ ሕልሞምን ጠሚቶም ክኽእሉ። ንህልው መነባብሮኡ ክጥምት ዘይክእል መንእሰይ ደድሕሪ ንፋስ እዩ ዚጐዪ፣ ከማኡ እውን ንመጻኢኡ ዘይሓልም መንእሰይ ዳርጋ ሞይቱ ተቀቢሩ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝነብር እዩ። መንእሰያትከስ ክልቲኡ ጠመተ እንተወኒኖም ንብደሆታት ሕይወት ብቆራጽነት ክቃለስዎም ክኽእሉ እዮም። ክንዮ አቲ ሕልሚ ዝበልናዮ ክጭምት ዝኽእል መንእሰይከስ ሓቀኛ ክውንነታውን መንእሰይ ኰይኑ ኣነጺሩ ጭማራኡ ዝውርውር እዩ። ወትሩ ምሕላም የድሊ። ነታ ኢጣልያዊ ዘማሪ ‘ቮላረ ነል ብሉ ዲፒንቶ ዲ ብሉ’ ናብቲ ብሰማያዊ ቀለም ዝወቀበ ሰማይ ገጽካ ምብራር ንዝብል መዝሙር ምዝማር የድሊ።

ንምዝዛም ዚኣክል ነታ ደስ ትብለኒ ዝበልኩምዋ ባኛ ካውዳ ትበሃል መግቢ ፕየሞንተ ከተስተማቅሩ ተሰናዲኹም ዶ ኣሎኹም!

እወ! እንተኾነ ቤተሰበይ ካብ ዓቅመይ ንላዕሊ ከይቅርቡለይ ተስፋ እገብር! ከመይ ከምቲ ናይ ሓደ ግዜ ሓደ መንእሰይ ኣይኮንኩን።

ብድምጺ ንምክትታል!
19 Nov 2022, 17:31