ድለ

ር.ሊ.ጳ. ሰናይ ግብሪ መስራቲት ማሕበር “ኣዴታት ፕላዛ ደ ማዮ’ ይዝክሩ ር.ሊ.ጳ. ሰናይ ግብሪ መስራቲት ማሕበር “ኣዴታት ፕላዛ ደ ማዮ’ ይዝክሩ 

ር.ሊ.ጳ. ሰናይ ግብሪ መስራቲት ማሕበር “ኣዴታት ፕላዛ ደ ማዮ’ ይዝክሩ

ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ናይተን ኣደ “ጽንዓትን ትብዓትን” ከምኡ እውን ወተሃደራዊ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ኣርጀንቲና ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብሰንኪ እቲ ስርዓት ደቀን ዝሰኣናን እዚ እውን ዘውረደለን መሪር ሓዘን “ናብ መሰል ናይቶም ኣዚዮም ዝተገሉን ዝተረስዑን ንምክልኻል ዝግበር ዘይሕለል ጻዕሪ” ገይረን ሰብኣውነት ኣብ ምንቕቓሕ ዘገልገላ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ን45 ዓመታት ኣብ ኣርጀንቲና ንዅሎም ኣብ እዋን ወተሃደራዊ ምልካዊ ስርዓት ዝተጨውዩ ሃለዋቶም ዘይፍለጥ ዝጠፍኡ “ደሳፓረሲዶስ” ብዝብል መጸውዕ ንዝፈልጡ ፍትሒ ክወሃብ ዝጽውዕ “ማድረስ ደ ፓላዛ ደ ማዮ - ኣዴታት ጎደና ግንቦት” ማሕበር ዝመስረታን ናይዚ ማሕበር እዚ ኣደ መንበርን ኮይነን ዘገልግላ ዝነበራ ሀበ ደ ቦናፊኒ ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላየን ምስ ሰምዑ፥ “ብጽሞናን ብትብዓትን ብዝተፈላለየ ምንቅስቓስን “ሓቂ ክወጽእ ዝኽሪ ከይበርስ -  ሓቅን ዝኽርን ህያው ኣብ ምግባር ከይተሓለላ ዘገልገላ” እንክብሉ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን  መግለጺ መልእኽቲ ከም ዝገለጽወን ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

 ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ናይተን ኣደ “ጽንዓትን ትብዓትን” ከምኡ እውን ወተሃደራዊ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ኣርጀንቲና ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብሰንኪ እቲ ስርዓት ደቀን ዝሰኣናን እዚ እውን ዘውረደለን መሪር ሓዘን “ናብ መሰል ናይቶም ኣዚዮም ዝተገሉን ዝተረስዑን ንምክልኻል ዝግበር ዘይሕለል ጻዕሪ” ገይረን ሰብኣውነት ኣብ ምንቕቓሕ ዘገልገላ እንክብሉ፡ ነተን ኣብ 93 ዓመት ዕድመአን ብዝሓደረን ሕማም ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልያ ኣርጀንቲናዊት ደላይት ፍትሒ መስራቲት ማሕበር ኣዴታት ቅርዓት ግንቦት ዘኪሮም፥ እዘን ኣብ እዋን ወተሃደራዊ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንዅለን ደቃተን ዝሰኣና ኣዴታት ኣብ ልበን ዓቝይረን ኣብ ጎደናታት ኣናወጻ ፍትሕን ሓቅን ዝጽውዓን ዝሓታትን ዝነበራ እንክብሉ ዘኪሮም፡ እቲ ብአአን ዝተነቓቐሐ ጉዕዞ ንቕድሚት ክስጉምን “ኣዴታት ዝኽሪ” ኮይነን ክቕጽላ አተባብዕ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ

ቅዱስነቶም ኣብቲ ብቋንቋ ሽፓኒሽ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ፥ “ኣብዚ ናይ ሓዘን ህሞት እዚ ምሳኻትኵምን ምስ ኮሎም እቶም ኣብ ሓዘን ዝርከቡ እሓብርን እጽልን” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ዕለት 28 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ቦናፊኒ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ኣካይደን ምስ ቅዱስነቶም ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ከም እተራኸባን ኣብቲ እውን፥ “ነቶም ድምጺ ዘይብሎም ድጽሚ ንምዃን ዝነብረኦ ቆራጽ ውሳኔአን ጽን ክብል ክኢለን” ነዚ ድላይ እዚ ክትንክፍ ከም ዝገበረኦም ዘኪሮም፡ . . .

ሓቅን ፍትሕን ምድላይ ወትሩ ህያው ክኸውን

ንሰን ካብ ዕለት 30 ሚያዝያ 1973 ዓ.ም. ኣትሒዘን በቲ ዘቖመኦ ማሕበር ኣቢለን ልዕሊ 2,036 ዝተፈላለዩ ደላይ ሓቅን ፍትሕን ሰላማዊ ሰልፍታት ከም ዝመርሓን፡ ኣብቲ ብዙሕ ክትዛረብ ኣብ ዘይትኽእለሉ ኵሉ ስቕታ ኣብ ዝመርጸሉ ዝነበረ እዋን፡ “ከየተሓለላ ሰሙናዊ ሰላማዊ ሰልፊ ዝመርሓ” ሓቅን ፍትሕን ምድላይ ህያው ክኸውን ዝገበራ፡ እዚ ናተን ኣብነት እዚ ህዝብን ታሪኽን ከም ዘይርስዕ እኣምን ንሓድሕድካ ምትሕብባርን ተወፋይነትን ነቲ እቲ ዝወረደ ግፍዒ ዘንበሮ ስቓይ ፈውሲ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መወዳእታ ዘካየድኦ ሰልፊ

ኣብዚ “እዘን ደላይት ሓቅን ፍትሕን” ኣብ ዝገብርኦ ጉዕዞ ኩሉ ብጸሎት ከሰንየን ጎይታ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ክህበን ክጽልን” ንሶም እውን ከም ዝጽልዩ ኣረጋጊጾም ነቶም “ነቲ ንሰን ኣብ ዘበገሰኦ ደላይ ሓቅን ፍትሕን ቃልሲ ዝካፈሉን ነቲ ንሰን ዘነቓቐሐኦ ሰናይ ዕላማ ከይጠፍእ ስለ ኩላትኩም እጽልይ፡ ስለይ ምጽላይ እውን ሓደራ ኣይትረስዑ” እንክብሉ መልእኽቶም ከም ዘጠቓለሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ናይ ኣርጀንቲና ብጹዓን ጳጳሳት

ብምኽንያት ዕረፍቲ ሀበ ደ ቦናፊኒ ናይ ኣርጀንቲና መንግስቲ ኣለርብቶ ፈርናንደዝ ናይ ሰለስተ መዓልታት ብሔራዊ ሓዘን ከም ዝኣወጀን’ ከምኡ እውን ናይ ኣርጀንቲ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብወግዓዊ መረብ ሓበሬታኡ ኣቢሉ፡ ብሞት እተን ኣረጅንቲናዊት ደላይት ፍትሕን ሓቅን ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊጹ፡ እግዚኣብሔር ጽንዓት ይሃብ” ከም ዝበለን “ንቤተሰበን ፈተውተን ከምኡ እውን ንማሕበር ኣዴታት ጐደና ግንቦት ካብ ጐይታ ምጽንናዕ ንምህለል” ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ መግለጺ ከም ዘውጸአ ኣፍሊጡ።

22 Nov 2022, 15:57