ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ድኻታት ሮማ ናይ ምሳሕ መኣዲ ተቛዲሶም
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 13 ሕዳር ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ድርሓ ጳውሎስ ሻድሻይ ብካሪታስ ናይ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ማሕበር ረድኤት ጨንፈር ሮማን ብካቶሊካዊ ምንቅስቓ ቅዱስ ኤጂዲዮ ምስ ዝእለዩ እስታት 1300 ድኻታት ሮማ ብሓባር ናይ ምሳሕ መኣዲ ከም እተቛደሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 13 ሻድሻይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት ምኽንያት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ፍርቂ መዓልቲ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ለጊሶምን ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ፡ ብካሪታስ ሮማን ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮን ምስ ዝእለዩ 1300 ድኻታት ናይ ምሳሕ መኣዲ ከም እተቛደሱን እዚ መደብ እዚ እውን ብናይ ቅድስቲ መንበር ዛዕባ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝተወደበ ከም ዝነበረ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ ኢጣሊያ 5.6 ሚሊዮን ዝኾኑ ዜጋታት ኣብ ድኽነት ዝነብሩን ካብዚኣቶም እውን እቶም 1.4 ሚሊዮን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ምዃኖም ካሪታስ ኢጣሊያ ዝሃቦ ጸብጻብ ጠቒሱ የመላኽት።
ህብረ - ተበግሶታት
ብምኽንያት እቲ ለምዘበን ዕለት 13 ሕዳር ተዘኪሩ ዝወዓለ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት ሓደ ሰሙን ኣቐዲሙ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንድኻታት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ከም እተወሃበን፥ ብድኽነትን ብኻልእ ተዛማዲ ኵነታት ምኽንያት ኣገልግሎት ሕክምና ክረኽቡ ዘጸግሞም ወይ ዘይክእሉ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ነኣሽቱ ተንቀሳቐስቲ ድንኳናት ተተኺሉ ህሙማን ኤይድስን ዝርከብዎም ንድኻታት ዘድሊ ናይ ሕክምና መርመራን ዘድሊ ኣፋውስ ከም እተወሃበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንዝተጸገሙ ምሕጋዝ
ብዘይ ምቁራጽ እውን ንኣስታት ሓሙሽተ ሺሕ ዝግመቱ ኣብ ድኽነት ዝነብሩ ኣባይቲ ስድራ ተቐማጦ ሮማ ብናይ ሮማ ቁምስታት መረብትዊ ናይ ምትሕብባር ረድኤት ካብ ዝተፈላለያ ዓበይትን ንኣሽቱን መሸጣ መግቢ ብዝረኽቦ ምትሕብባር ኣቢሉ ናይ መግቢ ሓገዝ ዘቕርብ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ካሪታስ ኢጣሊያ ካብ ዝተፈላለያ ኣባይቲ ባንኪ ብዝረኽቦ ድጋፍ መሰረት ኣብዚ እዋን እዚ ዝርአ ዘሎ ናህሪ ዋጋ ንምብዳህ ዝቃለሱ ንዘለዉ ኣባይቲ ስድራ ሓገዝ የቕርብ ምህላዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።